መደብ 25 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
25 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 79-86 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መዝሙር 84:1–85:7 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ዘለዎም ሓላፍነት—td 4ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኵሎም ኣጋንንቲ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዚኣምኑሉ ምኽንያት—ያእ. 2:19 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ፡ ሓንቲ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለወካ ክነሱ፡ ምስባኽ። ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2011 (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 64 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ኸምኡውን ገጽ 69 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ ብዛዕባ እቲ ዜመሓላልፎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
20 ደቒቕ፦ “ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ዚስሕባ መጽሔታት።” ሕቶታትን መልስታትን። ሕጡብ ጽሑፍ 2 ምስ ተመያየጥኩም፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ እታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸት መጽሔት ንቕሑ! ተመያየጡ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነዛ መጽሔት እዚኣ ንምዕዳል ኪጥቀሙሉ ብዛዕባ ዚኽእሉ እተፈላለየ ሕቶታትን ጥቕስታትን ኪገልጹ ዓድሞም፣ እታ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ድማ ኣቕርብ። ሕጡብ ጽሑፍ 3 ምስ ተመያየጥኩም እውን፡ ነታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብተመሳሳሊ መገዲ ተመያየጡላ።
መዝሙር 55ን ጸሎትን