መዝሙር 137
እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(ሮሜ 16:2)
1. ሳራን ማርያምን ሩትን ካልኦትን፡
ወራዙት፡ እሙናት፡ ዘይፈትዋ ኽፍኣት፣
ንኣምላኽ ውፉያት፡ ኣንስቲ እምነት፣
ንፈልጠን ኢና ’ወ ነዘን እሙናት።
ነይረን’ውን ’የን የሆዋ ዚፈትወን፡
’ተ ዘይተጻሕፈ’ኳ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ስመን።
2. ኣብተን ኣንስቲ ተራእያ’ያ ሓልዮት፣
ተመላሊሰን’ውን ወትሩ ብትብዓት፣
ኣየ ሕያውነት፡ ኣየ መንፍዓት!
በዚ’ውን ይዀና ሰናይ ኣብነት።
ኦ ኽቡራት፡ ክርስትያን ኣሓትና፡
ብሰናይ ግብርኽን ወትሩ ተዅርዓና።
3. ኣዴታት፡ ኣሓት፡ ኣዋልድ፡ ኣንስቲ፡
ወትሩ እትጽዕራ መዓልቲ ለይቲ፣
ትሑታት ካብ ልቢ፡ ኢኽን ለባማት፣
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ውን ኢኽን ክቡራት።
ኣትን ኣሓት፡ የሆዋ የዕቍብክን፡
ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ፡ ኵሉ ሳዕ የጽልልክን።
(ፊል. 4:3፣ 1 ጢሞ. 2:9, 10፣ 1 ጴጥ. 3:4, 5 እውን ርአ።)