ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/10 ገጽ 3-4
  • ንምልክታት ምልላይ ኣገዳሲ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምልክታት ምልላይ ኣገዳሲ እዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ምልክታት
  • እንጌራን ማይ ብሑቝን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/10 ገጽ 3-4

ንምልክታት ምልላይ ኣገዳሲ እዩ

“መጀመርያ: ኣንደርሰን ወድና ርእሱ ዝሓመመ ጥራይ እዩ መሲሉኒ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ሸውሃቱ ተዓጽወ: ከምኡውን ከቢድ ረስኒ ገበረሉ። እቲ ሕማም ርእሱ እናገደደ ብምኻዱ ኣዝየ ተሻቐልኩ። ብዓል ቤተይ ናብ ገዛ ምስ መጸ: ንኣንደርሰን ናብ ሓኪም ወሰድናዮ። ንሱ ድማ ነቲ ምልክት ሕማም ምስ ረኣየ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ሰደዶ። ኣንደርሰን ካብ ሕማም ርእሲ ዝገደደ: ሕማም ኣንቅጺ እዩ ሒዝዎ ነይሩ። ሕክምና ምስ ተገብረሉ ድማ ቀልጢፉ ሓወየ።”—ኣብ ጀርመን እትነብር ገርትሩድ እትበሃል ኣደ እተዛረበቶ።

እቲ ንገርትሩድ ዘጋጠማ ንብዙሓት ወለዲ እውን ዘጋጠመ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወለዲ ነቲ ውሉዶም ከም ዝሓመመ ዜርኢ ምልክታት የለልይዎ እዮም። ዋላኳ ዅሉ ዓይነት ሕማም ከቢድ ኣይኹን: ንምልክት ሕማም ደቆም ሸለል ኢሎም ኣይሓልፍዎን እዮም። ነቲ ምልክታት ኣለሊኻ ዜድሊ ስጕምቲ ምውሳድ: ምናልባት ኣብቲ ዅነታት ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል ይኸውን። ስለዚ እምበኣር ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።

እዚ ምስ ጥዕና ኻብ እተተሓሓዘ ጕዳያት ወጻኢ እውን ይዓዪ እዩ። እቲ ኣብ ሕዳር 2004 ኣብ ከባቢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ ሱናሚ: ነዚ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል። ኣብ ከም ኣውስትራልያን ሃዋይን ዚርከቡ መንግስታዊ ትካላት: ኣብ ደቡባዊ ሱማትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም እተላዕለን እዚ ድማ ከቢድ ጕድኣት ኬስዕብ ከም ዚኽእልን ኣቐዲሞም ፈሊጦም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ነቶም ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዝነበሩ ሰባት መጠንቀቕታ ምሃብ ኣይተኻእለን። ብሰንኪ እዚ: ካብ 220,000 ንላዕሊ ህይወት ጠፍአ።

ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ምልክታት

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሰማዕቱ ምልክታት ኣለልዮም ዜድሊ ስጕምቲ ንኺወስዱ መሃሮም። ብዛዕባ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም: ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም: ምስ መሰየ: ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ: ጻሕያ ኪኸውን እዩ: ትብሉ። ምስ ወግሔ: እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ: ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧”—ማቴዎስ 16:1-3

የሱስ “ትእምርቲ [ምልክት] ዘመናት” ብምጥቃስ: ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ሰማዕቱ ንህጹጽነት እቲ ዚነብሩሉ ዝነበረ እዋን ኪግንዘቡ ነገሮም። ከመይሲ: ንዅሎም ኣብቲ ኣገባብ ኣይሁድ ዚነብሩ ዝነበሩ ዚትንክፍ ጥፍኣት ይመጾም ነበረ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ ኻልእ ምልክት ነገሮም። እዚ ኸኣ ንህላወ የሱስ ወይ ብሓይሊ መንግስቱ ምሳና ምህላዉ ዚሕብር ምልክት ነበረ። እቲ ሽዑ ንሱ እተዛረቦ ነገራት ንዅሉ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዚነብር ዘበለ: ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ