ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ዚስሕባ መጽሔታት
1. እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዚመስሎ ብኸመይ እዩ፧
1 ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅላቶም” ምእንቲ ኺረብሕ ኢሉ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዜቕርበሉ መገዲ ዚቐያይር ዝነበረ፡ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ እውን እተፈላለየ ድሕረ ባይታን እምነታትን ንዘለዎም ሰባት ንኺረብሕ ኢሉ ንመጽሔታትና ይጥቀመሉ እዩ። (1 ቈረ. 9:22, 23) ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ብዚግባእ ምእንቲ ኽንጥቀመለን፡ እዘን መጽሔታት እዚኣተን ንመን ተባሂሉ ኸም እተዳለወ ኽንርስዕ የብልናን።
2. መጽሔት ንቕሑ! ንመን ተባሂላ እያ እትዳሎ፧
2 ንቕሑ!፦ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ከምቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሰበኸሎም “ሰብ ኣቴና” ንዝኣመሰሉ ሰባት ተባሂላ እያ እትዳሎ። (ግብ. 17:22) እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብዛዕባ ክርስትና ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም፣ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ብዙሕ ምርዳእ ኣይነበሮምን። መጽሔት ንቕሑ! እውን፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ንዘይብሎም ሰባት ተባሂላ እያ እትዳሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ዘይፈልጡ፡ ብሃይማኖታት ተስፋ ዝቘረጹ፡ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ዘይተገንዘቡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቀንዲ ዕላማ መጽሔት ንቕሑ!፡ ኣንበብታ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዘሎ ንኺኣምኑ ምሕጋዝ እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣንበብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምእንቲ ኼሕድሩን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት እተፈልዩ ኸም ዝዀኑ ምእንቲ ኺፈልጡን ተባሂላ እውን እያ እትዳሎ።
3. ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ንመን ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ፧
3 ግምቢ ዘብዐኛ፦ ሕታም ህዝቢ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንኣምላኽን ንቕዱሳት ጽሑፋትን እተወሰነ ኣኽብሮት ንዘለዎም ሰባት ተባሂላ እያ እትዳሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ፍልጠት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ነቲ ትምህርትታት ግና ብትኽክል ኣይርድእዎን እዮም። ከምቶም ጳውሎስ “ንኣምላኽ እትፈርሁ” ዝበሎም ሰባት እዮም። (ግብ. 13:14-16) እታ ሕታም መጽናዕቲ እትበሃል ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብቐንዱ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂላ እያ እትዳሎ። ጳውሎስ፡ እቶም ንመልእኽትታቱ ዘንብቡ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚፈልጡን ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ ኸም ዘለዎምን ይሓስብ ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 1:1, 2) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ኣብ ኣኼባታትና ንዚካፈሉን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚጥቀሙሉ ስያመታትን ሓሳባትን ምርዳእ ንዘለዎምን ሰባት ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ።
4. ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንዕድሎ መጽሔታት ከነንብቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክልተ መጽሔታት ብሓንሳእ ጌርና ንዕድል እኳ እንተ ዀንና፡ ሓንቲ ኻብ ዓንቀጻት እተን መጽሔታት ጥራይ ኢና ኸም መእተዊ ተጠቒምና ምስ ሰባት እንመያየጠላ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕታማት ከተንብብ ጽዓር። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ነቶም እትምስክረሎም ሰባት ኣየናይ ዓንቀጽ ከም ዚስሕቦም ኣጸቢቕካ ኽትፈልጥ ኢኻ።