ኣብቲ ስንጭሮ ዚርከብ ስም ኣምላኽ
ሰይንት ሞሪትስ ኪበሃል ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ስንጭሮ ኤንገዲን ዚርከብ ቦታ፡ ኣብ ግዜ በዓላት ብተደጋጋሚ ዚብጻሕ ህቡብ ቦታ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ሰይንት ሞሪትስ ሓደ ኻብቲ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢጣልያ ኣብ ዘሎ ብውርጪ ኣብ እተሸፈነ ኣኽራን ኣልፕ ዚርከብ መሳጢ ስንጭሮ እዩ። እዚ ቦታ እዚ ንብዙሓት ሰባት ይስሕቦም እዩ። ብዘይካዚ፡ ሃገራዊ ፓርክ ስዊዘርላንድ ዚርከበሉ ቦታ እዩ፣ እዚ ቦታ እዚ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ኣብኡ ዚርከብ እተፈላለየ ኣትክልትን እንስሳታትን፡ ነቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ዚውድስ እዩ። (መዝ. 148:7-10) እቲ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነበረ ልምዲ እውን ንየሆዋ ዚውድስ እዩ።
ኣብቲ ስንጭሮ ኣብ ዚርከብ ኣባይቲ እትርእዮ ዘይተለምደ ነገር፡ ንኣቓልቦኻ ኺስሕቦ ይኽእል እዩ። ስም ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ልዳት ሓያሎ ኣባይቲ ተጻሒፉ ይርከብ እዩ። ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት፡ ብሕብሪ ብምልካይ፡ ኣብ እተለሰነ መንደቕ ብምፍሓር፡ ወይ ኣብ ኣእማን ብምቕራጽ፡ ንግዳማዊ ሸነኽ ኣባይቲ ናይ ምምልኻዕ ልምዲ ነይሩ እዩ። ኣብ ታሕቲ፡ ስእሊ ሓንቲ ቤቨር ኣብ እትበሃል ቍሸት እትርከብ ቤት ኣሎ። ትርጕም እቲ ጽሑፍ፡ “ዓመተ 1715። የሆዋ መጀመርታ እዩ፡ የሆዋ መወዳእታ እዩ። ኵሉ ነገር ብኣምላኽ እምበር፡ ብዘይ ብእኡ ዚኸውን የልቦን” ዚብል እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንስም ኣምላኽ ክልተ ሳዕ እዩ ዚጠቕሶ።
ማዱላይን ኣብ እትበሃል ቍሸት ከኣ፡ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ጽሑፍ ይርከብ እዩ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦ “መዝሙር 127። የሆዋ ንቤት እንተ ዘይሃነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። ሉክዩስ ሩሜድየስ። ዓመተ 1654።”
ኣብቲ ስንጭሮ፡ መለኮታዊ ስም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዚርከብ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ኣብ መበል 16 ዘመን እተገብረ ተሓድሶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ኣብ ኢንጋዲን ዚዝረብ ሮማንሽ ዚበሃል ኣብ ላቲን እተመርኰሰ ቛንቋ ተሓቲሙ ነበረ። ናብቲ ቛንቋ እቲ እተተርጐመ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ድማ ኰነ። ብዙሓት ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት፡ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብዎ ተደሪኾም፡ ኣብ ግዳማዊ ሸነኽ ኣባይቶም፡ ስሞም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስም ኣምላኽ ዘለዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይጽሕፉ ነበሩ።
እዚ ጽሑፋት እዚ ኻብ ዚጸሓፍ ዘመናት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንስም የሆዋ ይእውጅን ይውድስን ኣሎ። በጻሕትን ኣብዚ ስንጭሮ እዚ ዚነብሩ ተቐማጦን እውን፡ ናብቲ ኣብ ቤቨር ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሉ ዚጽዋዕ ህንጻ ብምኻድ፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝያዳ ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© Stähli Rolf A/age fotostock