ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 6 ገጽ 12-13
  • ኣል-ሓሰን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣል-ሓሰን
  • ንቕሑ!—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ሓጽቢ ኒል
  • መጽሓፍ ኦፕቲክስ
  • ፍልማዊት ካሜራ
  • ስነ ፍልጠታዊ ሜላ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 6 ገጽ 12-13

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣል-ሓሰን

ኣል-ሓሰን

ምናልባት ብዛዕባ ኣቡ ዓሊ ኣል-ሓሰን ኢብን ኣል-ሃይሰም ሰሚዕካ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ኣብ ምዕራባውያን፡ በቲ ኻብቲ ኣል-ሓሰን ዚብል ዓረብኛ ስሙ እተወስደ ብላቲን ኣልሃዘን ዚብል ኣደማምጻ እዩ ዚፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዕዮኡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። “ኣብ ታሪኽ ስነ ፍልጠት፡ ሓደ ኻብቶም ኣዝዮም ኣገደስትን ሓያል ጽልዋ ዘሕደሩን ሰባት” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ኣል-ሓሰን ጽዑቕ ሜላታት መርመራ ስለ ዝነበሮ፡ “ካብ ዓለም ቀዳማይ ናይ ሓቂ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት” ተባሂሉ እዩ።

  • ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዕዮ ፎቶግራፍ ወይ ስእሊ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት ኣለልዩ ነይሩ እዩ።

  • ምስ ለንስ ብዚተሓሓዝ ዝዓየዮ ዕዮ፡ ንምምዕባል ኰነ ንምስራሕ መነጸርን ማይክሮስኮፕን ተለስኮፕን ሓጊዙ እዩ።

ኣል-ሓሰን ኣብ ባስራ፡ ሕጂ ዒራቕ፡ ኣብ ከባቢ 965 ድ.ክ. እዩ ተወሊዱ። ተገዳስነቱ ድማ ኣብ ስነ ኰዀብን ስነ ቐመምን ሕሳብን ሕክምናን ሙዚቃን ኦፕቲክስን ፊዚክስን ግጥምን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ብፍላይ ዚምስገነሉ ነገር እዩ ገይሩ፧

ሓጽቢ ኒል

ብዛዕባ ኣል-ሓሰን ዚውረ ዛንታ፡ ንነዊሕ እዋን እዩ ኺንገር ጸኒሑ። ካብቲ እቲ ኣብ ኣስዋን ብ1902 እተሃንጸ ሓጽቢ ኣስታት 1,000 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣል-ሓሰን ንዋሕዚ ፈለግ ኒል ንምቍጽጻር ዝወጠኖ ውጥን ነይርዎ እዩ።

ብመሰረት እቲ ዛንታ፡ ኣል-ሓሰን ኣብ ፈለግ ኒል ሓጽቢ ብምስራሕ፡ ነቲ ኣብ ግብጺ ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ምዕልቕላቕ ማይን ደርቅን ንምቍጽጻር ዜኽእል ውጥን ነበሮ። እቲ መራሒ ካይሮ ዝነበረ ከሊፋ ኣል-ሓኪም፡ ብዛዕባ እቲ ኣል-ሓሰን ዘቕረቦ ሓሳብ ምስ ሰምዐ፡ ንኣል-ሓሰን ነቲ ሓጽቢ ምእንቲ ኺሃንጾ ናብ ግብጺ ኺመጽእ ዓደሞ። ኰይኑ ግና፡ ኣል-ሓሰን ነቲ ፈለግ ብዓይኑ ምስ ረኣዮ፡ እቲ ፕሮጀክት ህንጸት ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ተረድአ። እቲ ጠባዩ ዓሰርተ ሳዕ ዚቀያየር መራሒ ኸይቐጽዖ ስለ ዝፈርሀን ንህይወቱ ምእንቲ ኼድሕንን፡ እቲ መራሒ ኣስታት 11 ዓመት ጸኒሑ ብ1021 ክሳዕ ዚመውት፡ እተጸለለ መሲሉ ኺነብር ጀመረ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣል-ሓሰን ጽሉል መሲሉ ኣብ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ብዙሕ ግዜ ስለ ዝነበሮ፡ ካልእ ዜገድሶ ዝነበረ ነገራት ኪገብር ጀመረ።

መጽሓፍ ኦፕቲክስ

ኣል-ሓሰን ካብ እተዓቝበሉ ቦታ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ንመብዛሕትኡ ኽፋል እታ ሸውዓተ ጥራዝ ዘለዋ መጽሓፍ ኦፕቲክስ ጽሒፍዋ ነበረ፣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድማ፡ “ኣብ ታሪኽ ፊዚክስ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ኣገደስቲ መጻሕፍቲ” ጌርካ እያ እትቝጸር። ኣል-ሓሰን ኣብታ መጽሓፍ ብዛዕባ ባህርይ ብርሃን ዝገበሮ ምርምር፡ ንኣብነት፡ ብርሃን ብኸመይ ናብ መሰረታዊ ሕብርታት ከም ዚመቓቐል፡ ብኸመይ ኣብ መስትያት ከም ዚንጸባረቕ፡ ከምኡ እውን ካብ ሓደ ነገር ናብ ካልእ ኪሓልፍ ከሎ ብኸመይ ከም ዚዕጸፍ ገሊጹ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ርእየትን ብዛዕባ ዓይንን ኣጽኒዑ እዩ።

ኣብ መበል 13 ዘመን፡ እታ ኣል-ሓሰን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ካብ ዓረብኛ ናብ ላቲን ተተርጐመት፣ ንነዊሕ ዘመናት ድማ፡ ምሁራት ኤውሮጳ ኻብኣ ይጠቕሱ ነበሩ። ኣል-ሓሰን ንባህርይ ለንስ ብዚምልከት ዝጸሓፎ ጽሑፋት፡ ነቶም ኤውሮጳውያን ሰራሕቲ መነጸር፡ ንሓደ ለንስ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ብምድራብ ተለስኮፕን ማይክሮስኮፕን ኪምህዙ መሰረት ኰይንዎም እዩ።

ፍልማዊት ካሜራ

ኣል-ሓሰን ነታ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ኽትከውን እትኽእል ፍልማዊት ካሜራ ምስ ሰርሓ፡ ንዕዮ ፎቶግራፍ ብዝያዳ ዜራጕድ መሰረታዊ ሕጊ ኼለሊ ኸኣለ። እዛ ካሜራ እዚኣ፡ ብዅሉ ሸነኻ እተዓጽወት “ጸልማት ክፍሊ” ዀይና፡ ብርሃን ናብኣ ብሓንቲ ንእሽቶ ነዃል ኣቢሉ ይኣቱ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ዚርከብ መንደቕ፡ እተገምጠለ ምስሊ እቲ ብግዳም ኣብ መንጽር እታ ነዃል ዘሎ ነገር ይዓልብ።

ፍልማዊት ካሜራ

ኣል-ሓሰን ነታ ናይ መጀመርታ ኽትከውን እትኽእል ፍልማዊት ካሜራ ሰሪሕዋ

ኣብ 1800ታት ነታ ፍልማዊት ካሜራ፡ ቀጸላታት ፎቶግራፍ ስለ እተወሰኸላ፡ ነባሪ ዝዀነ ስእልታት ክትስእል ጀመረት። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እዛ ሕጂ ዘላ ካሜራ ኽትምሃዝ ከኣለት። ሎሚ ዘለዋ ዅለን ዘመናውያን ካሜራታት ኰነ ኣዒንትና ዚጥቀማሉ መሰረታዊ ሕጊ፡ ምስቲ እታ ፍልማዊት ካሜራ እትጥቀመሉ ሕደ እዩ።a

ስነ ፍልጠታዊ ሜላ

ንኣል-ሓሰን ፍሉይ ዚገብሮ ሓደ መዳይ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ምርምር ኣብ ዚገብረሉ እዋን፡ ብደቂቕን ብሜላን ዚግበሮ ምንባሩ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ እዋን እተለምደ ኣይነበረን። ኣል-ሓሰን ሓደ ኻብቶም ንኽልሰ ሓሳብ ብፈተነ ዚምርምሩ ዝነበሩ ቐዳሞት ተመራመርቲ እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ መርትዖ ዘይብሉ፡ ግናኸ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕቶ ኻብ ምእታው ድሕር ኣይብልን እዩ ነይሩ።

ዘመናዊ ስነ ፍልጠት፡ “ነቲ እትኣምነሉ ነገር ብመርትዖ ደግፎ!” ብዚብል ብሂል ኪግለጽ ይከኣል እዩ። ገሊኦም ሰባት ንኣል-ሓሰን፡ “ኣቦ ዘመናዊ ሜላ ስነ ፍልጠት” ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ እምበኣር፡ ንኣል-ሓሰን ብዙሕ እነመስግነሉ ምኽንያት ኣሎና።

a ኣብ መንጎ እታ ፍልማዊት ካሜራን ኣዒንትናን ዘሎ ምስስል፡ ክሳዕ እቲ ዮሃንስ ኬፕለር ኣብ መበል 17 ዘመን ዝገለጸሉ እዋን፡ ምዕራባውያን ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም።

“ኣብ ስነ ፍልጠት ብኸመይ ምርምር ከም ‘እንገብር’ እዩ ምሂሩና”

ጃሚል ኣል-ኻሊሊ ዝስሙ ደራሲ፡ ንኣል-ሓሰን ዝዓበየ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ዝገበሮ መዳይ ኪገልጽ ከሎ፡ “ዓብዪ ለውጢ ዜምጽእ ሓደ ርኽበት ኣይኰነን ረኺቡ። የግዳስ፡ ኣብ ስነ ፍልጠት ብኸመይ ምርምር ከም ‘እንገብር’ እዩ ምሂሩና” በለ። እታ ኣል-ሓሰን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ኦፕቲክስ፡ እተገብረ ፈተነታት፡ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ መሳርሒታት፡ እተወስደ ዓቐን፡ እተረኽበ ውጽኢታት ኣማሊኣ ዝሓዘት “ናይ ሓቂ ስነ ፍልጠታዊት መምሃሪ መጽሓፍ” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ