7 ሰነ እትጅምር ሰሙን
7 ሰነ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ሳሙኤል 19-21
ቍ. 1፦ 2 ሳሙኤል 19:11-23
ቍ. 2፦ td 27ለ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ህይወት ንምርካብ ምትንሳእ
ቍ. 3፦ ሰይጣን ንሰባት፡ ሓቂ ኸይበርሃሎም ዜዑረሉ መገድታት (2 ቈረ. 4:4)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ንኻልኦት ብዚርድኦም መገዲ ስበኽ። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብቲ ኣብ ገጽ 226-229 ዚርከብ ትምህርቲ ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት—ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዘለዎ ኽልታት ምዕያይ። ኣብ መጽሓፍ እተወደቡ፡ ኣብቲ ኻብ ገጽ 107፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2-3፡ ዘሎ ትምህርቲ ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንሓላው ኣገልግሎት ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ። ኣብቲ ኽሊ ዚዓያ ብቛንቋ ወጻኢ ዚጥቀማ ጉባኤታት ኣለዋዶ፧ ዘየድሊ ምድግጋም ኣወጊድካ ንዅሉ ሰብ ንምምስካር፡ ምስዘን ጉባኤታት እዚኣተን ብምትሕብባር እተገብረ መሰናድዎ ኣሎዶ፧