ንደቅኻ ከተዕቍቦም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ቬርኖርa ከባቢ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ንዓመታት ዝኣክል ድሕሪ ምምሃሩ: ምስ 3,000 ዝኣኽሉ ካልኦት መንእሰያት ኰይኑ ኣብ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል: ዝለዓለ ትምህርቲ ክከታተል ጀመረ። መማህርቱ ሓሽሽ ክሸጡን ከዘውትሩን ንመጀመርታ ግዜኡ ተዓዘበ። ንእሽቶ ስለ ዝነበረ ብኡንብኡ በቶም ብዕድመ ዝዓብይዎ ዝነበሩ ተማሃሮ ተጸልዩ ኣብቲ ሕሱርን ሓደገኛን ተግባራቶም ክሓብር ጀመረ።
እታ ኤቫ ዝስማ ንቬርኖር ሓብቱ እውን ግድላት ነበራ። ዝከኣላ ዅሉ ብምግባር ኣበርቲዓ ስለ ዘጽንዐት ድኻምን ናይ ኣእምሮ ምንዋጽን ፈጠረላ። ቬርኖርን ኤቫን ልክዕ ከም ካልኦት በጽሕታትን ጐራዙትን: ኣካላውን ስምዒታውን ዕቝባ የድልዮም ነበረ። ደቅኻ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢዩ ዘድልዮም፧ እኹላት ከም ዝዀኑ ገይርካ ከተዳልዎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብሓቂ ደቅኻ እንታይ ዓይነት መጻኢ ክህልዎም ኢኻ እትብህግ፧
ስጋዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ዘድልዮም
ነቲ ሎሚ ወለዲ ንደቆም ከዕቍቡዎም ከለዉ ዘጋጥሞም ብድሆ እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ደረጃ ናብራ ስድራቤት ብምንቍልቋሉን ድኽነት ብምውሳኹን: ቍጽሪ ናይቶም ግዳም ሓደር ዝዀኑ ቈልዑ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ቈልዑ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ንኸይምዝመዙ ዕቝባ ስለ ዘይግበረሎም ኢዩ። ሓሽሽ እውን ንሓያሎ መንእሰያት ዘዕኑ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ብራዚላዊ ኰተቴ ወልፊ ሓሽሽ ምስ ሓዞ: ኣብ ገዝኡ ሰላም ሰኣነ። ኣብ ርእሲ እቲ ወለዱ ዘሕለፍዎ ስምዒታዊ ውጥረት: ካብ ወልፉ ንኽፍወስ ዘውጽእዎ ገንዘብ እውን ነበረ: ንሕስያ ዘይብሎም ሸየጥቲ ሓሽሽ ድማ ናብ ገዝኦም መጺኦም ገንዘብ ክኽፈሎም ይሓቱ ነበሩ።
ይኹን እምበር: ብዙሓት ወለዲ ናይ ናብራ ጸቕጥታት እናሃለወ: ንደቆም መግብን ክዳውንትን መጽለልን ንኸዳልዉሎም ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ዓመጽን ምዝውታር ሓሽሽን ካልእ ግድላትን ንኸዕቍብዎም ይቃለሱ ኢዮም። እዚ ንባዕሉ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ: ግንከ እኹል ድዩ፧ ብዛዕባ ካብ ስምዒታውን መንፈሳውን ጕድኣት ምዕቋብከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብዙሓት ሰባት ዕዉት ወላዲ ምዃን ነቲ ውሉዳቶም ኣብ ኣዕሩኽን ምዝንጋዕን ዝገብርዎ ምርጫ እውን ዘጣምር ብድሆታት ምፍታሕ ከም ዘጠቓልል ይግንዘቡ ኢዮም። ይኹን እምበር: ወለዲ ብዘይ መጠን ተቘጻጸርቲ ወይ ድማ ኣዝዮም ሸለል በሃልቲ ካብ ምዃን ብኸመይ ክሕለዉ ይኽእሉ፧ ነቲ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ዝርከብ መልሲ ንኽትምርምሮ ንዕድመካ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።