ኣምላኽ ናብኡ ንዝቐርብ ጸሎት ይምልሰሉ ኢዩ
ቆርኔሌዎስ ከየባተኸን ካብ ልቡን ብምጽላይ ስምረት ኣምላኽ ዝደሊ ዝነበረ ሰብኣይ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ከም ሓለቓ ሚእቲ መጠን ንስልጣኑ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ተጠቒምሉ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ ንስኡናት “ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት” ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:1, 2
ኣብቲ እዋን እቲ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኣመንቲ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ሳምራውያንን ዝቘመት ኢያ ነይራ። ቆርኔሌዎስ ሓደ ካብቶም ዘይግዙራት ኣህዛብ ኢዩ ነይሩ: ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይነበረን። እዚ ግን እቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸሎት ንኸንቱ ኢዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ንኸንቱ ኣይነበረን: የሆዋ ኣምላኽ ንቆርኔሌዎስን ነቲ ብጸሎት እተሰነየ ግብርታቱን ዕሽሽ ኣይበሎን።—ግብሪ ሃዋርያት 10:4
ቆርኔሌዎስ ብመሪሕነት መልኣኽ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክራኸብ ከኣለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:30-33) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን ካብቶም ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምዃን ተቐባልነት ክረኽቡ ዝኸኣሉ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ እቶም ቀዳሞት ኰኑ። የሆዋ ኣምላኽ ናይ ቆርኔሌዎስ ብሕታዊ ተመክሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምዝገብ ገይሩ ኢዩ። ብዘይጥርጥር ቆርኔሌዎስ ህይወቱ ምስቲ ኣምላኽ ካብ ሰባት ዝደልዮ ብቕዓታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሰማማዕ ንምግባር ብዙሕ ለውጥታት ገይሩ ክኸውን ኣለዎ። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ ዮሃንስ 17:16) ናይ ቆርኔሌዎስ ተመክሮ ነቶም ሎሚ ስምረት ኣምላኽ ዝደልዩ ዘለዉ ሰባት ሓያል ምትብባዕ ዝህቦም ክኸውን ኣለዎ። እስከ ገለ ኣብነታት ንርአ።
ዘመናዊ ኣብነታት
ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ጐርዞ ብዙሕ ምጽንናዕ ኣብ ዘድልያ ከቢድ ኵነታት ነበረት። ኣብ መበል 21 ዓመት ዕድሚኣ ኢያ ተመርዕያ: ኣደ ኽልተ ቘልዑ ድማ ኰነት። ነታ ኻልአይቲ ጓላ ውልድ ምስ ኣበለት ግን በዓል ቤታ ሞተ። ሃንደበት ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኣ ጓል ክልተ ወርሒ ህጻንን ዓመትን ዓሰርተ ወርሒ ዝገበረ ቈልዓን ሒዛ መበለት ኰይና ተረፈት። ብሓቂ ምጽንናዕ ኣብ ዘድልያ ኵነታት ኢያ ነይራ! ካበይ ኢያ ግን ምጽንናዕ ክትረክብ እትኽእል ዝነበረት፧ ሓደ ለይቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጭንቀት ኰይና “ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦ: በጃኻ ካብ ቃልካ ኣጸናንዓኒ” ብምባል ጸለየት።
ንጽባሒቱ ንግሆ ሓደ ሰብ ክበጽሓ መጸ። ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንብዙሓት ሰብ ቤት ኣብ ገዝኦም ስለ ዘይረኸቦም ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣጸጋሚ ኰይንዎ ነበረ። ደኺሙ ጥራይ ዘይኰነስ ተስፋ ቘሪጹ እውን ነበረ: ንገዝኡ ክኸይድ ድማ ኣንቀደ: ሓንቲ ገዛ ክዅሕኵሕ ግን ተደረኸ። ኣብታ ዝዃሕኵሓ ቤት ከኣ ነታ መንእሰይ መበለት ረኸባ። ናብ ቤታ ኽኣቱ ዓደመቶ እሞ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ ጽሑፍ ከኣ ተቐበለቶ። እታ ጐርዞ ነቲ ጽሑፍ ካብ ምንባብን ምስቲ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝገበረቶ ምይይጥን ብዙሕ ምጽንናዕ ረኸበት። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምዉታት ንምትንሳእ ዝኣተዎ መብጽዓን ብዛዕባ እታ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንምድሪ ገነት እትገብራ መንግስቲ ኣምላኽን ፈለጠት። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ድማ ነቲ ጸሎታ ዝመለሰላ: ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ፈለጠቶ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ጆርጅ እትነብር ኖራ: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ምስፋሕ ወንጌል ንምስታፍ ሓንቲ ወርሒ መደበት። ቅድሚ ምጅማራ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ንምርካብ የሆዋ ክሕግዛ ካብ ልቢ ጸለየት። እቲ ንኽትዓየሉ እተዋህባ ዞባ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸላ ብጽቡቕ ዘይተቐበላ ሰብ ዝርከበሉ ቦታ ኢዩ። ኖራ ግን እንደገና ብትብዓት ኣብታ ቤት ኳሕኵሐት። ኣብታ ቤት ኖሊን ዝስማ ሓዳስ ተኻራዪት ምስ ረኸበት ግን ደንጽይዋ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዘገርም ድማ ኖሊንን ኣዲኣን መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣ ኣምላኽ ክሕግዘን ይጽልያ ምንባረን ኢዩ። “ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብራ ዕድመ ምስ ኣቕረብኩለን ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢየን ኢለን” ብምባል ኖራ ትገልጽ። ኖሊንን ኣዲኣን ቅልጡፍ ዕቤት ኣርኣያ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ኣብቲ ብመንፈስ ናይ ምሕዋይ ዕዮ ምስ ኖራ ክሳተፋ ጀመራ።
ጸሎት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዘርኢ ካልእ ኣብነት ድማ እቲ ናይቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ጆሃንስበርግ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኵነታት ኢዩ። ኣብ 1996 ሓደ ቀዳም ምሸት ናይ ደነስን ካረልን ሓዳር ክብተነሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ በጽሐ። ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ግን ሓገዝ ንምርካብ ክጽልዩ ወሰኑ: ክሳዕ እዋን ዝሓልፍ ከኣ ደጋጊሞም ጸለዩ። ንጽባሒቱ ሰዓት 11:00 ናይ ንግሆ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማዕጾኦም ኳሕኵሑ። ደነስ ነቲ ማዕጾ ከፈቶ እሞ ንበዓልቲ ቤቱ ክሳዕ ዝጽውዓ ክጽበዩ ነገሮም። ሽዑ ደነስ ነቶም መሰኻኽር እንተድኣ ኣእትያቶም ዳሕራይ ንምውጽኦም ጸገም ከም ዝኸውን ንካረል ኣጠንቀቓ። ካረል ድማ ሓገዝ ንምርካብ ከም ዝጸለዩ ንደነስ ኣዘኻኸረቶ: እዚ ኸኣ ምናልባት ኣምላኽ ንጸሎቶም ዝምልሰሉ ዘሎ ኣጋጣሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ነገረቶ። እቶም መሰኻኽር ክኣትዉ ተፈቕደሎም: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ከኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ደነስን ካረልን በቲ እተማህርዎ ነገራት ኣዝዮም ተሓጐሱ። ሽዑ ድሕሪ ቐትሪ ንፈለማ ግዜኦም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ተኻፈሉ። ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንግድላት ሓዳሮም ፍታሕ ረኸብሉ። ሕጂ ተሓጒሶም ንየሆዋ ዝውድስዎ ጥሙቓት ኣገልገልቲ ብምዃን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ንብጾቶም የካፍልዎም ኣለዉ።
ንኽትጽሊ ዘይብቑዕ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካኸ፧
ገለ ቅኑዓት ሰባት ብምኽንያት እቲ ሓጥእ ኣነባብራኦም ንኽጽልዩ ዘይብቑዓት ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሓደ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዝነበሮ ንዑቕ ተጋዊ ዝገልጽ ዛንታ ነጊሩ ኢዩ። እቲ ተጋዊ ናብ ኣጸድ እቲ ቤት መቕደስ ኣትዩ ከብቅዕ ናብቲ ዝውቱር ናይ ጸሎት ቦታ ክቐርብ ግን ዘይብቑዕ ኰይኑ ተሰምዖ። “ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ: ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ: እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።” (ሉቃስ 18:13) የሱስ ከም ዝገለጾ እዚ ሰብኣይ እዚ ዘቕረቦ ጸሎት ምላሽ ረኺቡ ኢዩ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ብርግጽ ሕያዋይ ምዃኑን ብቕንዕና ንዝናስሑ ሓጥኣን ንምሕጋዝ ድሌት ከም ዘለዎን ዘረጋግጽ ኢዩ።
እስከ ንሓደ ፖል ዝስሙ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ንርአ። ንእሽቶ ወዲ ኸሎ ምስ ኣዲኡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይካፈል ነበረ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ በጽሐ ግን መገዲ ኣምላኽ ምስ ዘይስዕቡ መንእሰያት ክሓብር ጀመረ። ትምህርቲ ምስ ወድአ ኣብ ሰራዊት እቲ ዓሌታዊ ዝነበረ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸትበ። ብድሕርዚ ዓርኩ ሃንደበት ነቲ ዝነበሮም ርክብ ኣፍረሰቶ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘየዕግብ ኣነባብራ ንፖል ኣጨነቖ። ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ንየሆዋ ብቕንዕና ካብ ዘይቀርቦ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ: ሓደ ምሸት ግን ሓገዙ ክህበኒ ጸለኹ።”
ፖል ነዚ ጸሎት እዚ ካብ ዘቕርብ ነዊሕ ግዜ ከይሓለፈ: ኣዲኡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክካፈል ዓደመቶ። (ሉቃስ 22:19) ፋሉልን ብመጽሓፍ ቅዱስ ዘይግደስን ስለ ዝነበረ: እዚ ኣዲኡ ዘቕረበትሉ ዕድመ ትጽቢት ዘይገበረሉ ኢዩ ነይሩ። “ነዚ ዕድመ እዚ ከም የሆዋ ንጸሎተይ ዝሃበኒ መልሲ ገይረ ረኣኽዎ: ኣነ ብወገነይ ምላሽ ክህብ ዘሎኒ ዀይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ” ብምባል ይገልጽ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ከኣ ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈል ጀመረ። ንኣርባዕተ ወርሒ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ገበረ: ንጥምቀት ብቑዕ ኰነ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ምህንድስና ትምህርቱ ኣቋረጸ እሞ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ክሳተፍ ጀመረ። ሎሚ ፖል በቲ ዝሓለፈ ናብራ ህይወቱ ከይተጨነቐ ሕጉስ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምግልጋል ካብ ዝጅምር ከኣ 11 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።
ብርግጽ: የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎት ብሕያውነት ዝምልስን ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ዝህቦምን’ ኢዩ። (እብራውያን 11:6) ድሕሪ ሓጺር ግዜ እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ክትመጽእ ኢያ: ሽዑ ድማ ኵሉ እከይ ከብቅዕ ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን የሆዋ ነቲ ህዝቡ ኣብቲ ኣገዳሲ ዕዮ ምስክርነት ክሳተፉ ኸለዉ ብርታዐን መሪሕነትን ንኽህቦም ዘቕርብዎ ጸሎት ክምልሰሉ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ውልቀ-ሰባት ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ዝራኸቡ ይግበር ኣሎ: በቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ይባረኹ ኣለዉ።—ዮሃንስ 17:3
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
እቲ ቆርኔሌዎስ ካብ ልቢ ዘቕረቦ ጸሎት ብሃዋርያ ጴጥሮስ ንኽብጻሕ መገዲ ጸሪጉ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ጸሎት ንብዙሓት ኣብ ግዜ ጭንቀቶም ሓጊዝዎም ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽርድኣካ ሓገዝ ደሊኻ ምጽላይ ሰናይ ኢዩ
ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ምእንቲ ኽድልድለሎም ሓገዝ ደልዮም ክጽልዩ ይኽእሉ ኢዮም