ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ለካቲት ገጽ 31
  • ፍቕሪ ብግብሪ ርእዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍቕሪ ብግብሪ ርእዮም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህይወት ዚቕይር ነጠብጣብ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ሓቀኛታት ሰባት ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ከይረኣኻ ምንባር
    ንቕሑ!—2015
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ለካቲት ገጽ 31

[ካብ ጸጋም ናብ የማን] ማርሰሎ፡ ዮማራ፡ ሂቨር። ነፍሲ ወከፎም ብብረይል እተዳለወ ናይ ስጳንኛ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ሒዞም ኣለዉ

ፍቕሪ ብግብሪ ርእዮም

ዮማራ ምስቶም ማርሰሎን ሂቨርን ዚብሃሉ ኣሕዋታ፡ ኣብ ጓተማላ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት እያ እትነብር። ፈለማ፡ ዮማራ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ጸኒሖም ከኣ ኣሕዋታ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጸምበርዋ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ጸገም ነበሮም። ሰለስቲኦም ዓይነ ስዉራን እዮም፡ ብረይል ኬንብቡ እውን ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዖም ዝነበረ መምህሮም ነቲ ዚጽናዕ ጽሑፍን ኣብቲ ትምህርቲ ዚርከብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን የንብበሎም ነበረ።

ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እውን ካልእ ብድሆ ኣጓነፎም። ናብታ ዝቐረበት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ፡ 40 ደቒቕ ዚወስድ ጕዕዞ ባዕሎም ኪገብሩ ኣይከኣሉን። ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋት ግና ናብ ኵሉ ኣኼባታት ኪወስድዎም መሰናድዎ ገበሩ። እዞም ዓይነ ስዉራን ኣብ ኣኼባታት መንጎ ሰሙን ናይ ተምሃራይ ክፍልታት ኬቕርቡ ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ ነቲ ዜቕርብዎ ኽፍልታት ምእንቲ ኼጽንዕዎ፡ ኣሕዋት ሓገዝዎም።

ኣብ ግንቦት 2019፡ ኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ቍሸቶም ኪግበር ተጀመረ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ስሩዓት ፈለምቲ ናብታ ቝሸት ግዒዞም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ነዞም ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ብብረይል ምንባብን ምጽሓፍን ኪምህርዎም ሸቶ ኣውጽኡ። ይኹን እምበር፡ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ብኸመይ ብረይል ከም ዜንብቡ እኳ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኸይዶም፡ ስርዓት ብረይል ከመይ ምዃኑን ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚምህሩን ዚሕግዝ መጻሕፍቲ ኣጽንዑ።

ማርሰሎ ኣብ ሓደ ኣኼባ ጉባኤ ሓሳብ እናሃበ

ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ እዞም ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ብረይል ብቐሊሉ ኼንብቡ ኸኣሉ፣ እዚ ድማ ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣኽኣሎም።a ሕጂ ዮማራን ማርሰሎን ሂቨርን ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ማርሰሎ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ምሉእ ሰሙን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ጽቡቕ ተሳትፎ ይገብሩ እዮም። እቲ ውዕዉዕ መንፈሶም ድማ ተመሓላላፊ እዩ።

እዞም ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ነቲ ኻብ ጉባኤ ዚረኽብዎ ፍቕራዊ ደገፍ የመስግኑሉ እዮም። ዮማራ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣርእዮምና እዮም” ትብል። ማርሰሎ ድማ፡ “ኣብ ጉባኤና ጥዑማት ፈተውቲ ኣለዉና። ክፍሊ እቲ ብፍቕሪ እተኣሳሰረ ዓለምለኻዊ ሕውነት እውን ኢና” ይብል። ዮማራን ኣሕዋታን ነቲ ምድሪ ናብ ገነት እትቕየረሉ እዋን ኪርእዩ ሃረር ኢሎም ይጽበዩ ኣለዉ።—መዝ. 37:10, 11፣ ኢሳ. 35:5።

a ለርን ቱ ሪድ ብረይል (ንባብ ብረይል ተምሃር) ዘርእስታ ብሮሹር፡ ንዓይነ ስዉር ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎ ሰብ ብብረይል ምንባብን ምጽሓፍን ትሕግዝ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ