ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • es25 ገጽ 57-67
  • ሰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰነ
  • ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ሰንበት 1 ሰነ
  • ሰኑይ 2 ሰነ
  • ሰሉስ 3 ሰነ
  • ረቡዕ 4 ሰነ
  • ሓሙስ 5 ሰነ
  • ዓርቢ 6 ሰነ
  • ቀዳም 7 ሰነ
  • ሰንበት 8 ሰነ
  • ሰኑይ 9 ሰነ
  • ሰሉስ 10 ሰነ
  • ረቡዕ 11 ሰነ
  • ሓሙስ 12 ሰነ
  • ዓርቢ 13 ሰነ
  • ቀዳም 14 ሰነ
  • ሰንበት 15 ሰነ
  • ሰኑይ 16 ሰነ
  • ሰሉስ 17 ሰነ
  • ረቡዕ 18 ሰነ
  • ሓሙስ 19 ሰነ
  • ዓርቢ 20 ሰነ
  • ቀዳም 21 ሰነ
  • ሰንበት 22 ሰነ
  • ሰኑይ 23 ሰነ
  • ሰሉስ 24 ሰነ
  • ረቡዕ 25 ሰነ
  • ሓሙስ 26 ሰነ
  • ዓርቢ 27 ሰነ
  • ቀዳም 28 ሰነ
  • ሰንበት 29 ሰነ
  • ሰኑይ 30 ሰነ
ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
es25 ገጽ 57-67

ሰነ

ሰንበት 1 ሰነ

ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።—ግብ. 14:22።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ምስቲ ለውጢ ተዋሃሂዶም ኪመላለሱ ኸለዉ፡ የሆዋ ንዅላቶም ባሪኽዎም እዩ። ብዙሕ ሳዕ መስጐጕቲ ይወርድ ነይሩ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ከይተጸበይዎ እዩ መስጐጕቲ ዜጓንፎም ነይሩ። ንኣብነት፡ በርናባስን ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብ ልስጥራ እናሰበኹ ኸለዉ ዘጋጠሞም እሞ ንርአ። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ህዝቢ ጽቡቕ ገይሮም ተቐበልዎም። ደሓር ግና፡ ተጻረርቲ “ነቶም ህዝቢ ሓቢሎም” ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፣ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ሓዲጎምዎ ኸዱ። (ግብ. 14:19) በርናባስን ጳውሎስን ግና ናብ ካልእ ዓዲ ኸይዶም ሰበኹ። እሞ ደኣ እንታይ ፍረ ረኸቡ፧ “ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ” ገበሩ፣ ቃላቶምን ኣብነቶምን ከኣ ንክርስትያናት ብጾቶም ኣበርትዖም። (ግብ. 14:21, 22) በርናባስን ጳውሎስን ኣብ ትሕቲ ሃንደበታዊ መስጐጕቲ ስለ ዘይተሓለሉ፡ ብዙሓት ተጠቒሞም እዮም። ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ኸይተሓለልና እንተ ዓዪና፡ ክንባረኽ ኢና። w23.04 16-17 ¶13-14

ሰኑይ 2 ሰነ

ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ ናብ ልማኖይ ኣቕልብ። ንስኻ ኽትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡ ብመዓልቲ ጭንቀይ ክጽውዓካ እየ።—መዝ. 86:6, 7።

ንጉስ ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብዙሓት ሓደገኛታት ጸላእቲ ኣጓኒፎምዎ እዮም፣ ብዙሕ ሳዕ ድማ ብጸሎት ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ለሚኑ እዩ። ዳዊት፡ የሆዋ ንጸሎቱ ኸም ዝሰምዖን ከም ዝመለሰሉን ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ እምንቶ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንምጽዋር ዜድልየና ጥበብን ሓይልን ከም ዚህበና የረጋግጸልና። ብመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ወይ ንዕኡ ብዘየምልኽዎ ሰባት ኣቢሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንጸሎትና፡ ወትሩ ንሕና ብእተጸበናዮ መገዲ ዚምልሰልና እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከም ዚምልሰልና ግና ንፈልጥ ኢና። ብልክዕ ዜድልየና ዘበለ ኣብቲ ብልክዕ ዜድልየና እዋን ይህበና እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ሕጂ ኸም ዚከናኸነካ፡ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እውን ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዕግብ’ ርግጸኛ ብምዃን ብእምነት ጸሊ።—መዝ. 145:16። w23.05 8 ¶4፣ 13 ¶17-18

ሰሉስ 3 ሰነ

ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧—መዝ. 116:12።

ኣብቲ ሸቶኻ ምውቃዕ ዜምጽኣልካ በረኸት ምትኵር ጽቡቕ እዩ። እሞ ደኣ ንስኻ ኣብ ምንታይ በረኸት ከተተኵር ትኽእል፧ ምስ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ምስ ጸሎት እተተሓሓዘ ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ከም ዜደልድሎ ሕሰብ። (መዝ. 145:18, 19) ክርስትያናዊ ባህርይ ንምምዕባል ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ከም ዜመሓይሾ ኣስተንትን። (ቈሎ. 3:14) እሞ ደኣ ንዅሉ እቲ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ዜለዓዕለካ ምኽንያታት ስለምንታይ ዘይትዝርዝሮ፧ ነዚ ዝርዝር እዚ ድማ በብግዜኡ ተወከሶ። ኬተባብዑኻ ምስ ዚኽእሉ ሰባት እውን ግዜ ኣሕልፍ። (ምሳ. 13:20) ከም ሓቂ ግና፡ ውሽጣዊ ድራኸ ዘይህልወና መዓልትታት ኣሎ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ናብ ሸቶና ገጽና ኽንግስግስ ኣይንኽእልን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብቲ ውሽጣዊ ድራኸ ዘይብልና መዓልትታት እኳ ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ጻዕርታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ከምዚ ንምግባር፡ ገዛእ ርእስና ኽንግስጽ ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ፍሪኡ ግና ዜሐጕስ እዩ። w23.05 27-28 ¶5-8

ረቡዕ 4 ሰነ

ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።—ገላ. 6:7።

ብውሳነታትና ተሓተትቲ ኸም እንኸውን ምፍላጥና፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ፡ ስሕተትና ኽንእርም፡ ጌጋና እውን ከይንደግም የለዓዕለና እዩ። እዚ ስጕምትታት እዚ ኻብ ቅድድም ህይወት ከይንወጽእ ይሕግዘና እዩ። ነቲ ዝገበርካዮ ሕማቕ ውሳነ ኸተዐርዮ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ነቲ ህሉው ኵነታትካ ተቐበሎ። ስለቲ ዝገበርካዮ መመኽነይታ ኣብ ምቕራብ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምውቃስ፡ ወይ ንኻልኦት ኣብ ምውቃስ ስምዒታዊ ዀነ ኣእምሮኣዊ ሓይልኻ ኣይተባኽን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጌጋኻ ተኣመን፡ ኣብቲ ህሉው ኵነታት ከኣ ዚከኣለካ ኽትገብር ጽዓር። ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ጌጋ ናይ በደለኛነት ስምዒት እንተ ተሰሚዑካ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ፡ ጌጋኻ ተኣመን፡ ይቕረታ ኺገብረልካ እውን ለምኖ። (መዝ. 25:11፣ 51:3, 4) ነቶም ዝበደልካዮም ይቕረታ ሕተቶም፣ እንተ ኣድልዩ እውን፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ድለ። (ያእ. 5:14, 15) ካብ ጌጋታትካ ተምሃር፡ ኣይትድገሞ እውን። ነዚ ነጥብታት እዚ እንተ ዓዪኻሉ፡ የሆዋ ምሕረት ከም ዚገብረልካ፡ ዜድልየካ ሓገዝ እውን ከም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 103:8-13። w23.08 28-29 ¶8-9

ሓሙስ 5 ሰነ

ዮኣስ ድማ ብዅሉ እቲ ኻህን የሆያዳ ዚምህሮ ዝነበረ እዋን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።—2 ነገ. 12:2።

ንጉስ ዮኣስ ካብቲ የሆያዳ ዘሕደረሉ ጽቡቕ ጽልዋ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እዚ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ንጉስ ንየሆዋ ባህ ኬብሎ ይደሊ ነበረ። የሆያዳ ምስ ሞተ ግና፡ ዮኣስ ንኸሓድቲ መሳፍንቲ ኺሰምዕ ጀመረ። (2 ዜና 24:4, 17, 18) የሆዋ በዚ ኣመና ስለ ዝጐሃየ፡ ‘ኪመልስዎም ኢሉ ነብያቱ ይሰድደሎም ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎምን።’ ዋላ እውን ንዘካርያስ ወዲ የሆያዳ ኣይሰምዕዎን። ዘካርያስ ነብይን ካህንን የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሞኡ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንጉስ ዮኣስ ንዘካርያስ ኣቕተሎ። (2 ዜና 22:11፣ 24:19-22) ዮኣስ ነቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ጥዑይ ፍርሃት ኣይዓቀበን። የሆዋ ኣቐዲሙ፡ “እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሓስሩ እዮም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 2:30) ስለዚ፡ ሒደት ሰባት ዝነበርዎ ሰራዊት ሶርያ ን“ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት” ዮኣስ ሰዓሮ፣ ንሱ እውን ‘ብብርቱዕ ቈሰለ።’ (2 ዜና 24:24, 25) ሶርያውያን ምስ ከዱ ድማ፡ ገላዉኡ ቐተልዎ፡ ሕነ ዘካርያስ እውን ፈደዩ። w23.06 18-19 ¶16-17

ዓርቢ 6 ሰነ

ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና . . . ብርሃን ኢኹም።—ኤፌ. 5:8።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናመሃረን እተወሰነ ግዜ ኣሕሊፉ ነይሩ እዩ። (ግብ. 19:1, 8-10፣ 20:20, 21) ስለዚ፡ ንኣሕዋቱ ኣዝዩ የፍቅሮም ብምንባሩ፡ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ ኺሕግዞም ደለየ። እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ሰብ ኤፌሶን፡ ኣብ ሓደ እዋን ባሮት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ማሪታዊ እምነታትን እዮም ነይሮም። ኤፌሶን ብምንዝርናን ብንውርምናን እውን ዕልልቲ እያ ነይራ። ኣብቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ትያትራትን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትን ጽዩፍ ዘረባ ይዝውተር ነይሩ እዩ። (ኤፌ. 5:3) መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ኸተማ፡ “ሕልናኦም ደንዚዙ” ወይ ዋላ ሓንቲ ዘይስምዖ ዀይኑ ነይሩ እዩ። (ኤፌ. 4:17-19) ሰብ ኤፌሶን ቅኑዕን ጌጋን ቅድሚ ምፍላጦም፡ ሕልናኦም ኣየሳቕዮምን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጳውሎስ፡ “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ከኣ ርሒቖም እዮም” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ገሊኦም ሰብ ኤፌሶን ግና ካብ ጸልማት ወጹ። w24.03 20 ¶2, 4፣ 21 ¶5-6

ቀዳም 7 ሰነ

እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ . . . ኣይደኽሙን።—ኢሳ. 40:31።

እቲ ንጊዴዎን ከም ፈራዲ መጠን እተዋህቦ ዕዮ ኣድካሚ እዩ ነይሩ። ሚድያናውያን ኣብቲ ብለይቲ እተገብረ ውግእ ምስ ሃደሙ፡ ጊዴዎን ካብ ስንጭሮ ይዝርኤል ክሳብ ፈለግ ዮርዳኖስ ሰዓቦም። (መሳ. 7:22) እሞኸ ጊዴዎን ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሐ ምስጓጕ ሓዲግዎዶ፧ ኣይፋልን! ንሱን እቶም 300 ሰቡን ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንጸላኢ ኻብ ምስጓጕ ግና ኣየቋረጹን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ንሚድያናውያን ኣርኪቦም ሰዓርዎም። (መሳ. 8:4-12) ጊዴዎን፡ የሆዋ ኸም ዜበርትዖ ኣሚኑ ነይሩ እዩ፣ የሆዋ እውን ኣየሕፈሮን። (መሳ. 6:14, 34) ጊዴዎንን ሰቡን ንኽልተ ነገስታት ሚድያን ብእግሪ ኣብ ዚስዕቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቶም ነገስታት ኣብ ኣግማል ተወጢሖም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (መሳ. 8:12, 21) ኰይኑ ግና፡ እቶም እስራኤላውያን ቈሪጾም ስለ እተላዕሉ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ተዓወቱ። ሽማግለታት ድማ ኣብቲ “ኸቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን” የሆዋ ኺውከሉ ይኽእሉ እዮም። ንሱ እውን ኣብ ዜድልዮም እዋን፡ ብርታዐ ይህቦም እዩ።—ኢሳ. 40:28, 29። w23.06 6 ¶14, 16

ሰንበት 8 ሰነ

የሆዋ . . . ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ።—ዘዳ. 31:6።

ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ ጽኑዕ ልቢ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብየሆዋ ተኣመን። ባራቅ በቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ስለ እተኣመነ ብኸመይ ከም እተዓወተ እስከ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ተዋጋእቲ እስራኤል ዋልታ ዀነ ሕላስ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ምስቲ ሲሰራ ብዚብሃል ሓለቓ ሰራዊት ዚምራሕ ክሳዕ ኣፍንጫኡ እተዓጥቀ ሰራዊት ከነኣናውያን ኪዋጋእ ካብ የሆዋ መምርሒ ተዋህቦ። (መሳ. 5:8) ነብዪት ዴቦራ ኸኣ ንባራቅ ምስ ሲሰራን ምስቲ 900 ሰረገላታቱን ንምግጣም ናብ ጐልጐል ኪወርድ ነገረቶ። ምስ ሰረገላታት ኣብ ጐልጐል ምግጣም ኣመና ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ባራቅ ግና ተኣዘዘ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ተዋጋእቲ ኻብ ከረን ታቦር ኪወርዱ ኸለዉ፡ የሆዋ ብርቱዕ ዝናም ኣዝነመ። ሰረገላታት ሲሰራ ኸኣ ኣብ ጭቃ ተተኽላ፣ የሆዋ ድማ ንባራቅ ዓወት ሃቦ። (መሳ. 4:1-7, 10, 13-16) ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ብየሆዋን በቲ ብተወከልቱ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒታትን እንተ ተኣሚንና፡ ንሱ ዓወት ኪህበና እዩ። w23.07 19 ¶17-18

ሰኑይ 9 ሰነ

እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።—ማቴ. 24:13።

ትዕግስቲ ንድሕነትና ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብትዕግስቲ ኽንጽበ ኣሎና። (እብ. 6:11, 12) መጽሓፍ ቅዱስ ንዅነታትና ምስ ኵነታት ሓረስታይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ያእ. 5:7, 8) ኣዝርእቲ ኺዝራእን ማይ ኪሰትን ከሎ፡ ሓረስታይ ብትግሃት ይዓዪ እዩ። እቲ ዘርኢ መዓስ ከም ዚበቍል ግና ብልክዕ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ ጻማ ጻዕሩ ኸም ዚረክብ ብምትእምማን ብትዕግስቲ ይጽበ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ‘ጐይታና በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡’ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብትግሃት ንዓዪ ኢና። (ማቴ. 24:42) የሆዋ ብግዜኡ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጽሞ ብምትእምማን ከኣ ብትዕግስቲ ንጽበ ኢና። ትዕግስቲ እንተ ዘይጌርና፡ ዓቕሊ ኸነጽብብ፡ ካብ ሓቂ እውን በብቝሩብ ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ቅጽበታዊ ዕግበት ዚህበና ነገራት ምስዓብ እውን ክንጅምር ንኽእል ኢና። ዕጉሳት እንተ ዄንና ግና፡ ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወርን ክንድሕንን ኢና።—ሚክ. 7:7። w23.08 22 ¶7

ሰሉስ 10 ሰነ

ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ [ነበረ]።—ዳን. 2:42።

እቲ ኣብ ዳንኤል 2:41-43 ዘሎ ትንቢት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤልን መጽሓፍ ራእይን ዚርከብ ካልእ ትንቢታት ከነነጻጽሮ ኸለና፡ እቲ ኣእጋር ነዚ ሎሚ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ዘሎ ኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ኸም ዜመልክት ክንድምድም ንኽእል ኢና። ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ፡ “እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ ተሰባሪት ክትከውን እያ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ስለምንታይ እያ እታ መንግስቲ ገሊኣ ተሰባሪት እተባህለት፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ብልምሉም ካይላ እተመሰሉ ተራ ሰባት፡ ነቲ እቲ ሓይሊ ዓለም ብሓጺናዊ ብርታዐ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘለዎ ኽእለት የዳኽምዎ እዮም። ካብቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣገዳሲ ሓቅታት ንምሃር ኢና። ቀዳማይ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ብርታዐኡ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምን እተረኽበ ዓወት፡ ወሳኒ ተራ ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ በቲ ኣብ መንጎ ዜጋታቱ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ተዳኺሙ እዩ፡ ብሕጂ እውን ኪዳኸም እዩ። ካልኣይ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ክሳዕ እተጥፍአን፡ እዚ ኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ኺገዝእ እዩ። w23.08 10-11 ¶12-13

ረቡዕ 11 ሰነ

ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡ ናብ ኣምላኸይ ከኣ ኣእውየ። ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ።—መዝ. 18:6።

ሓድሓደ ግዜ፡ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ዅሉ ጸገማቱን ፈተናታቱን ይጭነቕ ነበረ። (መዝ. 18:4, 5) ኰይኑ ግና፡ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ የሐድሶ ነበረ። የሆዋ ነዚ ዝደኸመ ፈታዊኡ ናብ “ልሙዕ መጓሰዪ” ይወስዶ፡ “ማይ ናብ ዝመልኦ መዕረፊ” እውን ይመርሖ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዳዊት ሓይሉ ተሓደሰ፡ ጸኒዑ ኪቕጽል እውን ከኣለ። (መዝ. 18:28-32፣ 23:2) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ህይወትና ፈተናታትን ቃልስታትን ኬጋጥመና ኸሎ፡ “ሳላ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኢና ዘይተወዳእና።” (ድጕ. 3:22፣ ቈሎ. 1:11) ዳዊት ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓደጋ ይነብር ነበረ፣ ብዙሓት ሓያላት ጸላእቲ እውን ነበርዎ። ሳላ ፍቕሪ የሆዋ ግና ድሕንነትን ዕቝባን ይስምዖ ነበረ። ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዝነበረ ይስምዖ ነበረ፣ በዚ ድማ ተተባብዐ። ስለዚ፡ “[የሆዋ] ኻብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ” ኢሉ ኺዝምር ከኣለ። (መዝ. 34:4) ዳዊት ብሓቂ ዜፍርህ ኵነታት እዩ ነይርዎ፣ ፍቕሪ የሆዋ ግና ካብ ፍርሁ ዚሕይል ነበረ። w24.01 30 ¶15-17

ሓሙስ 12 ሰነ

ወደየ፡ ሓጥኣን ኪሓብሉኻ እንተ ፈቲኖም፡ ሕራይ ኣይትበሎም።—ምሳ. 1:10።

እቲ ዮኣስ ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነታት መለበሚ ይኹንካ። ሊቀ ኻህናት የሆያዳ ምስ ሞተ ዮኣስ፡ ሕማቓት ኣዕሩኽ ሓረየ። (2 ዜና 24:17,18) ንየሆዋ ንዘየፍቅሩ መሳፍንቲ ይሁዳ ኺሰምዖም ወሰነ። ካብዞም ሕማቓት ሰባት መሸም ኪርሕቕ ነይርዎ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ነዞም ዘይረብሑ ኣዕሩኹ ሰምዖም። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ፡ ነቲ ኺእርሞ ዝፈተነ ዘካርያስ ዚብሃል ወዱ ኣሞኡ ኣቕተሎ። (2 ዜና 24:20, 21፣ ማቴ. 23:35) እዝስ ከመይ ዝበለ ዜስካሕክሕ ናይ ዕሽነት ተግባር ኰን እዩ! ዮኣስ ኣብ መጀመርታ ህይወቱ ጽቡቕ እዩ ጀሚሩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ጸኒሑ ኸሓድን ቀታሊ ነፍስን ኰነ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ገላዉኡ ቐተልዎ። (2 ዜና 24:22-25) ንየሆዋን ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን እንተ ዚሰምዕ ነይሩ፡ ህይወቱ ኣመና ምተቐየረ። w23.09 9 ¶6

ዓርቢ 13 ሰነ

ደጊም ኣይትፍራህ።—ሉቃ. 5:10።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብተኣማንነት ኪመላለስ ከም ዚኽእል የሱስ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ “ደጊም ኣይትፍራህ፡” ኢሉ ብለውሃት ተዛረቦ። እቲ የሱስ ኣብ ጴጥሮስ ዘሕደሮ እምንቶ፡ ነባሪ ጽልዋ እዩ ገይሩሉ። ድሕሪ ግዜ፡ ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ነቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም ሓዲጎም ብምሉእ ግዜኦም ነቲ መሲሕ ሰዓብዎ። ሳላ እዚ ድማ ዜደንቕ በረኸት ረኸቡ። (ማር. 1:16-18) ጴጥሮስ ከም ሰዓቢ ክርስቶስ መጠን ብዙሕ ዜደንቕ ተመክሮታት ኣሕሊፉ እዩ። የሱስ ንሕሙማት ኬሕዊ ኸሎ፡ ንኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ፡ ንምዉታት እውን ኬተንስእ ከሎ ርእዩ እዩ። (ማቴ. 8:14-17፣ ማር. 5:37, 41, 42) ናይ መጻኢ ኽብሪ መንግስቲ የሱስ እውን ብራእይ ርእዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ዓብዪ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉሉ። (ማር. 9:1-8፣ 2 ጴጥ. 1:16-18) እወ፡ ጴጥሮስ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገራት እዩ ርእዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ርእሱ ዝነበሮ ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒት ካብዚ በረኸት እዚ ኼታርፎ ስለ ዘይፈቐደ፡ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ! w23.09 21 ¶4-5

ቀዳም 14 ሰነ

የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ክሳዕ 77 ሳዕ እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን።”—ማቴ. 18:22።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ “ሓያል ፍቕሪ” ዚብል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ሒደት ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ “ብዙሕ ሓጢኣት” እያ እትኸድን። (1 ጴጥ. 4:8) ምናልባት ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ቅድሚ ዓመታት ዝመሃሮ ትምህርቲ ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሓዉ “ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ” እንተ ሓዲጉሉ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ከም ዝገበረ ኣሚኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንጴጥሮስ “ክሳዕ 77 ሳዕ፡” ማለት ከይተጸባጸበ በደል ኪሓድግ መሃሮ። (ማቴ. 18:21) እምበኣር፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ምትግባር እንተ ኸቢዱካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኵሎም ዘይፍጹማት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ይቕረ ምባል ይኸብዶም እዩ። ሕጂ ንሓውካ ይቕረ ንምባልን ምስኡ ንምትዕራቕን ዜድሊ ዘበለ ስጕምትታት እንተ ወሲድካ፡ ኣገዳሲ ነገር ኢኻ ጌርካ ዘለኻ። w23.09 29 ¶12

ሰንበት 15 ሰነ

ንየሆዋ ጸዊዐዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።—ዮና. 2:2።

ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቲ ብትሕትናን ብንስሓን ዜቕርበሉ ጸሎት ከም ዚሰምዖን ከም ዚሕግዞን ኪተኣማመን ክኢሉ እዩ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኦ፣ ዮናስ ከኣ ንዚቕጽል ዕዮኡ ንምቕባልን ንምፍጻምን ድሉው ኰነ። (ዮና. 2:10–3:4) ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ እምብዛ ኻብ ምጭናቕካ እተላዕለ ኣብ ጸሎት እንታይ ከም እትብል ይጠፍኣካዶ፧ ወይ ድማ መጽናዕቲ ንምግባር ሓይሊ ትስእንዶ፧ የሆዋ ንዅነታትካ ኣጸቢቑ ኸም ዚርድኦ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ዋላ እውን ቀሊል ጸሎት እንተ ኣቕረብካ፡ ብልክዕ ዜድልየካ ዘበለ ኸም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ኤፌ. 3:20) ብሰንኪ ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ስቓይ ከተንብብ ወይ ከተጽንዕ እንተ ዘይክኢልካ፡ ቅዳሓት ኣውድዮ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ jw.org ዚርከብ መዝሙራትና ምስማዕ ወይ ቪድዮታትና ምርኣይ እውን ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ናብ የሆዋ ብምጽላይን ካብቲ ንሱ ዘዳለዎ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ድማ መልሲ ብምድላይን ብርታዐ ኺህበካ ኢኻ እትልምኖ ዘለኻ። w23.10 13 ¶6፣ 14 ¶9

ሰኑይ 16 ሰነ

እታ ቐዳመይቲ ድንኳን ቈይማ ኸላ፡ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ የነጽር እዩ።—እብ. 9:8።

እታ ማሕደርን እታ ደሓር ኣብ የሩሳሌም እተሃንጸት ቤተ መቕደስን ተመሳሳሊ መሰረታዊ ንድፊ እዩ ነይርወን። ኣብ ውሽጠን፡ ብጥሉፍ መጋረጃ እተኸፍላ ኽፍልታት ነበራ፣ ንሳተን ድማ፡ እታ ሓንቲ፡ “ቅድስቲ፡” እታ ኻልአይቲ ድማ “ቅድስተ ቕዱሳን” ይብሃላ ነበራ። (እብ. 9:2-5፣ ዘጸ. 26:31-33) ኣብ ውሽጢ እታ ቕድስቲ፡ ቀዋሚ ቐንዴል ወርቅን መሰውኢ ዕጣንን ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ነበረ። ናብታ ቕድስቲ፡ “ቅቡኣት ካህናት” ጥራይ እዮም ኣገልግሎት ንምፍጻም ኪኣትዉ ዚፍቀደሎም ዝነበረ። (ዘሁ. 3:3, 7, 10) ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን፡ የሆዋ ኣብኡ ኸም ዘሎ ዜመልክት ታቦት ኪዳን ወርቂ ነበረ። (ዘጸ. 25:21, 22) ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን፡ ሊቀ ኻህናት ጥራይ እዩ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ነቲ መጋረጃ ሓሊፉ ኺኣቱ ዚፍቀደሉ ዝነበረ። (ዘሌ. 16:2, 17) ብዛዕባ ሓጢኣቱን ብዛዕባ ሓጢኣት ብዘሎ እቲ ህዝብን ኬተዓርቕ ኢሉ ደም እንስሳታት ሒዙ ይኣቱ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ትርጉም እቲ ኣብቲ ማሕደር ዚግበር ዝነበረ ነገራት ንጹር ገበሮ።—እብ. 9:6, 7። w23.10 27 ¶12

ሰሉስ 17 ሰነ

ንሓድሕድኩም [ተፋቐሩ]።—ዮሃ. 15:17።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ዚብል ትእዛዝ ንረክብ ኢና። (ዮሃ. 15:12፣ ሮሜ 13:8፣ 1 ተሰ. 4:9፣ 1 ጴጥ. 1:22፣ 1 ዮሃ. 4:11) ይኹን እምበር፡ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ልቢ ዘሎ ስምዒት ወይ ውሽጣዊ ስብእና እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኺርእዮ ኣይክእልን እዩ። እሞ ደኣ ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ብቓልናን ብግብርናን ኣቢልና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕርና ኸነርእየሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገድታት፡ በዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፦ “ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ።” (ዘካ. 8:16) “ንሓድሕድኩም . . . ብሰላም ንበሩ።” (ማር. 9:50) “ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።” (ሮሜ 12:10) “ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ።” (ሮሜ 15:7) “ንሓድሕድኩም . . . ይቕረ ተባሃሃሉ።” (ቈሎ. 3:13) “ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ።” (ገላ. 6:2) “ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።” (1 ተሰ. 4:18) “ንሓድሕድኩም . . . ተሃናነጹ።” (1 ተሰ. 5:11) “ምእንቲ ሓድሕድኩም . . . ጸልዩ።”—ያእ. 5:16። w23.11 9 ¶7-8

ረቡዕ 18 ሰነ

ብተስፋ ተሓጐሱ።—ሮሜ 12:12።

መዓልቲ መዓልቲ፡ ድልድልቲ እምነት ዜድልየሉ ውሳነታት ንገብር ኢና። ንኣብነት፡ ንዕርክነት፡ ንመዘናግዒ፡ ንትምህርቲ፡ ንሓዳር፡ ንውሉዳት፡ ንዓለማዊ ስራሕ ዚምልከት ውሳነታት ንገብር ኢና። ስለዚ፡ ‘እቲ ዝገብሮ ውሳነታት፡ እዚ ስርዓት እዚ ግዝያዊ ምዃኑን በታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዚትካእ ምዃኑን ከም ዝኣምን የርኢ ድዩ፡ ወይስ ውሳነታተይ በቶም “ድሕሪ ሞት ኵሉ ነገራት የብቅዕ እዩ” ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት እዩ ዚጽሎ ዘሎ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። (ማቴ. 6:19, 20፣ ሉቃ. 12:16-21) ሓዳስ ዓለም ከም ዝቐረበት እምነትና እንተ ኣደልዲልና፡ ብሉጽ ውሳነታት ክንገብር ኢና። ብዘይካዚ፡ ድልዱል እምነት ዜድልዮ ፈተናታት የጋጥመና እዩ። መስጐጕቲ፡ ከቢድ ሕማም፡ ወይ ተስፋ ኬቝርጽ ዚኽእል ካልእ ኵነታት የጋጥመና ይኸውን። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ፈተናና ብትብዓት ንገጥመሉ ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ፈተናታት ንነዊሕ ግዜ ይቕጽል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ፈተናታት ንምጽዋርን ንየሆዋ ብሓጐስ ንምግልጋልን ድልድልቲ እምነት ተድልየና።—1 ጴጥ. 1:6, 7። w23.04 27 ¶4-5

ሓሙስ 19 ሰነ

ከየቋረጽኩም ጸልዩ።—1 ተሰ. 5:17።

የሆዋ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንዓዪ ይጽበየና እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ኣብ ኣኼባ ዞባ ኺእከብ ስለ ዝደለየ፡ ካብ ዓለማዊ ስራሑ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ይልምን ይኸውን። እሞ ደኣ የሆዋ ንጸሎቱ ብኸመይ ኪምልሰሉ ይኽእል፧ ንኣስራሒኡ ንምዝርራብ ዜድልዮ ትብዓት ይህቦ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ እቲ ሓው ናብ ኣስራሒኡ ቐሪቡ ፍቓድ ኪሓትት ኣለዎ። ምናልባት እውን ብተደጋጋሚ ኺሓትቶ የድልዮ ይኸውን። እብረኡ ምስ ካልእ ሰራሕተኛ ኺቀያየር፡ ወይ ደሞዝ ዘይክፈሎ ዕረፍቲ ኺወስድ የድልዮ ይኸውን። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ነገራት ብተደጋጋሚ ኽንጽሊ ይጽበየና እዩ። የሱስ ገሊኡ ልማኖታትና ብኡብኡ ኸም ዘይውሃበና ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 11:9) ስለዚ፡ ኣይትተሓለል! ብተደጋጋሚ ኻብ ልቢ ጸሊ። (ሉቃ. 18:1-7) ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ እቲ ልማኖና ሓላፊ ዊንታ ኸም ዘይኰነ ኢና ንየሆዋ እነርእዮ። ኣብቲ ንዓና ንምሕጋዝ ዘለዎ ኽእለት እምነት ከም ዘሎና እውን ኢና እነርኢ። w23.11 22 ¶10-11

ዓርቢ 20 ሰነ

እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።—ሮሜ 5:5።

የሆዋ ንፈታዊኡ ኣብርሃም፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርኡ ኸም ዚባረኹ ኣተስፈዎ። (ዘፍ. 15:5፣ 22:18) ኣብርሃም ከኣ ኣብ ኣምላኽ ሓያል እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጸም ኣመነ። ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ሳራ ድማ ጓል 90 ዀይና እኳ እንተ ነበረት፡ እዞም እሙናት ሰብኣይን ሰበይትን ገና ውሉድ ኣይወለዱን ነይሮም። (ዘፍ. 21:1-7) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣብርሃም] ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ . . . ብተስፋ ኣሚኑ” ይብል። (ሮሜ 4:18) ኣብርሃም ከምቲ ተስፋኡ ኸም ዝረኸበ ንፈልጥ ኢና። ኣቦ እቲ ንነዊሕ ግዜ ብተስፋ እተጸበዮ ውሉድ ኰይኑ እዩ፣ ንዕኡ ድማ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ። እሞ ደኣ ነቲ ኣብርሃም ዝነበሮ እምንቶ መሰረት ዝዀኖ እንታይ እዩ፧ ኣብርሃም ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ “ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል . . . ኣጸቢቑ ኣሚኑ” ነበረ። (ሮሜ 4:21) ስለዚ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ሞገሱ ሃቦ፣ ሳላ እምነቱ እውን ኣጽደቖ።—ያእ. 2:23። w23.12 8 ¶1-2

ቀዳም 21 ሰነ

ብንእሽቶ እሙን ዝዀነ፡ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ፣ እቲ ብንእሽቶ ዚዕምጽ ድማ፡ ብብዙሕ እውን ዓማጺ እዩ።—ሉቃ. 16:10።

ርጡብ መንእሰይ ንዅሉ ሓላፍነታቱ ብትግሃት እዩ ዚፍጽም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነት እስከ ንርአ። ግዲ ዘይብሉ ወይ ሓላፍነት ዘይስምዖ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እኳ ኸይተረፈ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ፈጺሙ እዩ። ንዅሎም ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ የፍቅሮም ነበረ፣ ምእንታኦም እውን ህይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ። (ዮሃ. 13:1) እምበኣር፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ዚውሃበኩም ዕዮ ብትግሃት ፈጽሙ። ብኸመይ ከም እትዓይይዎ ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም፡ ብትሕትና ኻብ ብሱላት ኣሕዋት ሓገዝ ሕተቱ። ንእሽቶ ጥራይ ብምግባር ኣይትዕገቡ። (ሮሜ 12:11) የግዳስ፡ ዚውሃበኩም ዘበለ ዕዮ፡ “ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም” ዕየዩ። (ቈሎ. 3:23) ፍጹማት ዘይምዃንኩም ዚከሓድ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ትሑታት ኩኑ፡ ጌጋኹም እውን ተኣመኑ።—ምሳ. 11:2። w23.12 26 ¶8

ሰንበት 22 ሰነ

እምንቶኡ . . . ኣብ የሆዋ ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ።—ኤር. 17:7።

ተጠሚቕካ ኽፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ምዃን ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። እቶም ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዝረኸቡ፡ ምስቲ ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “[ኦ የሆዋ፡] እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብር እትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ይሰማምዑ እዮም። (መዝ. 65:4) የሆዋ ንማንም ሰብ ኣይኰነን ናብ ኣጸዳቱ ዜእቱ። ነቶም ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልዎም ዚደልዩ ሰባት እዩ ዚሓሪ። (ያእ. 4:8) ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፍን ክትጥመቕን ከለኻ፡ ንሱ ‘ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለካ በረኸት ኬፍስሰልካ እዩ።’ (ሚል. 3:10፣ ኤር. 17:8) ጥምቀት ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እኳ እንተ ዀነ፡ኣብ ትሕቲ ፈተናታት እውን ምስ መብጽዓ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንምንባር ዚከኣለካ ትገብር ኢኻ። (መክ. 5:4, 5) ወደ መዝሙር የሱስ ስለ ዝዀንካ፡ ኣብነት የሱስ ትስዕብ፡ ትእዛዛቱ እውን ብእተኻእለካ መጠን ትሕሉ ኢኻ።—ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ጴጥ. 2:21። w24.03 8 ¶1-3

ሰኑይ 23 ሰነ

ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ።—ዘፍ. 2:24።

ምስ መጻምድትኹም ብሓባር ግዜ ምሕላፍ ዘየሐጕሰኩም እንተ ዀነኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ ንመጋርያ ሓዊ ዘክሩ። ኣብ ፈለማ፡ ብቕጽበት ኣይኰነን ሃልሃል ዚብል። ካብ ቀሸም ጀሚርካ በብቝሩብ ኣዕጫው ኪውሰኸሉ ኣለዎ። ንስኻትኩም እውን ብተመሳሳሊ፡ ስለምንታይ መዓልቲ መዓልቲ ሓጺር ግዜ ብሓባር ብምሕላፍ ዘይትጅምሩ፧ እትፈትውዎ ነገር ግበሩ። (ያእ. 3:18) ብንእሽቶ ብምጅማር፡ ንፍቕርኹም ከም ብሓድሽ ከተናኽስዋ ትኽእሉ ኢኹም። ኣኽብሮት ኣብ ሓዳር ወሳኒ ነገር እዩ። ምስቲ ንመጋርያ ሃልሃል ኬብሎ ዚኽእል ኦክስጅን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብዘይ ኦክስጅን፡ ሓዊ ቐልጢፉ እዩ ዚቕህም። ብተመሳሳሊ፡ ሰብ ሓዳር ዘይከባበሩ እንተ ዀይኖም፡ ፍቕሮም ቀልጢፋ እያ እትቕህም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና ንሓድሕዶም ዚከባበሩ ሰብ ሓዳር ንፍቕሮም የጐሃህርዋ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣኽብሮት በቲ ንስኻ ገይረዮ ኢልካ እትኣምነሉ ዘይኰነስ፡ በቲ መጻምድትኻ ዝሓደሮ ስምዒት እዩ ዚልካዕ። w23.05 22 ¶9፣ 24 ¶14-15

ሰሉስ 24 ሰነ

ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።—መዝ. 94:19።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሰንኪ እቲ ኻብ ጸላእቶም ወይ ካብ ካልኦት ዝወረዶም ጸቕጢ፡ ጭንቅን ራዕድን ከም ዝሓዞም ገሊጾም ኣለዉ። (መዝ. 18:4፣ 55:1, 5) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ካብ ቤተ ሰብና፡ ወይ ካብ መንግስቲ ተቓውሞ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ከይንመውት ንፈርህ ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜያት፡ ልክዕ ከም ሕጻን ዓቕሚ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ዚድግፈና ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ የጸናንዓናን የደዓዕሰናን እዩ። ኣዘውቲርካ ምስ የሆዋ ግዜ ኣሕልፍ። ናብኡ ጸሊ፡ ቃሉ እውን ኣንብብ። (መዝ. 77:1, 12-14) ድሕሪኡ፡ ኣብ ትሕቲ ውጥረት ክትከውን ከለኻ፡ ፈለማ ዚመጸልካ ነገር ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ምቕራብ እዩ። ፍርህኻን ዜተሓሳስበካ ነገራትን ንየሆዋ ንገሮ። ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኺዛረበካን ኬደዓዕሰካን እውን ፍቐደሉ።—መዝ. 119:28። w24.01 24-25 ¶14-16

ረቡዕ 25 ሰነ

ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ።—ፊል. 2:13።

መንፈሳዊ ሸቶታት ንምውቃዕ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ውሽጣዊ ድራኸ ዘለዎ ሰብ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ኣጸቢቑ ይለዓዓል ወይ ሓያል ድሌት የሕድር እዩ። ከምኡ እውን ብርቱዕ ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ኣልዩና፡ ሸቶታትና ኽንወቅዕ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ዝያዳ ውሽጣዊ ድራኸ ምእንቲ ኺህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ዝያዳ ውሽጣዊ ድራኸ ምእንቲ ኺህልወካ ጸሊ። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ኬለዓዕለካ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ነገር ክንገብር ከም ዘሎና ስለ እንፈልጥ ኢና ሸቶ እነውጽእ፣ እዚ ኸኣ ጽቡቕ እዩ። ነቲ ሸቶ ንምውቃዕ ግና ብሓቂ ድሌት ኣይህልወናን ይኸውን። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ኣስተንትን። (መዝ. 143:5) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸቦ ጸጋ ኣስተንቲኑ እዩ፣ እዚ ድማ ምእንቲ የሆዋ ኣጸቢቑ ኺዓዪ ኣለዓዒልዎ እዩ። (1 ቈረ. 15:9, 10፣ 1 ጢሞ. 1:12-14) ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ብዝያዳ ብዘስተንተንካ መጠን፡ ሸቶኻ ንምውቃዕ ብዝያዳ ኽትልዓዓል ኢኻ።—መዝ. 116:12። w23.05 27 ¶3-5

ሓሙስ 26 ሰነ

ስም የሆዋ ወድሱ።—መዝ. 113:1።

ስም ኣምላኽ ክንውድስ ከለና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ነሐጕሶ ኢና። (መዝ. 119:108) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከምቶም ብርእሶም ዘይተኣማመኑ ብምዃኖም ናእዳ ዜድልዮም ዘይፍጹማት ሰባት እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ንሰማያዊ ኣቦና ኽንውድሶ ኸለና፡ ነቲ ብዛዕባና እተዘርበ ሓሶት እውን ንነጽጎ ኢና። ሰይጣን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንስም ኣምላኽ ብተኣማንነት ከም ዘይጣበቐሉ እዩ ዚማጐት። ብናቱ ኣበሃህላ፡ ዋላ ሓዴና ተኣማንነት ዚብሃል የብልናን። ኵላትና ጥቕምና ኺትንከ ኸሎ ንኣምላኽ ዝባንና ኸም እንህቦ እዩ ዚከራኸር። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4) እዮብ እሙን ብምዃኑ ግና፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ዜርኢ መረጋገጺ ኣቕረበ። ንስኻኸ ኸመይ ኢኻ፧ ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ስም ኣቦና ብተኣማንነት ናይ ምምጓት፡ ንዕኡ ብተኣማንነት ብምግልጋል ከኣ ልቡ ናይ ምሕጓስ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። (ምሳ. 27:11) እዚ ንዓና ዓብዪ ኽብሪ እዩ። w24.02 8-9 ¶3-5

ዓርቢ 27 ሰነ

ብነብያቱ . . . እመኑ እሞ፡ ኪቐንዓኩም እዩ።—2 ዜና 20:20።

ድሕሪ መዓልትታት ሙሴን እያሱን: የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ ፈራዶ ኣተንስኣሎም። ድሕሪኡ፡ ብዘመን ነገስታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ ነብያት ሸመ። እሙናት ነገስታት ነቲ ኻብ ነብያት ዚውሃቦም ምኽሪ ይሰምዑ ነበሩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ነቲ ኻብ ነብዪ ናታን እተዋህቦ መአረምታ ብትሕትና ተቐበሎ። (2 ሳሙ. 12:7, 13፣ 1 ዜና 17:3, 4) ንጉስ ዮሳፋጥ ከኣ ካብ ነብዪ ያሓዚኤል መምርሒ ይቕበል ነበረ፣ ንህዝቢ ይሁዳ እውን “ብነብያቱ [ብነብያት ኣምላኽ] እመኑ” ኢሉ ኣተባብዖም። (2 ዜና 20:14, 15) ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጭንቂ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ ነብዪ ኢሳይያስ ሓገዝ ሓተተ። (ኢሳ. 37:1-6) እቶም ነገስታት ንመሪሕነት የሆዋ ኣብ ዚስዕቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንሳቶም ይባረኹ፡ እቶም ህዝቢ እውን ዕቝባ ይረኽቡ ነበሩ። (2 ዜና 20:29, 30፣ 32:22) የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ንህዝቡ ይመርሖም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። w24.02 21 ¶8

ቀዳም 28 ሰነ

መኻፍልቶም ኣይትኹኑ።—ኤፌ. 5:7።

ሰይጣን ምስቶም ንመለክዒታት የሆዋ ምስዓብ ከም ዚኸብደና ዚገብሩ ሰባት ክንቃራረብ ይደልየና እዩ። ቅርርብና ምስቶም ብኣካል እንረኽቦም ሰባት ጥራይ ከም ዘይኰነ ኽንዝክር ኣሎና። ምስቶም ብማሕበራዊ መራኸቢ እንረኽቦም ሰባት እውን ንቃራረብ ኢና። ምስቲ ርኹስ ኣካይዳ ቕቡል ከም ዝዀነ ጌርካ ዚርኣየሉ ኣተሓሳስባ ዓለም ክንቃለስ ኣሎና። ኣተሓሳስባኦም ጌጋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 4:19, 20) ስለዚ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘የሆዋ ንዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ምስ ዘየኽብሩ መሳርሕተይ፡ መማህርተይ፡ ወይ ካልኦት ሰባት ዘየድሊ ቕርርብ ከይህልወኒ እጥንቀቕ ድየ፧ ገሊኦም ከም ኣኽራሪ ገይሮም ኪርእዩኒ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ብትብዓት እድግፍ ድየ፧’ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:20-22 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ካብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኽንመርጽ ከለና እኳ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ገሊኦም ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ከም ዘይሕግዙና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። w24.03 22-23 ¶11-12

ሰንበት 29 ሰነ

የሆዋ ኣዝዩ ፈቃር . . . እዩ።—ያእ. 5:11።

የሆዋ ኸመይ ከም ዚመስል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ የሆዋ ብዓይኒ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ መገድታት ገሊጽዎ ኣሎ። የሆዋ “ጸሓይን ዋልታን” ከምኡ ድማ “ዚባላዕ ሓዊ” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝ. 84:11፣ እብ. 12:29) ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ከም እምኒ ሰፊሮስን ከም ዜንጸባርቕ ብረትን ከም ቀስተ ደበናን ከም ዚመስል ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 1:26-28) ንየሆዋ ኽንርእዮ ስለ ዘይንኽእል፡ ከም ዜፍቅረና ምእማን ይኸብደና ይኸውን። ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወቶም ዘሕልፍዎ ነገራት፡ የሆዋ ኼፍቅሮም ከም ዘይክእል ይስምዖም እዩ። የሆዋ ነዚ ስምዒታት እዚ ይርድኦ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዚጸልወና እውን ይፈልጥ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኣብ ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ። እታ ንየሆዋ ብዝበለጸ እትገልጾ ቓል፡ ፍቕሪ እያ። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ፍቕሪ እዩ። ኵሉ እቲ ዚገብሮ ነገራት በዛ ባህርይ እዚኣ እዩ ዚጽሎ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ኣዝያ ሰፋሕን ሓያልን ብምዃና ናብቶም ዘየፍቅርዎ እውን ትዝርጋሕ እያ።—ማቴ. 5:44, 45። w24.01 26 ¶1-3

ሰኑይ 30 ሰነ

ካብ ዓንዲ ደበና ይዛረቦም።—መዝ. 99:7።

የሆዋ ንሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ኼውጽኦም ሸሞ። ከም መርትዖ እውን ብመዓልቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ዓንዲ ሓዊ ይርእዩ ነበሩ። (ዘጸ. 13:21) ሙሴ ነቲ ዓንዲ ሰዓቦ፡ እቲ ዓንዲ እውን ንእስራኤላውያን ናብ ቀይሕ ባሕሪ መርሖም። እቶም ህዝቢ ኣብ መንጎ እቲ ባሕርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ግብጻውያንን ከም እተቓቐሩ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም ሰምበዱ። ጌጋ ግና ኣይነበረን። የሆዋ ዀነ ኢሉ እዩ ብሙሴ ኣቢሉ ናብኡ መሪሕዎም። (ዘጸ. 14:2) ድሕሪኡ ድማ፡ ብዜደንቕ መገዲ ኣድሓኖም። (ዘጸ. 14:26-28) ድሕሪኡ፡ ን40 ዓመት ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ በረኻ ኺመርሖም ከሎ ንመሪሕነት እቲ ዓንዲ ደበና ይስዕብ ነበረ። (ዘጸ. 33:7, 9, 10) የሆዋ ንሙሴ ኻብቲ ዓንዲ ይዛረቦ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ነቲ መምርሒታቱ ናብቶም ህዝቢ የመሓላልፎ ነበረ። ስለዚ፡ እስራኤላውያን የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ይመርሖም ከም ዝነበረ ዜርኢ እኹል መርትዖ ነበሮም። w24.02 21 ¶4-5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ