ደቅኻ እንታይ ዓይነት መጻኢ ክህልዎም ኢኻ እትደሊ፧
ደቅኻ ክቡር ዋጋ ዘለዎም ውህበት ከም ዝዀኑ ገይርካ ዲኻ እትርእዮም፧ (መዝሙር 127:3) ወይስ ንዕኦም ምዕባይ መኽሰብ ዘይብሉ ቍጠባዊ ጾር ምስካም ገይርካ ኢኻ እትምልከቶ፧ ቈልዑ ምዕባይ: ርእሶም ክሳዕ ዝኽእሉ ወጻኢታት ምግባር ዝሓትት ድኣ እምበር ናይ ገንዘብ ረብሓ ዘምጽእ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ እተወርሰ ሃብቲ ንኸተመሓድር ጽቡቕ ውጥን ምውጻእ ዝሓትት: ዕዉት ወላዲ ምዃን እውን ከምኡ ኢዩ።
ሓለይቲ ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ናይ ህይወት መሰረት ክተኽልሎም ይደልዩ ኢዮም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሕማቕን ኣዝዩ ዘሕዝንን ነገራት ክፍጸም ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ወለዲ ንደቆም ንኸዕቍብዎም ብዙሕ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ናይቶም ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሱ ቬርኖርን ኤቫን ጕዳይ እስከ ርአ።a
ወለዲ ብሓቂ ክሓልዩ ኸለዉ
ቬርኖር: ወለዱ ሸለል በሃልቲ ከም ዘይነበሩ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘርኣዩ ይዛረብ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ተግባራዊ ሓሳባት ስለ ዝሃቡኒ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖም: ይሓልዩለይን ይድግፉኑን ከም ዝነበሩ ድማ ተሰሚዑኒ ኢዩ። ከም ወለዲ መጠን ኣዝዮም ጽኑዓት እኳ እንተ ነበሩ ናይ ሓቂ ኣዕሩኸይ ምዃኖም እፈልጥ ነይረ ኢየ።” ኤቫ በቲ ክትጭነቕን ድቃስ ከም እትስእንን ዝገበራ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ኣዝያ ምስ ተረበሸት ድማ እቶም ፍራንሲስኩ ከምኡውን ኢነዝ ዝበሃሉ ወለዳ ምስኣ ብምዝራብን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሚዛና ኽትመልስ ብምሕጋዝን ነዊሕ ግዜ ኣሕለፉ።
ፍራንሲስኩን ኢነዝን ንደቆም ንኸዕቍብዎምን ዓበይቲ ምስ ኰኑ ንዘሕልፍዎ ናብራ ንኸዳልዉዎምን ብኸመይ ኢዮም ጽዒሮም፧ እዞም ፈቃራት ወለዲ እዚኣቶም ንደቆም ካብ ህጻንነቶም ኣትሒዞም ኵሉ ግዜ ኣብቲ መዓልታዊ ንጥፈታቶም የሳትፍዎም ነበሩ። ምስቶም እኹላት ዝዀኑ ኣዕሩኾም ኣብ ክንዲ ዝውዕሉ: ኢነዝን ፍራንሲስኩን ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ምስ ዝኸዱ ይማልእዎም ነበሩ። ፈቃራት ወለዲ ብምዃኖም: ንደቆም ግቡእ መምርሒ እውን ሂቦምዎም ኢዮም። ኢነዝ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ገዛ ሓለይቲ ክዀኑን ንኽዳውንቶም ክጥንቀቑሉን ምሂርናዮም ኢና። ነፍሲ ወከፎም ሞያ ክመርጹን ንሓላፍነታቶም ድማ ምስ መንፈሳዊ ረብሓታት ሚዛናዊ ክገብርዎን ሓጊዝናዮም ኢና።”
ንደቅኹም ክትፈልጥዎምን ናይ ወለዲ መምርሒ ክትህብዎምን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ! ነዚ ክትገብርሉ እትኽእሉ ሰለስተ መዳያት እስከ ንመርምር:- (1) ደቅኹም ግቡእ ዓይነት ዓለማዊ ስራሕ ንኽመርጹ ሓግዙዎም፣ (2) ነቲ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ስራሕን ዘጋጥም ናይ ስምዒት ጸቕጢ ንኽዋጽእሉ ኣዳልዉዎም፣ (3) ንመንፈሳዊ ድሌታቶም ብኸመይ ከም ዘማልኡ ኣርእይዎም።
ግቡእ ስራሕ ንኽመርጹ ሓግዙዎም
ናይ ሓደ ሰብ ዓለማዊ ስራሕ ንዅነታት ገንዘቡ ዝትንክፍ ጥራይ ዘይኰነስ ዝበዝሐ ግዚኡ እውን ዘጥፍኣሉ ስለ ዝዀነ: ንፉዕ ወላዲ ምዃን ናይ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ተገዳስነትን ክእለትን ኣብ ግምት ምእታው ዘጠቓልል ኢዩ። ሕልና ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ንኻልኦት ጾር ክኸውን ስለ ዘይደሊ: ውሉዶም ንገዛእ ርእሱን ንስድራቤቱን ንኽኣሊ ብኸመይ ክዳሎ ከም ዝኽእል ንምሕጋዙ ወለዲ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ኣለዎም። ወድኻ ወይ ጓልካ ዘዕግብ ናብራ ምእንቲ ኽምስርት ሞያ ክማሃር የድልዮዶ ኢዩ፧ ብሓቂ ዝሓሊ ወላዲ ብምዃን: ውሉድካ ብትግሃት ናይ ምስራሕ ባህጊ: ናይ ምምሃር ድልየት: ከምኡውን ምስ ካልኦት ተሰማሚዕካ ናይ ምንባር ክእለት ዝኣመሰለ ባህርያት ከማዕብል ንኽትሕግዞ ከይተሓለልካ ጽዓር።
ናይ ኒኮል ኣብነት ርአ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ወለደይ ጽሬት ዘካይድ ትካል ነበሮም: ንኽሰርሕ ድማ ናብኡ ይወስዱኒ ነበሩ። ካብቲ ዝዋሃበኒ ዝነበረ ሞቕሽሽ ገለ ሚእታዊት ነቲ ንስድራቤትና ዝኸውን ወጻኢታት ክህብ: እቲ ዝተረፈ ድማ ንብሕታዊ ወጻኢታተይ ክጥቀመሉ ወይ ድማ ከዋህልሎ ከም ዝኽእል ሓሳባት ኣቕረቡለይ። እዚ ድማ ነቲ ደሓር ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ ጠቓሚ ኰይኑ እተረኽበ ሓላፍነት ናይ ምስካም ድሌት ኣሕደረለይ።”
እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ዓለማዊ ዕዮ ክመርጽ ከም ዘለዎ ፈልዩ ኣይገልጽን ኢዩ። ርጡብ መምርሒ ግን ይህብ ኢዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ “ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን” ኢሉ ኢዩ። ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ እውን ከምዚ በለ:- “ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ: ዙረት እምበር: ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ: ንሰምዕ አሎና። ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ: ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ: ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።”—2 ተሰሎንቄ 3:10-12
ይኹን እምበር: ህይወት ክበሃል ከሎ ስራሕ ምርካብን ገንዘብ ምእካብን ጥራይ ኣይኰነን። እቶም ዝለዓለ ደረጃ ንምርካብ ኣዝዮም ህንጡያት ዝዀኑ ሰባት መወዳእትኡ ዘይዕጉባት ኰይኖም ኢዮም ዝርከቡ: ‘ደድሕሪ ንፋስ ይጐዩ’ ከም ዘለዉ ድማ ምናልባት ይግንዘቡ ይዀኑ። (መክብብ 1:14) ወለዲ: ደቆም ተፈላጥነትን ሃብትን ክረኽቡ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕዎም: ነቲ መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሶ ጥበብ ዘለዎ ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ቃላት ንኽርድእዎ ምስ ዝሕግዝዎም ሰናይ ኢዩ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃንስ 2:15-17
ንስምዒታዊ ድሌታቶም ብኸመይ ኢኻ ከተማልኣሎም እትኽእል፧
ከም ወላዲ መጠን: ስለምንታይ ልክዕ ከም ሓደ ንስፖርታውያን ዘለማምድ ኣሰልጣኒ ዘይትኸውን፧ እቲ ኣሰልጣኒ ነቶም ስፖርታውያን ከለማምዶም ከሎ ዘትኵረሉ ነገር ኣጸቢቖም ንኽጐዩ ወይ ድማ ብዝያዳ ንኽዘሉ ኣካላዊ ክእለታቶም ንምምዕባል ጥራይ ኣይኰነን። ንዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ንኸሰንፍዎ ንምሕጋዞም እውን ይጽዕር ኢዩ: ከምዚ ብምግባር ድማ ስምዒታዊ ሓይሎም የደልድለሎም። ንስኻኸ ብወገንካ: ንደቅኻ ከተተባብዖምን ክትሃንጾምን ከተነቓቕሖምን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ኵነታት ናይቲ ወዲ 13 ዓመት ዝዀነ መንእሰይ ሮዤርዮ እሞ ርአ። ኣብ ርእሲ እቲ ብዕድመ ምኽንያት ዝመጸ ናይ ኣካላቱ ለውጥታት ዘስዓበሉ ውሽጣዊ ምርባሽ: ወለዱ ምስምማዕ ስለ ዘይነበሮምን ኣቓልቦ ዝገብረሉ ብዘይምርካቡን ናይ ጭንቀት ስምዒት ኣጋጠሞ። ንኸምኡ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ንምሕጋዝ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ንደቅኻ ካብ ኵሉ ጭንቀታትን እኩይ ጽልዋታትን ከተዕቍቦም ዘይከኣል እኳ እንተዀነ: ነቲ ከም ወላዲ መጠን ዘሎካ ግደ ንምፍጻም ግን ተስፋ ኣይትቝረጽ። ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ፍሉይ ምዃኑ ኵሉ ግዜ ብምዝካር: ንደቅኻ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከይተቘጻጸርካ ብምስትውዓል ቅጽዓዮም። ሕያውነትን ፍቕርን ብምርኣይ: ሓደ መንእሰይ ዕቝባ ንኽስምዖ ብዙሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ብገዛእ ርእሱ ዘይተኣማመን ኰይኑ ንኸይዓቢ እውን ይከላኸለሉ ኢዩ።
ወለድኻ ናይ ስምዒት ድሌታትካ ንኸማልኡልካ ዕዉታት ይንበሩ ኣይንበሩ ብዘየገድስ: ብሓቂ ዝሕግዝ ወላዲ ዄንካ ንኽትዕወት ሰለስተ ነገራት ክሕግዛኻ ይኽእላ ኢየን:- (1) እቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጸገማት ነቲ ንኣሽቱ ዝመስል ናይ ደቅኻ ግድላት ዕሽሽ ኣብ ናይ ምባል ደረጃ ክሳዕ ዘብጽሓካ ክውሕጠካ ኣይተፍቅደሉ፣ (2) ምስኣቶም ደስ ዘብልን ትርጕም ዘለዎን መዓልታዊ ርክብ ንምግባር ጽዓር፣ (3) ግድላት ኣብ ምፍታሕን ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከማዕብሉ ሓግዞም።
ቢርጂት ነተን ከም ኰተቴ ዀይና ዘሕለፈተን ዓመታት ምልስ ኢላ ብምዝካር: ከምዚ ትብል:- “ሰባት ከምቲ ንስኻ እትደልዮም ገይርካ ክትልውጦም ከም ዘይትኽእል ተማሂረ ኢየ። ኣደይ ኣብ ካልኦት ሰባት ዘይደልዮ ባህርያት እንተድኣ ርእየ: እቲ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ንዓታቶም ዘይምምሳል ምዃኑ ንኽኣምን ሓገዘትኒ። መገድታተይ ንምልዋጥ ዝበለጸ ግዜ ድማ ገና ንእሽቶ ከሎኹ ከም ዝዀነ እውን ነገረትኒ።”
እንተዀነ ግን: ደቅኻ ሞያ ምምሃርን ስምዒታዊ ዕረፍቲ ምርካብን ጥራይ ዘይኰነስ ካልእውን የድልዮም ኢዩ። ‘ቈልዑ ምውላድ ብኣምላኽ እተዋህበ ሓላፍነት ከም ዝዀነ ገይረ ድየ ዝምልከቶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከምኡ እንተድኣ ገይርካ: ንመንፈሳዊ ድሌት ደቅኻ ንኸተማልእ ባህጊ ከተሕድር ኢኻ።
መንፈሳዊ ድሌቶም ንኸተማልኣሎም ዘኽእለካ መገድታት
የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ብመንፈስ ድኻታት [“እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ:” NW ]: መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3) መንፈሳዊ ድሌት ምምላእ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ወለዲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እምነት ብምርኣይ ጽቡቕ ኣብነት ምስ ዝሰርዑ ቈልዑ ብዙሕ ይጥቀሙ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይ እምነት . . . ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:6) ይኹን እምበር: እምነት ናይ ሓቂ ትርጕም ክህልዎ እንተድኣ ዀይኑ ጸሎት ኣድላዪ ኢዩ። (ሮሜ 12:12) መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዘድልየካ ትኣምነሉ እንተድኣ ኴንካ: ልክዕ ከምቲ ኣቡኡ ንሓደ ሳምሶን ዝስሙ ቘልዓ—ደሓር ኣብ እስራኤል ውሩይ መስፍን ዝዀነ—ዝገበሮ መለኮታዊ መምርሒ ክትሓትት ኢኻ። (መሳፍንቲ 13:8) ሓገዝ ንምርካብ ክትጽሊ ጥራይ ዘይኰነስ ናብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገጽካ እውን ቁሊሕ ክትብል ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17b
ጥዑይ መምርሒ: ናይ ስምዒት ደገፍን መንፈሳዊ ሓገዝን ምሃብ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ዝሓትት እኳ እንተዀነ: ወላዲ ምዃን ዓስቢ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣብ ብራዚል ዘሎ ክልተ ቘልዑ ዘለዉዎ ኣቦ “ውሉዳት እንተ ዘይህልዉንስ እንታይ ምገበርኩ፧ ከነካፍሎም እንኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኣሎ” ብምባል ሓሳባት ይህብ። እቶም ቈልዑ ብጽቡቕ ንኽዓብዩ ዝገብሮም ዘሎ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ እታ ኣደ ከምዚ ትብል:- “ኵሉ ግዜ ብሓንሳእ ኢና እንኸውን: ነገራት ባህ ዘብልን ዘሐጕስን ንኽንገብሮ ድማ ንፍትን ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ምእንቲ እቶም ቈልዑ ኢልና ኵሉ ግዜ ንጽሊ ኢና።”
ፕሪሲላ: ነቲ ወለዳ ግድል ኣብ እተላዕለሉ እዋን ዘርኣይዎ ፍቕርን ትዕግስትን ትዝክሮ ኢያ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ዝቐርቦም አዕሩኸይ ኢዮም ነይሮም: ብዅሉ ነገራት ድማ ሓጊዞምኒ ኢዮም። ከም ቈልዓ መጠን: ‘ውህበት የሆዋ’ ከም ዝዀንኩ ገይሮም ይርእዩኒ ከም ዝነበሩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኢዩ።” (መዝሙር 127:3 NW ) ልክዕ ከምቶም ካልኦት ወለዲ: ብሓንሳእ ዄንኩም መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምእንቲ ከተንብቡ ምስ ደቅኹም ግዜ ዘይትምድቡ፧ ኣወንታዊ ሃዋሁ ፈጢርካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባትን ስርዓታትን ምምርማር ደቅኻ ብዛዕባ መጻኢ ርግጸኛታት ንኽዀኑን ሓቀኛ ተስፋ ንኽህልዎምን ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።
ኵሎም ቈልዑ ዕቝባ ዝረኽብሉ ግዜ
ሎሚ ሓያሎ ቈልዑ መጻኢ ግዜኦም ብሩህ ተስፋ ዘለዎ ዘይመስል እኳ እንተዀነ: ቃል ኣምላኽ ግን ምድሪ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ዕቝባ ዘለዋ መንበሪት ደቅሰብ ክትከውን ምዃና ውሕስነት ይህብ ኢዩ። ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ዝኸውን ነቲ ወለዲ ብዛዕባ ድሕንነት ደቆም ዘይጭነቕሉ ግዜ እሞ ሕስብ ኣብሎ! (2 ጴጥሮስ 3:13) ነቲ “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ” ዝብል ናይዚ ትንቢት እዚ ዓቢ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎ ፈትን። (ኢሳይያስ 11:6) እቲ ኣብዘን ቃላት እዚኣተን ተገሊጹ ዘሎ መንፈሳዊ ድሕንነት ሎሚውን እንተዀነ ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዘገልግልዎ ሰባት ምሳልያዊ ፍጻመ ኣለዎ። ምስኦም ምስ እትሓብር ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽ ከተስተማቕር ኢኻ። ንኣምላኽ ተፍቅር እንተድኣ ዄንካ: ከም ወላዲ መጠን ስምዒታትካ ክርድኣልካ: ነቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ጭንቀትን ፈተናታትን ድማ ንኽትዋጽኣሉ ክሕግዘካ ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ቃሉ ኣጽንዕ: ተስፋኻ ድማ ኣብታ መንግስቱ ግበር።
ሰናይ ኣብነት ብምስራዕ ደቅኻ ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽኣትዉ ሓግዞም። ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እንተድኣ ተዓቝብካ: መጻኢኻን መጻኢ ደቅኻን ካብቲ እትጽበዮ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ‘ብእግዚኣብሄር ተሓጐስ: ልብኻ ዝደልዮ ንሱ ኽህበካ ኢዩ’ ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ እምንቶ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 37:4
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
b ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ካብ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7 ርአ።