ትሕዝቶ
15 ግንቦት 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
2-8 ሓምለ 2012
ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ብሓቂ ተማስወሉ ዲኻ፧
9-15 ሓምለ 2012
ኣብ ሓዳርካ ጸገም እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
16-22 ሓምለ 2012
ኣብቲ ኣምላኽ “ዘመናትን ወርሓትን” ዝዀነ የሆዋ ተወከል
23-29 ሓምለ 2012
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 3-12
እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ነቲ የሆዋ ንመውስቦ ብዚምልከት ዚህቦ ምኽሪ ኽንትግብሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ምዃኑ ይገልጻ። ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ዘሎና ሞሳ ኸም ዚውስኽ እውን ይገብራ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሓዳር ጸገም እናሃለወ ኽነሱ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ ኣብ ሓዳር ሓጐስ ከም ዜስፍንን ይሕብራ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 17-21
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ዜርኢ መገድታት ክትምርምር እያ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብኡን ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ዘላትና እምነት ኬደልድላ እዩ። ነቲ የሆዋ ዚገብረልና ምድሓን ብተኣማንነት እናተጸበና፡ ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ንዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬደልድሎ እዩ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 23-27
ንኣምላኽ ነፍቅሮ እኳ እንተ ዀንና፡ ፍጹማት ኣይኰንናን። ክብሪ የሆዋ ናይ ምንጽብራቕ ድሌት ግና ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ። ንኣምላኽ ንኽንመስሎን ንኸነሐጕሶን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽትሕብር እያ። (ኤፌ. 5:1) ወትሩ ንኣምላኽ ከነኽብሮ እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ እውን ክትገልጽ እያ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
13 ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ለባማት ኣሕዋት እቀራረብ ነበርኩ
28 ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ርእስኹም ሓልዉ’
31 ካብ መዛግብትና
ገበር፦ ኣብ ቱሉዝ፡ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ደው መበሊ ዓበይቲ ማካይን፡ ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓደ መራሕ ማኪና ኺምስክሩሉ ኸለዉ። በብመዓልቲ ልዕሊ 1,800 ዝዀና ዓበይቲ ማካይን በዛ ኸተማ እዚኣ ይሓልፋ
ፈረንሳ
ብዝሒ ህዝቢ
63,787,000
ኣስፋሕቲ
122,433
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ወሰኽ ቍጽሪ ፈለምቲ
296 percent