መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
10 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
20 ደቒቕ:- ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2007 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11-13 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ብኸመይ ከም ዚጠቐሞምን ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲሮም ንኺእከቡ ዝሰገርዎ ጸገማትን ኬዘንትዉ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ኽንህቦ ንኽእል ኢና።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 8 (53)
17 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 23 (200)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ሰማዕቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ነተን ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ለካቲት ንቕሑ! ኪማልኡወንን ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ ተጠቒሞም ብኸመይ ከም ዚዕድልወን ንምምይያጥ ተዳልዮም ኪመጹን ኣዘኻኽሮም። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዚቐርብ። ንብምልእታ እታ ዓንቀጽ ኣንቢብካ ተመያየጠላ።
20 ደቒቕ:- “ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧” ሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ንሓደ ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከበ ጋሻ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅድስ ከም እተጀምሮ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 20 (93)
24 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 5 (46)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ።
15 ደቒቕ:- እዋናዊ መጽሔታት ክትዕድል ተዳሎ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንናይ ለካቲት ንቕሑ! ዚምልከት ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነንን ስለምንታይን ሕተቶም። ሰማዕቲ ኣብተን ኪዕድልወን ዝመደቡ ዓንቀጻት ዚርከብ ፍሉይ ነጥብታት ኪጠቕሱ ዓድሞም። ዝርርብ ንምጅማር እንታይ ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ፧ ድሕሪኡ ኻብታ ዓንቀጽ ኣየነይቲ ጥቕሲ ኸተንብቡሎም ትኽእሉ፧ ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- ሰናይ ኢና እነበስር። ሓደ ሽማግለ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-19 ሕጡብ ጽሑፍ 10-14 ተመርኲሱ መደረ የቕርብ። ሰማዕቲ: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜኦም ምስ ሰምዑ ብኸመይ ከም ዜጸናንዖምን ተስፋ ኸም ዚሃቦምን ኬዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 4 (43)
31 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 9 (37)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መጋቢት ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።
20 ደቒቕ:- ንዓመት መጽሓፍ 2008 ብዚግባእ ተጠቐመላ። መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነታ ኣብ ገጽ 3 እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ “ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ” ተመያየጠላ። ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ብፍላይ ንዕኦም ዜተባብዕ ኰይኑ ዝረኸብዎ ኣብታ ዓመት መጽሓፍ ዚርከብ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም። ዓመት መጽሓፍ ምንባብ ብኸመይ ኣብቲ ናይ ብሕቶም መደብ መጽናዕቲ ኸም ዜእትውዎ ሓሳባት ዚህቡ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣቐዲምካ ኣዳሉ። ኵሎም ነታ መጽሓፍ ኬንብቡዋ ብምትብባዕ ዛዝም።
15 ደቒቕ:- “ኣብ ኣገልግሎት ንሓድሕድና ንተሃናነጽ።”
መዝሙር 13 (124)
7 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- ስለምንታይ ከይትጥመቕ እትደናጐ፧ ሓደ ሽማግለ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-30 ሕጡብ ጽሑፍ 14-17 ተመርኲሱ መደረ የቕርብ። ኰተቴታት ከለዉ ንእተጠመቑ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ሕጽር ዝበለ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኪወስድዎ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ጥምቀቶም ዕቝባ ዚዀኖም መንፈሳዊ ብስለት ኬማዕብሉ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧
15 ደቒቕ:- ቀጥታዊ ኣቀራርባ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ገጽ 6 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተመያየጠሉ: በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ብኸመይ ከተመዓራርዮ ኸም እትኽእል እውን ተመያየጠሉ። ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ኣቕርብ። ሰማዕቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ኣብ ዚገብርዎ ኣገልግሎት: ቀጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒሞም እንተ ወሓደ ሓንሳእ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ኺፍትኑ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 11 (85)