ሳውል ንክርስትያናት ዘሳጒጎም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
‘ኣነ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዝጻረር ነገር ክገብር ግቡአይ ምዃኑ ይመስለኒ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም: ነቶም ሃዋርያት ክቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ። ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ጸሎት ብዙሕ ግዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ክጽረፉ አጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም: ኣዝየ ተሃንደድክዎም።’—ግብሪ ሃዋርያ ት 26:9-11
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እተዛረቦ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሳውል በዓል ጠርሴስ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ኣብቲ ከምዚ ዝበለሉ እዋን ሓድሽ ወደ መዝሙር ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንድሓር ተቓዋሚ ክርስትና ኣይነበረን: እኳ ድኣስ ሓደ ኻብቶም ክርስትና ዘስፍሑ ቀናኣት ሰባት ነበረ። ቅድሚኡ ግን ንክርስትያናት ከሳጕጎም ዝደረኾ ነገር እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ‘ንኽገብር ግቡኡ’ ኰይኑ እተሰምዖ ስለምንታይ ኢዩ፧ ካብቲ ታሪኹ እንማሃሮ ነገርከ ኣሎዶ፧
ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ምቕታል
ሳውል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም ቀተልቲ እስጢፋኖስ ተመዝጊቡ ይርከብ። ንእስጢፋኖስ “ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም . . . ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሀል ጐበዝ ኣንበሩ።” “ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:58፣ 8:1) ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ንኽፍጽሙ ዝደረኾም እንታይ ኢዩ፧ ንገለ ሰብ ቂልቅያ ሓዊስካ ኣይሁድ ምስ እስጢፋኖስ ተኸራኸሩ: ክረትዕዎ ግን ኣይከኣሉን። እቲ በዓል ቂልቅያ ዝነበረ ሳውል ምስኣቶም ይንበር ኣይንበር እተገልጸ ነገር የለን። ዝዀነ ዀይኑ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእስጢፋኖስ ብጸርፊ ክኸስዎ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ሓባበሉ: መንዚዖም ድማ ናብ ሳንሄድሪን ወሰድዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:9-14) እዚ ብሊቀ ኻህናት ዝምራሕ ባይቶ እዚ ከም ናይ ኣይሁድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ። ዝለዓለ ሃይማኖታዊ ስልጣን ስለ ዝነበሮ ኸኣ እቶም ኣባላቱ ነቲ ሰረተ-እምነታዊ ጽፈት ኢሎም ዝሓዝዎ ነገር ይሕልዉዎ ነበሩ። ብናቶም ኣረኣእያ እስጢፋኖስ ሞት ዝግብኦ ኢዩ ነይሩ። እስጢፋኖስ ነቲ ሕጊ ይሕልዉዎ ከም ዘይነበሩ ክነግሮም ከሎ ከም እተዳፈሮም ገይሮም ኢዮም ወሲዶምዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:53) ብዳርባ እምኒ ብምቕታል ነቲ ሕጊ ከም ዝሕልዉዎ ኣረጋገጹ!
ጳውሎስ ምስ ርእይቶኦም ምስምምዑ ምኽንያታዊ ውጽኢት ናይቲ ዝነበሮ ጽኑዕ እምነት ኢዩ። ንሱ ፈሪሳዊ ነበረ። እዚ ሓያል ጕጅለ ሃይማኖት እዚ ሕግን ባህልን ብጥብቂ ክሕሎ ይሓትት ነበረ። ክርስትና ብየሱስ ዝርከብ ሓድሽ መገዲ ድሕነት ይምህር ስለ ዝነበረ ኣንጻሮም ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ ነይሮም። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ ንመሲሕ ካብቲ ሕማቕ ኣርዑት ግዝኣት ሮሜ ናጻ ዘውጽኦም ግርማዊ ንጉስ ክኸውን ኢዮም ዝጽበይዎ ነይሮም። ነቲ ብጸርፊ ተኸሲሱ በቲ ዓቢ ሳንሄድሪን እተዀነነ: ብድሕሪኡውን ልክዕ ከም ሓደ ርጉም ገበነኛ ተቘጺሩ ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ እተሰቕለ ሰብ: መሲሕ ክኸውን ብኣተሓሳስብኦም ምሉእ ብምሉእ ጓና: ዘይቅቡል: ከምኡውን ጽዩፍ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ሕጊ ሓደ ኣብ ዕንጨይቲ ዝስቀል ሰብ “ብእግዚኣብሄር እተረግመ” ምዃኑ ይገልጽ ነበረ። (ዘዳግም 21:22, 23፣ ገላትያ 3:13) ፍሬደሪክ ኤፍ. ብሩስ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- ብናይ ሳውል ኣረኣእያ “እዘን ቃላት እዚኣተን ብንጹር ኣብ የሱስ ዝውዕላ ኢየን። የሱስ ብኣምላኽ ተረጊሙ ኢዩ ሞይቱ: ስለዚ ኸኣ ብናይ ኣይሁድ ባህሊ መሰረት በረኸት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዝምርኰሰሉ መሲሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር የሱስ እቲ መሲሕ ኢዩ ነይሩ ኢልካ ምዝራብ ንኣምላኽ ምጽራፍ ኢዩ ነይሩ፣ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ርትዓዊ ዘይኰነ ዘረባ ዝዛረቡ ሰባት ከም ንኣምላኽ ዝጻረፉ ሰባት ተቘጺሮም ክሳቐዩ ዝግባእ ነበረ።” ከምቲ ደሓር ሳውል ባዕሉ ኣፍልጦ ሂብሉ ዘሎ: እቲ ‘ክርስቶስ ተሰቒሉ’ ዝብል ሓሳባት ‘ንኣይሁድ መዐንቀፊ’ ኢዩ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 1:23
እቲ ሳውል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ዘርኣዮ መልሰ-ግብሪ ብእተኻእለ መጠን ብምሉእ ቈራጽነት ምቅዋሙ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ንምጥፋእ ጭከና እውን ከይተረፈ ክጥቀም ነበሮ። ነዚ ድማ ርግጸኛ ዀይኑ ኣምላኽ ይሰምሮ ኢዩ ዝብል እምነት ነበሮ። ሳውል ብዛዕባ እቲ ዝዀስኰሶ መንፈስ ከምዚ በለ:- “ብቕንኣት ሰጓጒ ማሕበር: ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ።” ‘ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ሰጐጕኩዋን ኣዕኖኹዋን። ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ: ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ።’—ፊልጲ 3:6፣ ገላትያ 1:13, 14
መራሒ እቲ መስጐጕቲ
ድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ: ሳውል ኣብቲ መስጐጕቲ ከም ተራ ሓጋዚ ዘይኰነስ ቀንዲ መራሒ ዀይኑ ኢዩ ተኻፊሉ። በቲ ሕማቕ ተግባሩ ኣዝዩ ዕሉል ነይሩ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ናብ ክርስትና ድሕሪ ምልዋጡ እውን ከይተረፈ ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ክሕወስ እኳ እንተ ጸዓረ: “ንሳቶም ግና: ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይአመንዎ: ኵላቶም ፈርሁ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብሓቂ ክርስትያን ከም ዝዀነ ምስ ተጋህደ: ነቶም ምልዋጡ ዝሰምዑ ደቀ መዛሙርቲ ምንጪ ሓጐስን ምስጋናን ኰይንዎም ኢዩ። ከመይሲ ሓደ ቅድም ሰጓጕ ዝነበረ ተራ ሰብ ልባዊ ለውጢ ገይሩ ጥራይ ዘይኰነስ “እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ አሎ” ተባሂሉ ክዝረብ ኢዮም ዝሰምዑ ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 9:26፣ ገላትያ 1:23, 24
ደማስቆ ካብ የሩሳሌም ገለ 220 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ነበረት: እዚ ድማ ብእግርኻ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ መዓልቲ ዝወስድ ኢዩ ነይሩ። ገና ግን: ሳውል “ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ . . . ነዲሩ” ስለ ዝነበረ: ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዝነበራ ኣብያተ-ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ሓተተ። ስለምንታይ ኢዩ ደብዳበ ዝሓተተ፧ ንዝዀነ ይኹን “በዛ መገዲ እዚኣ” ዝመላለስ ሰብ ኣኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኸምጽኦ ኢዩ ነይሩ። ስምረት ሰበ-ስልጣን ረኺቡ ስለ ዝነበረ ድማ “ነታ ማሕበር የጥፍኣ: ናብ ኣባይቲ እናአተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።” ንኻልኦት ‘ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ወቒዕዎም’ ኢዩ: ንኽቕተሉ እውን ‘ስምረቱ’ ኣርእዩ (ቃል ብቓሉ “ፍርዲ መውሃቢ እምኒ” ሒዙ) ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:3፣ 9:1, 2, 14፣ 22:5, 19፣ 26:10 NW እግረ-ጽሑፍ
ገሊኦም ምሁራት ነቲ ሳውል ኣብ እግሪ ገማልኤል ዝቐሰሞ ትምህርትን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሮ ስልጣንን ኣብ ግምት ብምእታው: ካብ ተራ ተማሃራይ ናይቲ ሕጊ: ኣብ ኣይሁድነት ክብ ዝበለ ስልጣን ኣብ ናይ ምሓዝ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ይኣምኑ። ንኣብነት ሓደ ምሁር ሳውል ኣብቲ ናይ የሩሳሌም ቤት ጸሎት መምህር ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ይህብ። ይኹን እምበር: ሳውል ኣብቲ ጕዳይ ‘ሰሚሩ’ ኢዩ ክበሃል ከሎ ከም ሓደ ኣባል ቤት ፍርዲ ድዩ ወይስ ከም ሓደ ኣብ ምቕታል ክርስትያናት ሞራላዊ ሓገዙ ዝወፈየ ሰብ: ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።a
ኣብ ብመጀመርታ ኵሎም ክርስትያናት: ኣይሁድ ወይ ኣይሁድ ጵሮሴሊት ስለ ዝነበሩ: ሳውል ክርስትና ኣብ ውሽጢ ኣይሁድ እተላዕለ ናይ ክሕደት ምንቅስቓስ ኢዩ ዝብል ምርዳእ ከም ዝነበሮ: ንሰዓብቲ ክርስትና ምቕናዕ ድማ ሓላፍነት ናይቲ ብወግዒ እተፈልጠ ኣይሁድነት ኢዩ ኢሉ ሓሲቡ ምንባሩ ርዱእ ኢዩ። ምሁር ኦርላንድ ጀይ. ሃልትግራን ከምዚ ይብል:- “እቲ ዘሳጕግ ዝነበረ ሳውል ንክርስትና እተቓወሞ ኣብ ወጻኢ ኣይሁድነት ዝርከብ ተወዳዳሪ ሃይማኖት ገይሩ ስለ ዝረኣዮ ኢዩ ክትብል ዘይመስል ኢዩ። ንሱን ካልኦትን ነቲ ናይ ክርስትና ምንቅስቓስ ገና ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ስልጣን ኣይሁድ ከም ዝነበረ ገይሮም ርእዮምዎ ክዀኑ ኣለዎም።” ሳውል ሽዑ ዝነበሮ ዕላማ ዝዀነ ይኹን ሜላ ተጠቒሙ ነቶም ነቓጻት ኣይሁድ ኣገዲዱ ሓሳቦም ከም ዝቕይሩ ብምግባር ናብቲ ቕቡል ሃይማኖት ክመልሶም ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:11) ሓደ ካብቲ ዝነበሮ ሜላ ምእሳር ኢዩ ነይሩ። ካልእ ከኣ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ምግራፍ ነበረ: እዚ ድማ ኣብቲ ብሰለስተ ፈራዶ ዝዳነ ዝዀነ ይኹን ቤት ፍርዲ ንስልጣን ራቢ ንዘይእዘዙ ዝዋሃብ ዝነበረ ልሙድ ናይ መቕጻዕቲ ሜላ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ርግጽ ኢዩ: እቲ ንሳውል ኣብ መገዲ ደማስቆ ዘጋጠሞ ናይ የሱስ ትርኢት ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ከም ዘቋርጽ ገይርዎ ኢዩ። ሳውል ብሃንደበት ካብ ሕሱም ጸላኢ ክርስትና: ናብ ሓደ ቅንኢ ዝመልኦ ተጣባቒ ክርስትና ተቐየረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ እቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ክቐትልዎ ይደልይዎ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1-23) እቲ ዘገርም ግን ሳውል ከም ክርስትያን መጠን በቲ ከም ሰጓጒ ኰይኑ ዝፈጸሞ ነገራት ይሳቐ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዓመታት ጸኒሑ “ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ” ክብል ዝኸኣለ።—2 ቈረንቶስ 11:24
ቅንኢ ኣንፈቱ ክስሕት ይኽእል ኢዩ
ሳውል ኣብቲ ናብ ክርስትና እተለወጠሉ ብዝያዳ ጳውሎስ ተባሂሉ ዝፍለጠሉ ዝነበረ እዋን “ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ: ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ: ምሕረት ረኸብኩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13) ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ኣብ ሃይማኖቱ ቅኑዕን ንጡፍን ብምዃኑ ስምረት ኣምላኽ ንኽረክብ ውሕስነት ኣይኰኖን ኢዩ። ሳውል ቀናእ ኢዩ ነይሩ: ሕልናኡ ዝበሎ ኩሉ ኸኣ ገይሩ ኢዩ። እዚ ግን ቅኑዕ ከም ዝኸውን ኣይገበሮን። እቲ ሕሰም ዝመልኦ ቅንኡ ኣንፈቱ ስሒቱ ነበረ። (ምስ ሮሜ 10:2, 3 ኣረኣእዮ።) እዚ ንሕናውን ክንሓስበሉ ዝግብኣና ጕዳይ ኢዩ።
ሎሚ ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ካባታቶም ዝደልዮ ሰናይ ግብሪ ጥራይ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። እቲ ዝደልዮ ግን እዚ ጥራይ ድዩ፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ “ንዅሉ ተዐዘብዎ: ነቲ ሰናይ ሐዝዎ” ዝብል ለበዋ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕል ጽቡቕ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) እዚ ድማ ግዜ ወሲድካ ርጡብ ፍልጠት ናይቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ምርካብን ምሉእ ብምሉእ ምስኡ ተሰማሚዕካ ምንባርን ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መርሚርና ለውጢ ክንገብር ከም ዘሎና እንተድኣ ተገንዚብና: ብእተኻእለ መጠን ውዓል ሕደር ከይበልና ለውጢ ክንገብር ይግብኣና። ምናልባት መብዛሕትና ከምቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ተጻረፍቲ: ሰጐጕቲ: ወይ ተጻረርቲ ኣይነበርናን ክንከውን ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ከም ሳውል ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእል እምነትን ርጡብ ፍልጠትን ኣጥሪና ስጕምቲ ምስ እንወስድ ጥራይ ኢዩ።—ዮሃንስ 17:3, 17
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብመሰረት እታ ታሪኽ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ግዜ የሱስ ክርስቶስ (175 ቅ.ል.ክ.–135 ዓ.ም.) እትበሃል ብኤሚል ሹረር እተዳለወት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሚሽናህ ብዛዕባ እቲ ላዕለዋይ ወይ ሰብዓን ሓደን ዝኣባላቱ ሳንሄድሪን ወይ ከኣ ብዛዕባ እተን ታሕተዎት ወይ 23 ኣባላት ዝነበርወን ሳንሄድሪናት ዝኽተሎ መስርሕ ዝገልጽ ጸብጻብ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ኣዝዩ ዝርዝር ብዝበዝሖ መገዲ ተገሊጹ ኢዩ። ናይ ሕጊ ተማሃሮ ኣብቲ ብታሕተዎት ሳንሄድሪናት ዝርአ ብሞት ዘቕጽዕ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ክካፈሉ ይኽእሉ ነበሩ: ግናኸ ነቲ ኽሱስ ዝድግፍ ድኣ እምበር ኣንጻሩ ክዛረቡ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ ነይሩ። ብሞት ዘየቕጽዕ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ክርእዩ ኸለዉ: ነቲ ኽሱስ ዝድግፍ ወይ ኣንጻሩ ክዛረቡ ይኽእሉ ነበሩ።