ትምህርቲ 52
ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
ኵላትና ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ነናትና ምርጫ ኣሎና። ቀሊል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ስዒብና፡ እንፈትዎ ዓይነት እናተኸደንና ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንኽእል ኢና። ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ እስከ ንርአ።
1. እንታይ ስርዓታት እዩ ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ኪመርሖ ዘለዎ፧
“ትሕትናን ልብምናን [ዜርኢ] ግቡእ ክዳውንቲ” ኽንመርጽ ኣሎና፣ ትርኢትና ኸኣ “ንኣምላኽ ተወፋይነት” ከም ዘሎና ዜርኢ ንጹህ ትርኢት ኪኸውን ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) እዚ ኣርባዕተ ስርዓታት እስከ ንርአ፦ (1) ክዳውንትና “ግቡእ” ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኸም እተዓዘብካዮ፡ ህዝቢ የሆዋ በበይኑ ምርጫ ኣለዎም፣ ኰይኑ ግና፡ ብኽዳውንትናን ብጸጕርናን ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኣኽብሮት ነርኢ ኢና። (2) “ትሕትና” ዜርኢ ትርኢት ኪብሃል ከሎ፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ዓይነት ዘይኰነ ወይ ናብ ርእስና ዘይግቡእ ቈላሕታ ዘይስሕብ ማለት እዩ። (3) “ልብምና” እነርኢ እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን፡ ዘመን ዘምጽኦ ዘበለ ፋሽን ኣይንስዕብን ኢና። (4) ትርኢትና ወትሩ “ንኣምላኽ ተወፋይነት” ከም ዘሎና ዜንጸባርቕ፡ ማለት ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም እነምልኽ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 10:31።
2. ትርኢትና ንክርስትያናት ብጾትና ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧
እንታይ ከም እንኽደን ክንመርጽ ናጽነት እኳ እንተ ኣሎና፡ ትርኢትና ኣብ ካልኦት ኬሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ግና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ንዋላ ሓደ ኸይነጕሂ ዚከኣለና ንገብር ኢና፣ ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ኺሃንጾስ፡ ብሰናይ ባህ የብሎ” ዚብል ምኽሪ እውን ንስዕብ ኢና።—ሮሜ 15:1, 2 ኣንብብ።
3. ትርኢትና ንሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺስሕቦም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ግቡእ ኣከዳድና ኺህልወና ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ ምናዳ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎትን ግና ንኣከዳድናና ፍሉይ ቈላሕታ ንገብር ኢና። ንሰባት ክንዛረቦም ከለና፡ ካብቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ናብ ካልእ ዜስግል ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትርኢትና ንሓቂ ማራኺት ኪገብራን ‘ንትምህርቲ መድሓኒና ኺስልሞን’ ኢና እንደሊ።—ቲቶስ 2:10።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ኣከዳድናናን ትርኢትናን ንክርስትያናት ከም ዚግባእ ምዃኑ ብኸመይ ከነረጋግጽ ከም እንኽእል ርአ።
ንሰበ ስልጣን ዘሎና ኣኽብሮት ኣብ ትርኢትና ይንጸባረቕ እዩ። የሆዋ ንልብና ኺርእዮ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮት እውን ኣብ ትርኢትና ኺንጸባረቕ ኣለዎ
4. ጽቡቕ ትርኢት ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት የርኢ
ብዛዕባ ትርኢትና እንግደሰሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ መዝሙር 47:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ንየሆዋ እንውክል ምዃንና ኣብ ኣከዳድናና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይግባእ፧
ኣብ ኣኼባታት ክንእከብን ናብ ኣገልግሎት ክንከይድን ከለና ብዛዕባ ትርኢትና ኽንግደስሲ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
5. ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ጽቡቕ ምርጫ ንምግባር ዚሕግዘና ነገራት
ክዳውንትና ኽቡር ይኹን ወይ ሕሱር፡ ጽሩይን ነቲ እንኽደኖ ኣጋጣሚ ዚግባእን ኪኸውን ኣለዎ። 1 ቈረንቶስ 10:24ን 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10ን ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ክዳውንቲ ኽንክደን ስለምንታይ ከም ዘይንደሊ ተመያየጡ፦
ወጅሃላይ ወይ ጠገለ ዘይብሉ
ጥብቕ ዝበለ፡ ሰብነትና ዚቐላልዕ፡ ወይ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል
ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ እቲ ሕጊ ግና ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ይሕብረና እዩ። ዘዳግም 22:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ንሰብኡት ከም ኣንስቲ፡ ንኣንስቲ ኸኣ ከም ሰብኡት ዚገብር ኣከዳድና ወይ ኣመለኻኽዓ ኸነወግድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:32, 33ን 1 ዮሃንስ 2:15, 16ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ትርኢትና ኣብ ማሕበረ ሰብና ወይ ኣብ ጉባኤና ንዘሎ ሰብ ኬጕህዮ ዚኽእል ምዃኑ ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ እትነብረሉ ዓዲ እንታይ ዓይነት ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧
ገሊኡ ንክርስትያን ዘይግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
በበይኑ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን እኳ እንተ ሃለወና፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንኽእል ኢና
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ቃሕ ዝበለኒ ክኽደን መሰል ኣሎኒ።”
ምስዚ ትሰማማዕዶ፧ ስለምንታይ፧
ጽማቝ
ብዛዕባ ትርኢትና ጽቡቕ ምርጫ ምስ እንገብር፡ ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎና ኣኽብሮት ነርኢ።
ክለሳ
ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ንየሆዋ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧
እንታይ ስርዓታት እዩ ብዛዕባ ትርኢትና ንእንገብሮ ውሳነታት ኪጸልዎ ዚግባእ፧
ትርኢትና ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎም ኣረኣእያ ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ዳህስስ
ክዳውንትኻ እንታይ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ከም ዚኽእል ርአ።
ውቃጦ ቕድሚ ምግባርካ፡ ብዛዕባኡ ኽትሓስብ ዘሎካ ስለምንታይ ምዃኑ ፍለጥ።
ንውሳነታትካ ኺመርሖ ዚኽእል ተወሳኺ ስርዓታት መርምር።
ሓንቲ ቕንዕቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ኣብ ብሕታዊ ትርኢቶም ዚገብርዎ ምርጫ ብኸመይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣማዕቢላ፧