ነቶም ኣብ ዘመናዊት ኣቴንስ ዘለዉ ኵሎም ዓይነት ሰባት ምብጻሕ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣቴንስ ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ክበጽሓ ከሎ: እታ ከተማ ዋላ እኳ እቲ ዝነበራ ፍሉጥ ናይ ቀደም ክብሪ ሽዕኡ እንተ ዘይነበራ: ገና ግን ኣገዳሲት ናይ ንግዲ ማእከል ኢያ ነይራ። ሓደ ታሪኻዊ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “[ኣቴንስ] ናይ ግሪኽ ናይ መንፈሳውን ስነ-ጥበብን መዲና ምዃን ቀጺላ ኢያ: ከምኡውን ናይቲ መዋእል እቲ ምሁራትን ሓያላትን ንኽበጽሕዋ እተቕንእ ቦታ ኢያ ነይራ።”
ጳውሎስ ኣብኡ ከሎ: ንኣይሁድ: ኣረማውያን ደቂ ኣቴንስ: ከምኡውን ነቶም ካብ ብዙሕ እተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ሰባት ክሰብከሎም ምናልባት ኣጋጣሚ ነይርዎ ይኸውን ኢዩ። ንቑሕን ጥበበኛን መምህር ከም ምዃኑ መጠን: ኣብ ሓደ ዝርርቡ ኣምላኽ “ህይወትን ትንፋስን . . . ንዅሉ ” ከም ዝሃበ ‘ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ከም ዝፈጠረ:’ ከምኡውን ‘ንዅላ ዓለም ’ ክፈርዳ ስለ ዝዀነ ‘ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ክንስሑ ከም ዘለዎም’ ተዛረበ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:25-31 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ሕውስዋስ ህዝቢ ዘለዎ ዞባ
ኣቴንስ ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት እንደገና ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዘለዉ ሰባት እትስሕብ ከተማ ኰይና ኣላ። ዲፕሎማትን ወተሃደራዊ ሓለፍትን ከም ክፍሊ ናይ ወጻኢ መገሻኦም መጠን ናብኣ በጺሖም ኢዮም። ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ መንእሰያት ከም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኰይኖም ኣብኣ ይቕመጡ ኣለዉ። ካብ ኣፍሪቃ: ኤስያ: ከምኡውን ካብ ናይ ምብራቕ ኤውሮጳ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ናብኣ ይውሕዙ ኣለዉ። ከም ናይ ቤት ስራሕ ዝኣመሰለ ስራሕ ደልዮም ብዙሓት ደቂ ፍሊፕንስን ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝመጹ ካልኦትን ኣለዉ። በቶም ካብ ጐረባብቲ ሃገራትን ካብተን ናዕቢ ዘለወን ኣብ ከባቢ ዓለም ዘለዋ ሃገራትን ዝመጹ ሰባት ቀጻሊ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት እውን ኣለዉ።
እዚ ኵነታት እዚ ነቶም ናይቲ ከባቢ ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት መንግስቲ ጸገም ይፈጥረሎም ኢዩ። ዝበዝሑ ካብቶም ንግዚኡ ዝቕመጡ ሰባት እንግሊዝኛ ኢዮም ዝዛረቡ: ገለ ግን እቲ ናይ ሃገሮም ቋንቋ ጥራይ ኢዮም ዝዛረቡ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዙሕ እተፈላለየ ባህላውን ሃይማኖታውን መበቈላት ዝውክሉ ኢዮም። ኣብ መንጎ እቶም በጻሕቲ ኣምስሉ ክርስትያናት: ኣስላም: ሂንዱ: ቡድሂስት: ኣኒሚስትስ: ኣግኖስቲክስ: ከምኡውን ኢዘሀራውያን ይርከብዎም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቀራርብኦም ነቲ እተፈላለየ መበቈል ናይ ሰባት ምእንቲ ክሰማማዕ ክማሃሩ የድልዮም።
ብዙሓት ካብዞም ኣጋይሽ ሕማቕ እዋናት ዘሕለፉ ብምዃኖም መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ናይ ህይወት ትርጉምን ናይ መጻኢ ተስፋን ዝምልከት ሕቶታት ኣለዎም። ገለ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ስለ ዝርእይዎ ነቲ ዝብሎ ክቕበልዎ ሽግር የብሎምን። መብዛሕትኦም ኣብዚ ዞባ እዚ ዘለዉ ሰባት ትሑታት: መሳኺን: ከምኡውን ንሓቂ ዝጠምዩ ኢዮም። ካብ ስድራቤቶምን ዝዓበይሉ ኣከባብን ርሒቖም ብምህላዎም ንሓቂ ንኽደልይዋ ናጽነት ኢዩ ዝስምዖም።
ነዚ ዞባ እዚ ንምሽፋን ብ1986 ኣብ ኣቴንስ እታ ናይ መጀመርያ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ቈመት። እቲ ዕቤት ድማ ዘደንቕ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት: ዳርጋ 80 ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት ተጠሚቖም ኢዮም። እቲ ፍረ ድማ ናይ ዓረብኛ ጉባኤ: ናይ ቋንቋ ፖላንድ ጉባኤ: ንገለ ግዜ ድማ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ጕጅለ ኣብ ኣቴንስ ቈይመን ኢየን። ገለ ካብ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ድማ ነዘን ከምዚአን ዝበላ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ንምሕጋዝ ብሰሜን ናብ ተሰሎንቄ: ናብ ሄራክሊዮን: ቅሬጥስ: ከምኡውን ናብታ ናይ ኣቴንስ ወደብ ፒረስ ተጓዒዞም ኢዮም። ንገለ ካብቶም ኣብ ኣቴንስ ሓቂ እተማህሩ ወጻእተኛታት ክትፈልጦም ምደሌኻዶ፧
እቶም ናይ ኣህዛብ ተበሃግቲ ሰባት ይመጹ ኢዮም ዘለዉ
ቶማስ ኣብ ኣስመራ: ኤርትራ: ተወሊዱ ውፉይ ካቶሊክ ኰይኑ ኢዩ ዓብዩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ኣብ ሓደ ገዳም ኣተወ። ንሓደ ካብቶም ሓለቓ ፈለስቲ ድማ “ሓደ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ኢዩ ሰለስተ ኣማልኽቲ ክኸውን ዝኽእል፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሓለቓ ፈለስቲ ድማ “ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት እቲ ጳጳስ ዝበሎ ስለ እንቕበል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እዚ ምስጢር ኢዩ: ንስኻ ኸኣ ነዚ ክትርድኦ ኣዚኻ ንእሽቶ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ቶማስ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብቲ ገዳም ምስ ጸንሐ: በቲ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ጠባይን ትምህርትን እተደናገረን ተስፋ ዘይብሉን ኰይኑ ተረፈ። እንተዀነ ግን: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንምርካብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣየቋረጾን።
ናብ ኣቴንስ ምስ ከደ ቍሩብ ጸኒሑ: ኣብ ኣፍደገ ማዕጽኡ “ጥዕናን ሓጐስን ናትካ ክኽውን ይኽእል ኢዩ” ዝብል ናይ ገበር ኣርእስቲ ዘለዋ ሓንቲ ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ረኸበ። ብዙሕ ግዜ ኣንበባ። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ድማ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ ከም ዘሎና ኣንበበ። (ማቴዎስ 6:33) ቶማስ “ንመንግስትኻ ብኸመይ ከም ዘቐድም እንተድኣ ኣርኢኻኒ: ከመይ ገይረ ከም ዘገለግለካ ንኽምሃር ካብ ህይወተይ ሽዱሽተ ወርሒ: ክውፊ ኢየ” ኢሉ ቃል ብምእታው ነዚ ከመይ ገይሩ ከም ዝገብሮ ንኸርእዮ ተምበርኪኹ ናብ ኣምለኽ ጸለየ። ብድሕሪ እዚ ኣብ መበል ራብዓይ ሰሙን: ክልተ መሰኻኽር ኣብ ገዝኡ ኳሕኵሑ። ቶማስ ቀልጢፉ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ተሰማምዐ: ድሕሪ ዓሰርተ ወርሒ ድማ ተጠምቀ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “የሆዋ ብሓቂ ንጸሎተይ መሊሱለይ ኢዩ: ሓደ ካብ መሰኻኽሩ ክኸውን ድማ ኣጋጣሚ ሂቡኒ። ሕጂ ፍቕሩ ኣብ ህይወተይ ቅድም መንግስቱን ጽድቁን ክደሊ ኣለዓዒሉኒ ኢዩ።”
ክልተ ካልኦት መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብካ ከለዋ ካብታ ናይ ገዛ ደወል ቀጺሉ ናይ ወጻእተኛ ስም ተጻሒፉ ረኣያ።
በቲ ናይ መራኸቢ መሳርሒ ድማ “እንታይ ደሊኽን፧” ዝብል ናይ ሰበይቲ ድምጺ መጸ።
ሓንቲ ካብተን መሰኻኽር ድማ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግደሱ እንግሊዝኛ ዝዛረቡ ሰባት ይደልያ ከም ዘለዋ ነገረታ።
እታ ሰበይቲ “ካብ ኣየናይ ሃይማኖት ኢኽን፧” ኢላ ሓተተተን።
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና።”
“ኦ ጽቡቕ! ንዕነ ናብቲ ላዕላይ ደርቢ ደይባ።”
ደየባ እሞ: ናይታ መደያየቢት ማዕጾ ክኽፈት ከሎ ድማ ሓደ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ገዚፍ ሰብኣይ ኣብኡ ደው በለ። እታ ሰበይቲ ግን ብውሽጢ ኰይና ተዛረበቶ።
“ይእተዋ ግደፈን። ክዛረበን እደሊ ኢየ።”
ምስ ናይ ሰብኣያ ናይ ስፖርት ጋንታ ንዓለም ከም ዝዞረታን: ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረክብ ከም ዝጸለየትን ነገረተን። ሽዑ ንሽዑ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። እቲ ኣብ ግሪኽ ዝጸንሑሉ ግዜ ውሱን ብምንባሩ: ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ መደብ ተገብረ: እታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሰሙናት ተወድአት።
ኣብቲ ዝቐጸለ ናይ ስፖርት ወቕቲ ድማ እንደገና ናብ ግሪኽ መጹ። እታ ሰበይቲ ጽንዓታ ቀጸለት: ጽቡቕ ምዕባለ ድማ ገበረት። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ከም ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ኰይና ነተን ኣሓት ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ሓበረተን: ቀልጢፋ ድማ ቀዳማይ ናይ ገዛእ ርእሳ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበት። ምስ መን፧ ምስቲ በተን መሰኻኽርን ኣብ ሰበይቱ ዝርኣዮ ለውጥን ኣዝዩ እተተንከፈ ሰብኣያ።
ኣለን: ወዲ ሓደ ናይ ፕሮቴስታንት ቀሺ: ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኢዩ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሳ ካብ ኣምላኽ እተዋህበት ራእይ ምዃና ይኣምን ነይሩ ኢዩ። ብሃይማኖቱ ስለ ዘይዓገበ ድማ ናብ ፍልስፍናን ፖለቲካን ዘንበለ: እዚውን እንተዀነ: ቅድሚኡ ኰይንዎ ብዘይፈለጥ ኣብ ናይ ባዶነት ስሚዒት ኣእተዎ። ናብ ግሪኽ ምስ ገዓዘ ድማ ናይ ባዶነት ስሚዒቱ ወሰኸ። ህይወቱ ዕላማ ዘይብላን ኣንፈት ዘይብሉ መገዲ ይኽተል ከም ዘሎን ኰይኑ ተሰመዖ።
ሓደ ምሸት ሓደ ነገር ተፈጸመ። ኣለን “ብብርከይ ተንበርኪኸ ልበይ ንኣምላኽ ከፈትኩሉ። ብምኽንያት ናብራ ህይወተይ ናይ ሓዘን ንብዓት እናነባዕኩ ድማ ኣምላኽ ናብቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቱ ክመርሓኒ ለመንክዎ። ብናይ መምርሒታቱ ብርሃን ከም ዝመላለስ ድማ ቃል ኣቶኹ” ኢሉ የዘንቱ። ኣብቲ ውሽጢ ሰሙን ድማ ምስታ ምስክር ኰይና ዝጸንሐት ናይ ሓደ መኽዘን ወናኒት ዝርርብ ጀመረ። እዚ ዝርርብ እዚ ድማ ብሓቂ ኣብ ናይ ኣለን ህይወት ነጥበ-መቐይሮ ኰነ። “ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልትታት: እቲ ዝፈትዎ ዝነበርኩ እምነታተይ ክዓኑ ከሎ ርኣኽዎ:- ስላሴ: ሲኦል ሓዊ: ዘይትመውት ነፍሲ:—ብሓቂ ኵሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይኰነን።” ኣብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርሉ ሓተትዎ። ነዚ ተቐበሎ: ቅልጡፍ ምዕባለ ድማ ኣርኣየ። ኣለን “ሓቂ ብሓጐስ ዝኣክል ከም ዝነብዕ ገይሩኒ ኢዩ: ናጻ ድማ ኣውጺኡኒ ኢዩ” ብምባል ይዝክር። ሓደ ዓመት ጸኒሑ ድማ ተጠምቀ። ሎሚ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ጉባኤ ድያቆን ኰይኑ ከገልግል ሕጕስ ኢዩ።
ኤልሳቤጥ: ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ንኣምላኽ ደልያቶ እንተዀነ ግን ከይዓገበት ዝተረፈት ጓል ናይጀርያ ኢያ። እቲ ንዓኣ ቀንዲ ዘፍርሃ ዝነበረ ድማ እቲ ኣብ ናይ ሲኦል ሓዊ ንዘለኣለም ምስቓይ ዝብል ትምህርቲ ኢዩ። ምስ ስድራቤታ ኣብ ኣቴንስ ምስ መጸት ድማ ክልተ መሰኻኽር ኣብ ቤታ መጹ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተጀመረ። ኤልሳቤጥ ኣምላኽ ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ከም ዝቐረበ ደኣምበር ንሰባት ከም ዘየሳቒ ምስ ተማህረት ኣዝያ ተሓጐሰት። ነቲ ክትሰዶ እትደሊ ዝነበረት ራብዓይ ውላዳ ድማ ጥንስቲ ኢያ ነይራ። ብድሕሪኡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ የሆዋ ብዛዕባ ቅድስና ህይወት ተማህረት። ሕጂ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ኣላታ። ኤልሳቤጥ ቀልጢፋ ዕብየት ኣርኣየት: ከይደንጐየት ድማ ተጠምቀት። ሽሕ’ኳ ኣርባዕተ ቈልዑን ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕን እንተለዋ: ዳርጋ ወርሒ ወርሒ ኢያ ሓጋዚት ፓይነር እትወስድ። ሰብኣያ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ብምርኣያ ተባሪኻ ኢያ። ንሳ “ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽን ሓቀኛ ኣምልኾን ረኺበዮ: ንየሆዋን ንፈቃር ማሕበሩን አመስግን” ትብል።
ኣብዚ ሕውስዋስ ህዝቢ ዘለዎ ዞባ እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት: ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት እተረኽቡ ኢዮም: ተገዳስነቶም ንምዕባይ ግን ዘይምሕላል ይሓትት። ኣብታ ሳላ እተባህለት: ጓል ሲራልዮን: ሰበይቲ እውን እቲ ኵነታት ከምዚ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ምስክር ትራክት ሃባ: ኣድራሻኣ ብምውሳድ ድማ ንሳ ክትድውል ተሰማምዑ። ሳላ: ተገዳስነት ኣርኣየት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ድማ ተሰማምዐት: እንተዀነ ግን: ብምኽንያት እቲ ካብ ስርሓን ካልእ ሽግራትን ዝመጻ ዝነበረ ጸቕጢ ስርዓታዊት ኰይና ክትቕጽል ኣይከኣለትን። ድሓር ብሃንደበት ሓድሽ ኣድራሻኣ ከይነገረት ገዓዘት። እታ ምስክር ኣብቲ ናይ ቀደም ኣድራሻኣ ብምኻድ ኣይተሓለለትን: ኣብ መወዳእታ ድማ ሳላ ነታ ምስክር ኣብቲ ሓድሽ ኣድራሻኣ ክትመጻ መልእኽቲ ሰደደትላ።
ሳላ: ዋላ እኳ ኣብቲ ናይ ሕርሳ መወዳእታ ኣዋርሕ እንተ ነበረት: እቲ ጽንዓት ዝያዳ ስርዓታዊ ዀነ። ነቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዳ ድማ ሳላ ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ኰነት። እዚ ኵሉ ቀሊል መሲሉ እኳ እንተ ተራእየ: ቀሊል ግን ኣይነበረን። 6:30 ቅ.ቀ. ንቈልዓኣ ኣብቲ ናይ ቈልዑ መዕበዪ ቤት ትምህርቲ ክትወስዶ ብኣውቶቡስ ናይ ፍርቂ ሰዓት ጕዕዞ ክትከይድ ኣለዋ: ቀጺላ ድማ ንስርሓ ክትከይድ ብኣውቶቡስ ሓደ ሰዓት ትጐዓዝ። ኣብቲ ናይ ጽሬት ስርሓ ድሕሪ ምስራሓ ድማ ንገዝኣ ጕዕዝኣ ትጅምር። ናይ ሰብኣያ ተቓውሞ እናሃለወ: ኣብ ናይ ኣኼባ ምሸት ወይ ግራት ኣገልግሎት ክትከይድ ንነፍሲ ወከፍ መገዲ ብኣውቶቡስ ሓደ ሰዓት ትጓዓዝ። ንሰብኣያ ፍቕርን ትዕግስትን እናኣርኣየት ድማ ክሳዕ ናብ ወፈያን ጥምቀትን በጽሐት። ሰብኣያኸ፧ ኣብቲ ንዝኽሪ ሞት የሱስ እተገብረ ኣኼባ ተኻፊሉ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ድማ ተሰማምዐ።
ብሰናይ ፍረ ተባሪኾም ኢዮም
ዝበዝሑ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ኣቴንስ ምጽንሖም ግዝያዊ ኢዩ። ብዙሓት ነቲ ብስራት ምስ ኣዝማዶምን ኣዕሩኽቶምን ክካፈልዎ ናብቲ መበቈል ሃገሮም ተመሊሶም ኢዮም። ካልኦት ድማ ናብ እተፈላለያ ምዕራባውያን ሃገራት ግዒዞም: ኣብኡ ኰይኖም ድማ ንየሆዋ ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም። እቶም ኣብ ግሪኽ ዝተረፉ ድማ ነቶም ከምኣቶም ስደተኛተት ደቂ ዓዶም ብምምስካር ሰናይ ፍረ የስተማቕሩ ኣለዉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ድማ እቶም በጻሕቲ ናብ ካልእ ሃገር ከይዶም መሰኻኽር ምስ ረኸብዎም እቲ ዘርኢ ሓቂ ክፈሪ ክኢሉ ኢዩ።
እዚ ዅሉ የሆዋ ከም ዘየዳሉ ዘርኢ ኢዩ። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝፈርህዎን ጽድቂ ዘፍቅሩን ምስ ዝህልዉ ይቕበሎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ኣባጊዕ መሰል ሰባት: እቲ ስጋዊ ጥቕምታት ክረኽቡ ኢሎም እተጓዕዝዎ ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ዝዀነ ዓበይቲ በረኸታት—ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ፍልጠት: የሆዋ: ከምኡውን ብዛዕባ ኣብታ ጽድቂ ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት—ኣፍርይሎም ኢዩ። እወ: የሆዋ ነቶም ኣብ ዘመናዊት ኣቴንስ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ ብርግጽ ኣብዚሑ ባሪኽዎ ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ኣብ ኣቴንስ ብስራት ይሰምዑ ኣለዉ