ፈጺመ ተጣዒሰሉ ዘይፈልጥ ህይወት
ብፖውል ኦብሪስት እተዘንተወ
ብ1912 ኣነ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከለኹ: ኣደይ ነቲ ሓምሻይ ቈልዓ ክትወልድ ከላ ሞተት። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ በርታ ቪበል እተባህለት ሰራሕተኛ: ቤትና ክትኣሊ ጀመረት። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣቦይ ምስ ተመርዓዋ እንደገና ኣደ ብምርካብና ተሓጐስና።
ኣብቲ ጀርመንኛ ዝዛረብ ክፍሊ ናይ ስዊዘርላንድ: ኣብ ብራግ እተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኢና ንነብር ነይርና። በርታ ብሓቂ ክርስትያን ሰብ ኢያ ነይራ: ኣነ ኸኣ እፈትዋ ነበርኩ። ብ1908 ጽሑፋት ናይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር) ከተጽንዕ ጀመረት: እቲ እተማህረቶ ኸኣ ንኻልኦት ትነግር ነበረት።
ብ1915 በርታን ኣቦይን ድሕሪ ምምርዓዎም ብኡንብኡ: “ፎቶ - ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ” (እንግሊዝኛ) ክርኢ ምስኣ ኸድኩ። እቲ በዞም ኣህጉራዊ ማሕበር ናይ ትጕሃት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቐረበ ትርኢት ስላይድን ፊልምን: ኣብ ኣእምሮይን ልበይን ዓቢ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ። ካልኦት እውን ተመሲጦም ኢዮም። እቲ ኣብ ብራግ ዝነበረ ኣደራሽ ኣዝዩ ስለ ዝመልአ: ፖሊስ ነቲ ማዕጾ ዓጸውዎ ነቶም ብድሕሪኡ ዝመጹ ኸኣ መለስዎም። ብዙሓት ብመሳልል ገይሮም በቲ ክፉት ዝነበረ መስኮት ክኣትዉ ፈተኑ: ሒደት ከኣ ተዓወቱ።
ናይ ኣደይ ሰናይ ኣብነት
ኣብ ኣውሮጳ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነድሪ ጀሚሩ ነበረ: ሰባት ከኣ ብዛዕባ ዝመጽእ ይፈርሑ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ: ከምቲ ኣደይ ትገብሮ ዝነበረት: እቲ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዝካ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ክቡር ዕማም ኢዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ከሰንያ ተፍቅደለይ ነበረት: በዚ ኸኣ ኣጸቢቐ እሕጐስ ነበርኩ። ኣብ መወዳእትኡ: ብ1918 ኣደይ ህይወታ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈየት ብጥምቀት ከተርኢ በቕዐት።
ኣቦይ ክሳዕ እትጥመቕ ኣብ ናይ ኣደይ ኣምልኾ ኢዱ ኣእትዩ ኣይፈልጥን: ሽዑ ግን ክቃወማ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋታ መንጢሉ ናብ እቶን ደርበዮ። ኣደይ ካብቲ ሓዊ ከተውጽኦ ዝኸኣለት ንመጽሓፍ ቅዱሳ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ቀጺላ ዝገበረቶ ግን ዘገርም ኢዩ ነይሩ። ናብ ኣቦይ ከደት እሞ ሓቘፈቶ። ዋላ ሓንቲ ቂም ኣይሓዘትሉን።
ግርም ኢልዎ: ኣቦይ ሃድአ። ይኹን እምበር: በብግዜኡ ተቓውምኡ ብልጭ ይብል ነበረ: ነቲ ሕርቃኑ ኸኣ ክንጽመሞ ነበረና።
ስራሕ ምጅማርን መንፈሳዊ ምዕባለን
ብ1924 ከም መሻጢ ንሰለስተ ዓመት ምልምማድ ድሕሪ ምውሳደይ: ካብ ገዛ ወጻእኩ: ኣብቲ ፈረንሳይኛ ዝዛረብ ክፍሊ ናይ ስዊዘርላንድ ከኣ ስራሕ ረኸብኩ። ኣብዚ ከባቢ እዚ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ፈረንሳይኛ ፍልጠት ንኸመሓይሽ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ካብ ዓደይ ምውጻእ ብገለ መገዲ ንመንፈሳዊ ዕቤተይ ዓናቒፍዎ እኳ እንተዀነ: እቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረኒ ፍቕሪ ፈጺመ ኣየጥፋእኩን። ስለዚ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዓደይ ምስ ተመለስኩ: ኣብ ኣኼባታት ናይታ ኣብ ብራግ ዝነበረ ክርስትያናዊ ጉባኤ ክካፈል ጀመርኩ።
ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕኩ: ናብ ሓንቲ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሪንፈልደን እትብሃል ከተማ ገዓዝኩ። ኣብኡ ኣብ ናይ ሓፍተይ እንዳ መሻጢት እሰርሕ ነበርኩ: ምስታ ንእሽቶ ጕጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምእካብ ከኣ መንፈሳዊ ምዕብልና ምግባር ቀጸልኩ። ሓደ መዓልቲ እቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ንገብሮ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምውዳእና: ሓው ዞድር: እቲ ኣብታ ጕጅለ ሓላፍነት ዝነበሮ ሽማግለ “ሰንበት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈል መደብ ዘሎዎ መን ኣሎ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ዕዮ ብኸመይ ክገብሮ ከም ዘለኒ ንኸርእየኒ ሓደ ሰብ ከሰንየኒ ኢዩ ኢለ ብምሕሳብ ፍቓደኛ ኰንኩ።
ሰንበት ኰይኑ ኣብቲ ዞባና ምስ በጻሕና: ሓው ዞድር ከምዚ በለ:- “ኣቶ ኦብሪስት ኣብቲ ኢኻ ክትዓዪ።” ልበይ ኣበርቲዓ እኳ እንተ ወቕዐት: ገዛ ናይ ሰባት ክዅሕኵሕን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክዛረቦምን ጀመርኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚረ: ነቲ የሱስ መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ክግበር ኣለዎ ዝበሎ ናይ ስብከት ዕዮ ካብ ምግባር ሰኒፈ ኣይፈልጥን። (ማቴዎስ 24:14) ወዲ 28 ዓመት ከለኹ: 4 መጋቢት 1934 ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።
ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ሉጋኖ: ጣልያንኛ ዝዛረብ ክፍሊ ስዊዘርላንድ ናይ ምምሻጥ ስራሕ ረኸብኩ። ዝፈልጦ ዝነበርኩ ጣልያንኛ ሒደት እኳ እንተነበረ: ብኡንብኡ ኢየ ብስራት ክሰብኽ ዝጀመርኩ። ኣብታ ንመጀመርታ ኣገልግሎት ዝወጻእኩላ ሰንበት: ተማሊአዮ ዝነበርኩ 20 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዓደልክዎ። ኣብ መወዳእትኡ: ገለ ሒደት ግዱሳት ሰባት ብምእካብ ግምቢ ዘብዐኛ ንምጽናዕ ጕጅለ ኣቖምኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ብዙሓት ካብኣቶም ተጠምቁ: ኣብ ለካቲት 1937 ከኣ ኣብ ሉጋኖ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቘምና።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ: ኣብ ሚያዝያ 1937 ሓንቲ ብሃንደበት ንህይወተይ ዝለወጠት ደብዳበ ተቐበልኩ። ኣብ ቤትኤል: መጸውዒ ስም ናይቲ ኣበየ ሃገሩ ዝርከብ ጨንፈር መሳለጥያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከገልግል ዝዕድም ደብዳበ ኢዩ ነይሩ። ብኡንብኡ ነቲ ዕድመ ተቐበልክዎ: እዚ ኸኣ ፈጺመ ተጣዒሰሉ ዘይፈልጥ ውሳነ ኢዩ። በዚ ኸምዚ: እቲ ን60 ዓመት ስርሐይ ዝዀነ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ።
ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት: ኣብ ጽንኩር እዋናት
ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ስዊስ ቤትኤል ኣብ ከተማ በርን: ርእሰ-ኸተማ ናይ ስዊዘርላንድ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። ኣብኡ መጻሕፍቲ: ንኣሽቱ መጻሕፍቲ: ከምኡውን መጽሔታት ብ14 ቋንቋታት ንሓትም ነበርና: እዚ ኸኣ ናብ ምሉእ ኣውሮጳ ይልኣኽ ነበረ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ነቲ እተሓትመ ጽሑፋት ናብቲ መደበር ባቡር ብዓረብያ እወስዶ ነበርኩ: ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ጽዕነት መኪና ንረክብ ዝነበርና ኵሉ ግዜ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ቤትኤል ንምጀመርታ ግዜ እተመደብኩሉ ክፍሊ ኮምፖዚሽን ኢዩ ነይሩ: ኣብኡ ኸኣ እቲ ንሕትመት ዘድሊ ግራፋይት ንእክብ ነበርና። ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኣብ መቐበል ኣጋይሽን ከም ቀምቃማይ ናይ ስድራ ቤትኤልን ኰይነ ክዓዪ ጀመርኩ።
ኣብ መስከረም 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ: ናይ ናዚ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኸኣ ኣብ ምሉእ ኣውሮጳ ራዕዲ ኣኸተለ። ስዊዘርላንድ ኣብ ማእከል እተን ዝዋግኣ ዝነበራ ዓድታት ገለልተኛ ሃገር ኢያ ነይራ። ኣብ መጀመርታ ክርስትያናዊ ንጥፈትና ብዘይ ዋላ ሓንቲ ምስንኻል ንገብር ነበርና። ድሓር ግን 5 ሓምለ 1940 ስዓት ክልተ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ መቐበል ኣጋይሽ ኣብ ጣውላይ ከለኹ: ሓደ ሲቭል ብሓደ ሳንጃ ዘለዎ ጠበንጃ ዝሓዘ ወተሃደር ተሰንዩ መጸ።
እቲ ሲቭል “ዙርከር ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ጨደረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ፍራንዝ ዙርከር ናይቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ንገብሮ ዝነበርና ዕዮ ስብከት ናይ ጨንፈር ተዓዛቢ ኢዩ ነይሩ።
“መን እደልየካ ኣሎ ክብሎ፧” ኢለ ሓተትኩ። ብኡንብኡ ዓትዒቶም ሒዞም ናብ ናይ ዙርከር ቤት ጽሕፈት ክወስዶም እናሓተቱ ናብቲ መሳለል ጐተቱኒ።
እቶም ሽዑ 40 ኣቢልና እንኸውን ዝነበርና ስድራ ቤትኤል ብምሉእና ኣብቲ መብልዒ ክፍሊ ክንእከብ ተኣዘዝና። ካብ ወጻኢ እቲ ህንጻ ክሞልቝ ንዝፍትን ንምፍርራህ ኣርባዕተ ማሽንጋን ተጻዊደን ነበራ። ኣብ ውሽጢ ዳርጋ 50 ኣቢሎም ዝዀኑ ወተሃደራት ነቲ ህንጻ ክፍትሽዎ ጀመሩ። ኣንጻር እቲ እተጸበይዎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምቅዋም ዘለዓዕሉ ከም ዝዀኑ ዘረጋግጽ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይረኸቡን። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ጽሑፋት ተሃገረ: ብሓሙሽተ ወተሃደራዊ ናይ ጽዕነት መኪና ኸኣ ተወስደ።
ግምቢ ዘብዐኛ ብናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ክምመ ምስ ኣበና: ኣብ ስዊዘርላድ ዝግበር ዝነበረ ምሕታም ኣቋረጸ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቤትኤል ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ሒደት ሰራሕተኛታት ጥራይ ኢዮም ዘድልዩ ነይሮም ማለት ኢዩ: እቶም መንእሰያት ዝነበሩ ኣባላት ናይቲ ስድራ ኸኣ ክወጹ እሞ ፓይነር—ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሃብ መጸውዒ—ኰይኖም ከገልግሉ ተተባብዑ።
ኣብ ግዜ ውግእ ፓይነር ምዃን
ኣብ ሓምለ 1940 ናብቲ ቤትኤል ቅድሚ ምጅማረይ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ጥቓ ሉጋኖ ዝርከብ ጣልያንኛ ዝዛረብ ከባቢ ናይ ስዊዘርላንድ ተመለስኩ። እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጽልዋ ናይ ፋሺስቲ ዝነበረ ጽኑዕ ናይ ካቶሊክ ዞባ: ናይ ፓይነር መደበይ ኰነ።
ፖሊስ ጠጠው ኣቢሉ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮይ ክገድፎ ከይተዛረበኒ ዝሓለፍኩሉ መዓልቲ ሳሕቲ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ ስፍራ ኣታኽልቲ ንሓንቲ ሰበይቲ ክዛረባ ከለኹ ሓደ ሲቭል እተኸድነ ሰብኣይ ብድሕረይ ዓትዒቱ ሓዘኒ: ብናይ ሮንዳ መኪና ገይሩ ኸኣ ንሉጋኖ ሒዙኒ ኸደ። ኣብኡ ናብ ፖሊስ ኣረከበኒ። ክሕተት ከለኹ ኸኣ: የሆዋ ኣምላኽ ክንሰብኽ ኣዚዙና ኢዩ ኢለ ገለጽኩሎም።
እቲ መኮነን ከኣ “ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክእዝዝ ይኽእል ይኸውን። ኣብዛ ምድሪ እንእዝዝ ግን ንሕና ኢና!” ኢሉ ብድፍረት መለሰለይ።
ብፍላይ ኣብ እዋን እቲ ውግእ ነቲ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ” ዝብል ናይ የሱስ ምኽሪ ክንስዕብ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 10:16) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ዝበዝሕ ካብቲ ጽሑፋተይ ኣብ ውሽጣዊ ጁባታት ናይ ካምቻይ እሓብኦ ነበርኩ። ዋላ ሓንቲ ምእንቲ ከየጥፍእ ከኣ ኣብ ትሕቲ ብርከይ ቀጥ ዝብል ጥቢቆ እገብር ነበርኩ።
ድሕሪ ገለ ግዜ: ናብ ስንጭሮ ኢንጋዲን ክግዕዝ መምርሒ ተቐበልኩ: ኣብኡውን እቲ ምስ ፖሊስ ምጕያይ ቀጸለ። እዚ ኣብቲ በረድ ዝወርደሉ ግዜ ብኹምራ በረድ ዝሽፈን ኣብ ምብራቓዊ ስዊስ ኣልፕስ ዝርከብ ጽቡቕ ስንጭሮ ኢዩ: ስለዚ ኣብቲ ዞባ ንምንቅስቓስ ምእንቲ ክሕግዘኒ እቲ ናይ በረድ መንሸራተቲየይ ከም ዝስደደለይ ገበርኩ።
ኣብ ግዜ ቁሪ ናይቲ በረድ ዝወርደሉ እዋን በቲ መንሸራተቲ ገይርካ ክትጓዓዝ ከለኻ ምዉቕ ጓንቲ የድልየካ ኢዩ። ብቐጻሊ ስለ እተጠቐምኩሉ ቀልጢፉ በለየ። ሓደ መዓልቲ ፈጺመ ከይሓሰብክዎ: ብኢድ እተሰርሐ ጎልፎን ምዉቕ ጓንትን ዝሓዘት ጥቕላል ብጶስጣ ምስ ተቐበልኩ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ዘመስገንኩ! ሓንቲ ኣብቲ ኣብ በርን ናይ ቅድም ጉባኤይ ዝነበረት ሓንቲ ኢያ ሰሪሓቶ። ሎሚ እውን እንተዀነ ብዛዕብኡ ክሓስብ ከለኹ ብሞሳ እየ ዝለዓዓል።
ብዙሕ ባህ ዘብል መሰላት
ብ1943 ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበረ ኵነታት ክረጋጋእ ጀመረ: ኣነውን ኣብ ቤትኤል ከገልግል እንደገና ተጸዋዕኩ። ኣብቲ 100 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ላውሳን ዝርከብ ናይ ፈረንሳይኛ ጉባኤ ገለ ገለ ሽግራት ስለ ዝነበረ: እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ግቡእ ኣመለኻኽታ ምእንቲ ክህልዎም ነታ ከተማ እቲኣ ስርዓታዊ ኰይነ ክበጽሓ ተመዘዝኩ።
ጸኒሐ ኸኣ ንገለ ግዜ ንዅለን እተን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበራ ፈረንሳይኛ ዝዛረባ ጉባኤታት ከም ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይነ ኣገልግልኩ። ኣብ መጀመርታ መዓልትታት ናይቲ ሰሙን ኣብ ቤትኤል እዓዪ: ዓርቢ: ቀዳም: ከምኡውን ሰንበት ግን መንፈሳዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እተፈልየት ጉባኤ እበጽሕ ነበርኩ። ብተወሳኺ: ብ1960 ፈረንሳይኛ እትዛረብ ጉባኤ ኣብ በርን ምስ ቈመት: ናይታ ጉባኤ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ኰንኩ። ቤትኤል ካብ በርን ናብቲ ሕጂ ዘለዎ ጽቡቕ ቦታ ናይ ከተማ ቱን ብ1970 ክሳዕ ዝግዕዝ: በዚ ሓላፍነት እዚ ኣገልገልኩ።
ኣብ ቱን ጣልያንኛ ዝዛረቡ ሒደት ጕጅለ መሰኻኽር ምርካበይ ተሓጐስኩ: ምስኦም ክዓዪ ኸኣ ጀመርኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ጉባኤ ቈመት: ካልኦት ንኣሽቱ ኣሕዋት ነቲ ሓላፍነት ምስካም ክሳዕ ዝበቕዑ ኸኣ ንብዙሕ ዓመታት ናይታ ጉባኤ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ኰይነ ኣገልገልኩ።
ብፍላይ ዘሐጕስ መሰል ገይረ ዝቘጽሮ ድማ: ኣብ ናይ ህዝቢ የሆዋ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ምክፋለይ ኢዩ። ንኣብነት: ብ1950 እቲ ዘይርሳዕ ቲኦክራሲያዊ ዕቤት ዝብል ኣሰምብሊ ኣብ ኒው ዮርክ ያንኪ ስታድዩም ተገብረ። ነቲ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ነባሪ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ። እቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመት ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ ዝብል ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: እተገብረ ኣሰምብሊ: ሓው ሚልተን ጂ. ሄንሸል ነቲ የሱስ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም” ዝበሎ ብምጕላሕ ዝሃቦ ዝርርብ እውን ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። (ሉቃስ 19:40) ሓው ሄንሸል “እዞም ኣእማን ክጭድሩ ዘለዎም ኰይኑዶ ይስምዓኩም፧” ኢሉ ሓተተ። ክሳዕ ሎሚ እቲ “ኣይፋልን!” ዝብል ካብቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝወጸ ድምጺ ኣብ እዝነይ ይስምዓኒ።
ብ1937 ቤትኤል ምስ ኣተኹ ኣቦይ: ሒደት ናይ ወጻኢታት መሸፈኒ ገንዘብ ጥራይ ከም እንቕበል ምስ ፈለጠ “ኣታ ወደይ: ዕድመ ምስ ደፋእካ ብኸመይ ክትናበር ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት ብምጥቃስ “ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ አይርኤኹን” ብምባል መለስኩሉ። (መዝሙር 37:25) እዘን ቃላት እዚኣተን ብርግጽ ኣባይ ውዒለን ኢየን።
ልዕሊ 80 ዓመት ኣቢሉ ይገብር: በርታ ቪበል ንኣቦይ ብምምርዓዋ: ብናታ ኣብነትን መሪሕነትን ከኣ ንየሆዋን ባህርያቱን ምፍላጠይ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰኒ! እቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤት የላግጹላ እኳ እንተነበሩ: ብ1983 ክሳዕ እትመውት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊላቶ ኢያ። ንየሆዋ ኣምላኻ ብምግልጋላ ፈጺማ ተጣዒሳ ኣይትፈልጥን፣ ኣነ እውን ንጽል ብምዃን ምሉእ ህይወተይ ንኣገልግሎት የሆዋ ብምውፋየይ ፈጺመ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቤትኤል እናዓየኹ