ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧
ንኽውንነት ተቐበል
ዋጋታት በብቝሩብ ይውስኽ እንተ ኣልዩ፡ ምናዳ ኸኣ ደሞዝ ምስኡ ይውስኽ እንተ ኣልዩ፡ ብዙሕ ኣይነስተብህለሉን ኢና። ዋጋታት ሰማይ እናዓረገ ኽነሱ ደሞዝ እንተ ዘይወሲኹ ግና፡ ብሕልፊ ኸኣ እንኣልዮ ስድራ እንተ ኣልዩና፡ ክንጭነቕን ክንዋጠርን ንኽእል ኢና።
ንናህሪ ዋጋታት ክንዓግቶ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ኽውንነት እንተ ተቐቢልናዮ ግና፡ ገዛእ ርእስና ኽንጠቅም ንኽእል ኢና።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ብዛዕባ ናህሪ ዋጋታት ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ . . .
ኣይርበሹን እዮም። እንተ ዘይተረቢሽና ኸኣ፡ ብንጹር ክንሓስብን ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብርን ንኽእል ኢና።
ናይ ዕሽነት ተግባር ኣይገብሩን እዮም። ንኣብነት፡ ንኽፍሊትና ዕሽሽ ምባል ወይ ገንዘብና ምዝራው ናይ ዕሽነት ተግባር እዩ።
ብገንዘብ ምስ ቤተ ሰቦም ኣይበኣሱን እዮም።
ነዚ ጸገም ብኸመይ ከም ዚጾርዎ የስተውዕሉ እዮም። ምናልባት እውን ንቐዳምነታቶምን ንወጻኢታቶምን የዐርዩ እዮም።
ክትገብሮ እትኽእል
ንምትዕጽጻፍ ፍቓደኛ ኹን። ናህሪ ዋጋታት ኪህሉ ኸሎ፡ ወጻኢታትካ እንተ ነከኻ ይሓይሽ። ገሊኦም ሰባት ልዕሊ ዓቕሞም ኪነብሩ እዮም ዚጽዕሩ፣ እዚ ኸኣ ኣንጻር ብርቱዕ ውሒዝ ከም ምሕምባስ እዩ! ኣብ መወዳእታኡ፡ ገዛእ ርእሶም ጥራይ እዮም ዜድክሙ። ስድራ እንተ ኣልዮምኻ፡ ንዓታቶም ብኸመይ ከም እትናብዮም የተሓሳስበካ ይኸውን። ሓቅኻ ድማ ኢኻ! ኰይኑ ግና፡ ሓደ ነገር ኣይትረስዕ፦ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኻብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ፡ ፍቕርኻን ግዜኻን ቈላሕታኻን እዩ ዜድልዮም።
ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ናይ ሸንዳሕዳሕ መነባብሮ ኺህልወካ ምፍታን፡ ኣንጻር ብርቱዕ ውሒዝ ከም ምሕንባስ እዩ