ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/2 ገጽ 26-28
  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር
    ንቕሑ!—2015
  • ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ
    ንቕሑ!—2014
  • ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ
    ንስድራ ቤት
  • ብሓዳርኩም ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/2 ገጽ 26-28

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር

ጀኒa እትብሎ፦ ኣደ ራያን ከም ዘይትፈትወኒ ኻብ ምግላጽ ድሕር ኣይትብል እያ ነይራ። ናብ ወለደይ ክንከይድ ከለና ኸኣ፡ ንራያን ተመሳሳሊ የጋጥሞ ነይሩ። ወለደይ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከምኡ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ዝጐደሎ ተግባር ኪገብሩ ርእየዮም ኣይፈልጥን እየ! ንወለድና ኽንበጽሕ ከለና፡ ከቢድ ፈተና እዩ ዚዀነና ነይሩ።

ራያን ዚብሎ፦ ኣደይ ንደቃ ዚበቅዕ ሰብ ዘሎ ኣይመስላን እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ንጀኒ ጕድለት ክትኣርየላ ጀመረት። ወለዲ ጀኒ እውን ንዓይ ከምኡ እዮም ገይሮምኒ፣ ወትሩ ይነቕፉኒ እዮም ነይሮም። ከምዚ ምስ ኣጋጠመና፡ ኣነን ጀኒን ንወለድና ንጣበቐሎምን ንሓድሕድና ንነቓቐፍን ብምንባርና ጸገም ኣምጸኣልና።

ምስ እንዳ ኣሕሙ ዚፍጠር ግጭት ንመስሓቄን ጽቡቕ ዛዕባ ዚዀነሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ግን መስሓቒ ኣይኰነን። ሪና እትበሃል ኣብ ህንዲ እትነብር ሰበይቲ፡ “ሓማተይ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሓዳረይ ጣልቃ ኣትያ እያ” ድሕሪ ምባል፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሰብኣየይ እየ ተሃነይ ዘውጽኣሉ ነይረ፣ ከመይሲ፡ ንኣዲኡ ኸምኡ ኽገብራ ኣይክልእን እየ። ካብ መንጎ ንፉዕ ሰብኣይን ንፉዕ ውሉድን ሓዲኡ ኺመርጽ ወትሩ ይቕርቀር እዩ ነይሩ” በለት።

ገሊኦም እንዳ ኣሕሙ ኣብ ህይወት እተመርዓዉ ደቆም ጣልቃ ዚኣትዉ ስለምንታይ እዮም፧ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ጀኒ፡ ከምዚ ዚዀነሉ ሓደ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “ሓደ ብዕድመ ንእሽቶን ተመክሮ ዘይብሉን ሰብ ንወዶም ወይ ንጓሎም ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ምቕባል የጸግሞም ይኸውን” በለት። ዲሊፕ ዝስሙ ሰብኣይ ሪና ከኣ፡ “ንውሉዶም መስዋእቲ ዝኸፈሉን ዝሓብሓቡን ወለዲ፡ ከም እተጐስዩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ” ብምባል ካልእ ምኽንያት ሓቢሩ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ወዶም ወይ ጓሎም ጽቡቕ ሓዳር ንምግባር ዜኽእል ጥበብ ከም ዚጐድሎ ወይ ከም ዚጐድላ እውን ኬተሓሳስቦም ይኽእል እዩ” በለ።

ከም ሓቂ እኳ፡ ሓድሓደ ግዜ እንዳ ኣሕሙ ጣልቃ ንኺኣትዉ ይጽውዑ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብሩ ማይክልን ሊያንን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር እስከ ንውሰድ። ማይክል ከምዚ በለ፦ “ስድራ ሊያን ኣጸቢቖም ዚቀራረቡን ንጕዳያቶም ብግልጺ ዚዛረቡን እዮም። ስለዚ፡ ምስ ተመርዓና፡ ኣነን ንሳን ክንገብሮ ዜድሊ ውሳነታት፡ ንኣቦኣ ተማኽሮ ነበረት። ኣቦኣ ብዙሕ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ክንዲ ናባይ እትመጽእ ናብኡ ምኻዳ ጐድኣኒ!”

ምስ እንዳ ኣሕሙ ዚለዓል ጕዳይ፡ ኣብ ሓዳር ውጥረት ኬስፍን ከም ዚኽእል ንጹር እዩ። ንዓኻኸ ኸምኡ ኣጋጢሙካዶ፧ ምስ እንዳ ኣሕሙኻ ብኸመይ ክትሳነ ትኽእል፧ መጻምድትኻኸ ብኸመይ ከምኡ ኺገብር ይኽእል፧ ክልተ ኺለዓል ዚኽእል ብድሆታት ድሕሪ ምርኣይና፡ ብዛዕባኡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ንርአ።

ብድሆ 1፦ መጻምድትኻ ናብ ወለዱ እምብዛ ጥብቕ ዝበለ ዀይኑ ይስምዓካ። ኣብ ስጳኛ ዚነብር ሉዊስ ዚበሃል ሰብኣይ፡ “ሰበይተይ ጥቓ ወለዳ እንተ ዘይነቢርና፡ ከም ዝጠለመቶም ኰይኑ ተሰምዓ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ወድና ምስ ተወልደ፡ ወለደይ ዳርጋ መዓልታዊ ኺበጽሑና ይመጹ ብምንባሮም፡ ንሰበይተይ ውጥረት በዝሓ። እዚ ብዙሕ ግዜ የጋጭወና ነይሩ” በለ።

እቲ ቐንዲ ጕዳይ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንመውስቦ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:24) “ሓደ ስጋ” ምዃን ኪበሃል ከሎ፡ ብሓባር ካብ ምንባር ንላዕሊ እዩ ዜመልክት። ከም ሓቂ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብቲ ዝዓበዩሉ ስድራ ቤታት ንላዕሊ ቐዳምነት ዚወሃቦ ሓድሽ ስድራ ቤት የቝሙ ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ልክዕ እዩ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንወለዶም ኬኽብሩ ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ቘላሕታ ምግባር እውን የጠቓልል። (ኤፌሶን 6:2) ኰይኑ ግን፡ ብሰንኪ እቲ መጻምድትኻ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዚስከመሉ መገዲ፡ ከም እተጐሰኻ ወይ ዕሽሽ ከም እተበሃልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገር፦ ነቲ ዅነታት ብምምዝዛን ርኣዮ። ብሓቂዶ መጻምድትኻ ናብ ወለዱ እምብዛ ጥብቕ እዩ ዚብል፡ ወይስ ንስኻ ምስ ወለድኻ ተመሳሳሊ ርክብ እዩ ዘይብልካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣተዓባብያኻ ኣብ ኣረኣእያኻ እንታይ ጽልዋ እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧ ምናልባትዶ ቝሩብ ቀኒእካ ትኸውን፧—ምሳሌ 14:30፣ 1 ቈረንቶስ 13:4፣ ገላትያ 5:26።

ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ብቕንዕና ርእስኻ ኽትምርምር ዜድልየካ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባርካ ግን ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ምስ እንዳ ኣሕሙኻ ዘሎካ ርክብ ኣብ ሓዳርካ ቐጻሊ ግጭት ዜበግስ እንተ ዀይኑ፡ ከም ሓቂ ኣብ እንዳ ኣሕሙኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓዳርካ እዩ ጸገም ዘሎካ።

ንሓያሎ ኻብቲ ኣብ ሓዳር ዚለዓል ጸገማት ጠንቂ ዚኸውን ነገር፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰብ ሓዳር እተፈላለየ ኣረኣእያ ምህላዉ እዩ። እሞኸ ንኣረኣእያ መጻምድትኻ ኣብ ግምት ከተእቱዶ ትኽእል፧ (ፊልጲ 2:4፣ 4:5) ኣብ መክሲኮ ዚነብር ኣድሪያን ዝስሙ ሰብኣይ ከምኡ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ሰበይተይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ዘለዎም ስድራ ቤት እያ ዓብያ፣ ስለዚ ድማ ምስ እንዳ ኣሕሙአይ ብዙሕ ከይቀራረብ ወሰንኩ። በብቝሩብ፡ ምስኦም ዝነበረኒ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንዓመታት ኣቋረጽክዎ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ግጭት ፈጠረ፣ ከመይሲ፡ ሰበይተይ ምስ ስድራኣ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ኣዲኣ፡ ክትቀራረብ ትደሊ ነበረት።”

ድሕሪ ግዜ፡ ኣድሪያን ነቲ ጕዳይ ብሚዛናዊ መገዲ ሓዞ። ኣድሪያን፡ “ሰበይተይ ምስ ወለዳ ብዙሕ ክትቀራረብ ከላ፡ ኣብ ስምዒታ ኣሉታዊ ጽልዋ ኸም ዚገብሩላ እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ፈጺማ ዘይምቅርራባ ግን ናብ ጸገማት ከም ዚመርሕ ተገንዘብኩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብእተኻእለ መጠን ምስ እንዳ ኣሕሙአይ ከም ቀደመይ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወኒ ጸዓርኩ” በለ።b

ነዚ ፈትኖ፦ ንስኻን መጻምድትኻን፡ ንእንዳ ኣሕሙኹም ብዚምልከት ብቐዳምነት ዜተሓሳስበኩም ነገራት በብውልቅኹም ጽሓፉ። እንተ ተኻኢሉ፡ “ንዓይ ከምዝን ከምትን ይስምዓኒ” ዚብል ቃላት ተጠቐሙ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ወረቓቕቲ ተቐያየሩ። ብሓባር ኴንኩም፡ ነቲ ንነፍሲ ወከፍኩም ዜተሓሳስብ ነገራት እትፈትሑሉ መገድታት ኣናድዩ።

ብድሆ 2፦ እንዳ ኣሕሙኻ ኸይሓተትካዮም ምኽሪ ብምሃብ፡ ብቐጻሊ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ይኣትዉ። ነልያ ዝስማ ኣብ ካዛክስታን እትነብር ሰበይቲ፡ “ነተን ቀዳሞት ሸውዓት ዓመት ሓዳርና፡ ምስ ስድራ ሰብኣየይ ኢና ኣሕሊፍናየን” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ብዛዕባ ኣተዓባብያ ደቅና ዀነ ብዛዕባ ኣከሻሽናይን ኣጸራርያይን ብቐጻሊ ነገር ይለዓል ነበረ። ብዛዕባ ሓማተይ ንሰብኣየይ እኳ እንተ ነገርክዎ፡ እዚ ናብ ዝገደደ ግጭት ጥራይ እዩ መሪሑና” በለት።

እቲ ቐንዲ ጕዳይ፦ ምስ ተመርዓኻ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ወለድኻ ኣይኰንካን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ” እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ይኹን እምበር፡ ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንወለዶም ኬኽብሩ ኣለዎም። ምሳሌ 23:22፡ “ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ” ትብለና። ኰይኑ ግን፡ ወለድኻ ወይ እንዳ ኣሕሙኻ ዶብ ሰጊሮም፡ ኣረኣእያኦም ኪጽዕኑኻ እንተ ፈተኑኸ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገር፦ ነቲ ጣልቃ ኸም ዝኣተዉ ጌርካ ዝረኣኻዮ ተግባር፡ ኣብ ቦታኦም ኴንካ ብምሕሳብ ክትርድኣሎም ፈትን። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ራያን፡ “ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ወለዲ ኣብ ህይወት ደቆም ሕጂ እውን ኣገደስቲ ምዃኖም ኪፈልጡ የድልዮም እዩ” በለ። ከይተፈለጦም ጣልቃ ኺኣትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ከምኡ ኼጋጥም ከሎ ኸኣ፡ ነቲ፡ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። (ቈሎሴ 3:13) ኰይኑ ግን፡ እንዳ ኣሕሙኻ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ብምእታው ዚገብርዎ ተግባር፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ግጭት ዚፈጥር እንተ ዀይኑኸ፧

ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ወለዶምን ግቡእ ዶብ ምግባር ከም ዜድሊ ኣስተውዒሎም እዮም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ሕግታት ከተውጽኣሎም ማለት ኣይኰነን።c መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብተግባራትና ኣቢልና፡ መጻምድትና ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ከም ዘለዎ ንጹር ክንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ጃፓን ዚነብር ማሳዩኪ ዚበሃል ሰብኣይ፡ “ወለዲ ርእይቶኦም እኳ እንተ ገለጹ፡ ብኡንብኡ ኸም እተሰማማዕካ ኣይትግለጸሎም። ሓድሽ ስድራ ቤት ትሃንጽ ከም ዘለኻ ዘክር። ስለዚ፡ ፈለማ መጻምድትኻ ብዛዕባ እቲ ምኽሪ ኸመይ ከም ዚስምዖ ፍለጥ” በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ እቲ ወለድኹም ጣልቃ ብምእታው ዚገብርዎ ተግባር ኣብ ሓዳርኩም ብኸመይ ግጭት ይፈጥር ከም ዘሎ፡ ምስ መጻምድትኻ ተመያየጡ። ብሓባር ኴንኩም፡ እንታይ ዶብ ክትገብሩሎም ከም እትኽእሉ፡ ንዓታቶም ዘሎኩም ኣኽብሮት ከይነከኹም ከኣ ብኸመይ ዶቦም ከም ዚሕልዉ ኽትገብሩ ኸም እትኽእሉ ጽሓፉ።

ሓያሎ ኻብቲ ምስ እንዳ ኣሕሙ ዚለዓል ግጭታት፡ ንውሽጣዊ ድራኸኦም ብምስትውዓልን እዚ ግጭታት እዚ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ባእሲ ንኸየላዕል ብምቍጽጻርን ኪፍታሕ ይከኣል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጀኒ ኸምዚ ኢላ ተኣመነት፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ሰብኣየይ ብዛዕባ ወለድና እንገብሮ ምይይጥ ካብ ስምዒታውነት እተላዕለ እዩ፣ ብዛዕባ ዘይፍጽምና እቶም ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘለዉ ወለዲ ብምዝራብ፡ ብዙሕ ስቓይ ከነምጽእ ከም እንኽእል እውን ንጹር ኰነ። ኣብ መወዳእታኡ ግን፡ ዘይፍጽምና እንዳ ኣሕሙና ኸም በትሪ ጌርና ምጥቃም ሓዲግና፡ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ጻዕሪ ኽንገብር ጀመርና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ዝያዳ ተቐራረብና።”

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ወለዲ ኣቕሊልካ ዘይርአ ሕማቕ ተግባር ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ብፍላይ ከኣ እዚ ቐጻሊ እንተ ዀይኑ፡ ብተግባሮም እውን ዘይንስሑ እንተ ዀይኖም፡ ምስ ስድራ ቤት ዚህሉ ርክብ ኣጸቢቑ ኺሕርፍፍን ድሩት ኪኸውንን ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 5:11።

c ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ እንዳ ኣሕሙኻ ኽትላዘብ የድልየካ ይኸውን። ከምኡ ምግባር ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ብኣኽብሮትን ብልእመትን ኣዘራርቦም።—ምሳሌ 15:1፣ ኤፌሶን 4:2፣ ቈሎሴ 3:12።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

▪ እንዳ ኣሕሙአይ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዘለዎም፧

▪ ንመጻምድተይ ከይጐሰኹ፡ ንወለደይ ብኸመይ ከኽብሮም እኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ