ካቨርድን ፈለማ እተሓትመ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛን
እቲ ፈለማ እተሓትመ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ፡ ብመን ከም እተተርጐመ ኣይሕብርን እዩ ነይሩ። ስም ተርጓሚኡ፡ ሚልዝ ካቨርድ እዩ፣ እቲ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብ1535 እዩ ወጺኡ። ሽዑ እቲ ንካቨርድ ፈታዊኡ ዝነበረ ዊልያም ቲንደል፡ ብምኽንያት እቲ ምስ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዘ ዕዮኡ ተኣሲሩ ነበረ። ንዓመታኡ ኸኣ ተቐትለ።
ገሊኡ ኽፋል እቲ ካቨርድ ዘዳለዎ ትርጕም፡ ኣብቲ ቲንደል ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናተቐትሉ ኽነሶም፡ ካቨርድ ነቲ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኬሕትሞን ካብ መቕተልቲ ኼምልጥን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መወዳእታኡኸ እንታይ እዩ ዓሚሙ፧
ዘርኢ ተዘርአ
ሚልዝ ካቨርድ ብ1488 ኣብ ዮርክሺር፡ ዓዲ እንግሊዝ እዩ ተወሊዱ ኪኸውን ዘለዎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ምስ ተማህረ፡ ብ1514 ናይ ሮማ ካቶሊክ ካህን ኰነ። እቲ መምህሩ ዝነበረ ሮበርት ባርንዝ ስለ ዘተባብዖ ድማ፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንምሕዳስ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ንጥፈታት ኪካፈል ጀመረ። ባርንዝ ብ1528 ካብ ዓዲ እንግሊዝ ሃደመ። ድሕሪ 12 ዓመት ድማ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኸም ዚቃጸል ተገብረ።
ብ1528 ካቨርድ፡ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እትገብሮ ዝነበረት ከም ኣምልኾ ጣኦትን ኑዛዜን ቅዳሰን ዝኣመሰለ ዘይቕዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት ጌጋ ምዃኑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪሰብኽ ጀመረ። ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣተወት ግና፡ ንሸውዓተ ዓመት ናብ ካልእ ቦታ ሃደመ።
ኣብ ሃምበርግ፡ ጀርመን፡ ካቨርድ ምስ ዊልያም ቲንደል ይቕመጥ ነበረ። ክልቲኦም ንሰባት ዚርድኦም መጽሓፍ ቅዱስ ኬዳልዉ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ብሓባር ኰይኖም ኪዓይዩ ጀመሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ፡ ካቨርድ ካብ ቲንደል ብዛዕባ ኣተራጕማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተማህረ።
ግዜ ለውጢ
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ዅነታት ይቀያየር ነበረ። ብ1534 ንጉስ ሄንሪ ሻምናይ ንስልጣን እቲ ኣብ ሮም ዝነበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊክ ነጸጎ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዝኛ ኺዳሎ ዝቐረበ ሓሳብ ከኣ ተቐበሎ። ድሕሪ ግዜ፡ ካቨርድ ነቲ ዕዮ ጀመሮ። ኣብ ዕዮ ትርጕም ንሓሳባት ብእንግሊዝኛ ምግላጽ ዘይከብዶ እኳ እንተ ነበረ፡ ከምቲ ፈታዊኡን መምህሩን ዝነበረ ቲንደል ግና፡ እብራይስጥን ግሪኽኛን ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ነቲ ብላቲንን ብጀርመንኛን እተዳለወ ሕታማት ተጠቒሙ ድማ፡ ነቲ ቲንደል ዘዳለዎ ትርጕም ኣመሓየሾ።
ካቨርድ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1535፡ ማለት ካብታ ቲንደል እተቐትለላ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ ኤውሮጳ ተሓትመ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንንጉስ ሄንሪ እተወፈየ ምዃኑ ዚገልጽ ናይ ኣኽብሮት፡ ብእተወሰነ ኸኣ ናይ ሻሕራ መግለጺ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ካቨርድ ንሄንሪ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቲንደል ኣእትይዎ ዝነበረ ንዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዚነቅፍ ኣከራኻሪ እግረ ጽሑፋት ከም ዘየጠቓልል ኣረጋገጸሉ። በዚ ኸምዚ፡ ሄንሪ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕተም ፈቐደ። እዚ ዅሉ፡ ኵነታት ከም እተቐየረ ዚሕብር እዩ ነይሩ።
ብ1537 እቲ ካቨርድ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኽልተ ሕታም ተዳልዩ እንደገና ወጸ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ተሓትመ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ነቲ ቲንደልን ካቨርድን ዘዳለውዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል፡ ብፍቓድ ንጉስ ሄንሪ ድማ ኣብ ኣንትወርፕ (ሎሚ በልጅዩም) እተሓትመ “መጽሓፍ ቅዱስ ማቴዎስ” ዚብሃል ትርጕም ወጸ።
እቲ ቐንዲ ኣማኻሪ ንጉስ ሄንሪ ዝነበረ ቶማስ ክሮምወል፡ በቲ ሊቃነ ጳጳሳት ካንተርበሪ ዝነበረ ክራንመር ስለ እተደፋፍአ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ማቴዎስ ኪመሓየሽ ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቶማስ ክሮምወል ንካቨርድ፡ ነቲ እተዛዘመ ኢደ ጽሑፍ እንደገና ኼመሓይሾ ሓተቶ። ንጉስ ሄንሪ፡ እቲ ሓድሽ ሕታም ብ1539 ኪዳሎ ፍቓድ ሃበ፣ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኼንብቦ ድማ፡ ቅዳሓት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኪቕመጥ ኣዘዘ፣ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምኽንያት ግዝፉ፡ ዓብዪ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ተጸውዐ። ብምሉኦም ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓጐስ ተቐበልዎ።
ካቨርድ ዝሓደጎ ውርሻ
ሄንሪ ሻምናይ ምስ ሞተን ኤድዋርድ ሻድሻይ ምስ ተክኦን፡ ካቨርድ ብ1551 ኣቡን ኤክሲተር ኰይኑ ተሸመ። ይኹን እምበር፡ እታ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ዝነበረት ንግስቲ ሜሪ ብ1553 ንኤድዋርድ ምስ ተክኣቶ፡ ካቨርድ ናብ ዴንማርክ ኪሃድም ተገድደ። ጸኒሑ ናብ ስዊዘርላንድ ብምግዓዝ ድማ፡ ኣብኡ ዀይኑ ዕዮኡ ቐጸለ። ንኻህናት ኣብ መጽናዕቶም ምእንቲ ኺሕግዞም ከኣ፡ ናይ ላቲን ጽሑፍ ዝሓዘ ሰለስተ ሕታማት እቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዝኛ ኣሕተመ።
እቲ ዜገርም፡ ካቨርድ ነቲ “የሆዋ” ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብቲ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየእተዎን። ቲንደል ኣብቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንስም ኣምላኽ ልዕሊ 20 ሳዕ ጠቒስዎ ነበረ። ጄምስ ፍረደሪክ ሞዝሊ ኣብታ ካቨርድ ኤንድ ሂዝ ባይብልስ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ብ1535 ካቨርድ ነቲ [የሆዋ] ዚብል ቃል ምሉእ ብምሉእ ነጸጎ” በለ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ዓብዪ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ሰለስተ ሳዕ ጠቒስዎ እዩ።
ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ካቨርድ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ፡ እተን ንመለኮታዊ ስም ዜቝማ ቴትራግራማተን ዚብሃላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ይርኣያ ነበራ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ካቨርድ፡ ኣብቲ ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ፡ ቴትራግራማተን ዘለዎ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ ዀነ። ብዘይካዚ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብምሉኡ ኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ፡ ኣብ መንጎ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘይኰነስ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ እተኣከበሉ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ።
ሓያሎ ኻብቲ ካቨርድ እተጠቕመሉ ቓላት፡ ብኻልኦት ተርጐምቲ እውን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። ነቲ ኣብ መዝሙር 23፡ ፍቕዲ 4 ዚርከብ “ብርባርባ ድነ ሞት” ዚብል ሓረግ ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ፕሮፌሰር ኤስ. ግሪንስላድ ብዛዕባ እታ ኣብ ፍቕዲ 6 ዘላ “ምሕረት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ግናኸ ብእብራይስጢ ንዓማቚ ፍቕርን ንተኣማንነትን እተጠቓልል ቃል ኪገልጽ ከሎ፡ “ነታ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ ኻብታ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ እትፈሊ ፍልይቲ ቓል እያ” በለ።
ዘ ባይብልስ ኦቭ ኢንግላንድ ብዛዕባ እቲ ካቨርድ ዘዳለዎ ዓብዪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ካብቲ ቲንደል ንሓድሽ ኪዳን ኪትርጕም ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ . . . ናይ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ መዛዘሚ እዩ” በለ። ሽዑ ዝነበሩ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ብቛንቋኦም መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ዝኸኣሉ፡ ሳላ እቲ ካቨርድ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ጸጋም፡ ኣብቲ ናይ 1537 ሕታም ኣብ ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ ዚርከብ ቴትራግራማተን
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
From the book Our English Bible: Its Translations and Translators
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
Photo source: From The Holy Scriptures of the Olde and Newe Testamente With the Apocripha by Myles Coverdale