ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g25 ቍ. 1 ገጽ 4-5
  • ንኽውንነት ተቐበል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽውንነት ተቐበል
  • ንቕሑ!—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ዓለምለኻዊ ምንሃር ዋጋታት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2025
  • ትስፉው ኩን
    ንቕሑ!—2025
  • ገንዘብካ ኣካውን
    ንቕሑ!—2025
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2025
g25 ቍ. 1 ገጽ 4-5
ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ዕዳጋ ኮሚደረ ትሓሪ። 2. ዋጋ እቲ ዝዓደገቶ ኣስቤዛ ነታ ሸቃጢት ትኸፍላ።

ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧

ንኽውንነት ተቐበል

ዋጋታት በብቝሩብ ይውስኽ እንተ ኣልዩ፡ ምናዳ ኸኣ ደሞዝ ምስኡ ይውስኽ እንተ ኣልዩ፡ ብዙሕ ኣይነስተብህለሉን ኢና። ዋጋታት ሰማይ እናዓረገ ኽነሱ ደሞዝ እንተ ዘይወሲኹ ግና፡ ብሕልፊ ኸኣ እንኣልዮ ስድራ እንተ ኣልዩና፡ ክንጭነቕን ክንዋጠርን ንኽእል ኢና።

ንናህሪ ዋጋታት ክንዓግቶ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ኽውንነት እንተ ተቐቢልናዮ ግና፡ ገዛእ ርእስና ኽንጠቅም ንኽእል ኢና።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ናህሪ ዋጋታት ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ . . .

  • ኣይርበሹን እዮም። እንተ ዘይተረቢሽና ኸኣ፡ ብንጹር ክንሓስብን ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብርን ንኽእል ኢና።

  • ናይ ዕሽነት ተግባር ኣይገብሩን እዮም። ንኣብነት፡ ንኽፍሊትና ዕሽሽ ምባል ወይ ገንዘብና ምዝራው ናይ ዕሽነት ተግባር እዩ።

  • ብገንዘብ ምስ ቤተ ሰቦም ኣይበኣሱን እዮም።

  • ነዚ ጸገም ብኸመይ ከም ዚጾርዎ የስተውዕሉ እዮም። ምናልባት እውን ንቐዳምነታቶምን ንወጻኢታቶምን የዐርዩ እዮም።

ክትገብሮ እትኽእል

ንምትዕጽጻፍ ፍቓደኛ ኹን። ናህሪ ዋጋታት ኪህሉ ኸሎ፡ ወጻኢታትካ እንተ ነከኻ ይሓይሽ። ገሊኦም ሰባት ልዕሊ ዓቕሞም ኪነብሩ እዮም ዚጽዕሩ፣ እዚ ኸኣ ኣንጻር ብርቱዕ ውሒዝ ከም ምሕምባስ እዩ! ኣብ መወዳእታኡ፡ ገዛእ ርእሶም ጥራይ እዮም ዜድክሙ። ስድራ እንተ ኣልዮምኻ፡ ንዓታቶም ብኸመይ ከም እትናብዮም የተሓሳስበካ ይኸውን። ሓቅኻ ድማ ኢኻ! ኰይኑ ግና፡ ሓደ ነገር ኣይትረስዕ፦ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኻብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ፡ ፍቕርኻን ግዜኻን ቈላሕታኻን እዩ ዜድልዮም።

“ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧”—ሉቃስ 12:25።

“ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”—ማቴዎስ 6:34።

ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ናይ ሸንዳሕዳሕ መነባብሮ ኺህልወካ ምፍታን፡ ኣንጻር ብርቱዕ ውሒዝ ከም ምሕንባስ እዩ

ፋዚልያ።

“ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 እተነበዮ፡ ኣብ ‘ጽንኩር ግዜ’ ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ፡ ቍጠባዊ ጸገማትን ናህሪ ዋጋታትን ኣየሰምብደንን እዩ። ኣብቲ ግድን ዘየድሊ ነገራት ዘውጽኦ ዝነበርኩ ወጻኢታት ብምንካይ፡ ክተዓጻጸፍ እፍትን እየ።”—ፋዚልያ፡ ኣዘርባጃን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ