4 ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም፡+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡+ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ እናሰምዕዎ ነገሩ የቕርብ። ንሳቶም ድማ ናብታ ኸተማ ይቀበልዎ፡ ቦታ ኸኣ ይሃብዎ፡ ምሳታቶም እውን ይንበር። 5 ንብጻዩ ብድንገት እዩ ቐቲልዎ፡ ኣቐዲሙ ኸኣ ጽልኢ ኣይነበሮን እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም ደድሕሪኡ እንተ ስዒቡ፡ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፎም ኣይሃብዎ።+