ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ጥሪ ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ባርዕ! ኣየናይ መጥፍኢ ሓዊ ኢኻ ኽትጥቀም ዘሎካ፧
    ንቕሑ!—2001
  • እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ናይ እምነት ፈተና
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ይፍትን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ጥሪ ገጽ 32
ይስሃቅ ዕንጨይቲ ተሰኪሙ፡ ኣብርሃም ከኣ ጓህሪ ዝሓዘ ቍራዕ ሒዙ

ትፈልጥዶ፧

ጥንቲ፡ ሓዊ ብኸመይ እዩ ዚጐዓዓዝ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት 22:6፡ ኣብርሃም ኣብ ርሑቕ ቦታ ኸይዱ መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርብ ብኸመይ ከም እተዳለወ ይገልጸልና እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ኣብርሃም ድማ ነቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕንጨይቲ ወሲዱ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ። ሓውን ካራን ከኣ ብኣእዳዉ ወሰደ፣ ክልቲኦም ድማ ብሓባር ከዱ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ሓዊ ንምንኻስ እንታይ ሜላ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ኣይገልጽን እዩ። ብዛዕባ እቲ ሕቶ ዜበግስ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ወሃብ ርእይቶ ኸም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ኣብርሃምን ይስሃቅን ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞ፡ ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኺዕቀብ ዘይከኣል እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ጥቕሲ ተሓቢሩ ዘሎ ሓዊ፡ ሓዊ ንምንኻስ ዚሕግዝ መሳርሒ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

ገሊኦም ከኣ፡ ጥንቲ ሓዊ ኸተናኽስ ቀሊል ነገር ከም ዘይነበረ ይገልጹ። ሰባት ባዕሎም ሓዊ ኻብ ዜናኽሱ፡ እንተ ረኺቦም ካብ ጐረባብቶም ጓህሪ ብምልማን እዮም ኬናኽሱ ዚቐልሎም ነይሩ። ሓያሎ ምሁራት ከኣ እቲ ኣብርሃም እተሰከሞ ነገር ጓህሪ ዝሓዘ ኣቕሓ መሬት፡ ምናልባት እውን ቍራዕ ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። እዚ ኸኣ ኣብ ድሮ እታ ኣብርሃም ምስ ወዱ ይስሃቅ እተበገሰላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ካብ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሓዊ እተወስደ ጓህሪ ኸም ዝዀነ እዩ ዚእመነሉ። (ኢሳ. 30:14) በዚ ኸምዚ ዚጐዓዓዝ ጓህሪ፡ ኣብ ግዜ መገሻ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን፡ ከም ቀሸም ዝኣመሰለ ዕንጨይቲ ተጠቒምካ ብቐሊሉ ኸተናኽሶ ይከኣል ነበረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ