መደብ 9 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
9 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 35ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 6 ¶9-16 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ህዝቅኤል 11-14 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ህዝቅኤል 11:14-25 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ እቲ ኣቦ እተባህለ ኣምላኽ ሓደ ኣካል እዩ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ድማ እቲ ዝለዓለ እዩ—td 22ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ዓቕሊ እንታይ እያ፧ ኣወንታውያን ንኽንከውን ክትሕግዘና እትኽእልከ ብኸመይ እያ፧—ጸፎ. 2:3 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ውጽኢታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር። ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ፦ (1) ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ሸቶ ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (2) ኣብቲ መጀመርታ እንገብሮ ሒደት ተመላሊስካ ምብጻሕ፡ ምስቲ ሰብ ክንደይ ክንጸንሕ ኣሎና፧ (3) ነቲ ሰብ ተመሊስና ኽንበጽሖ ኸለና፡ ብዛዕባ መንነትና ብኸመይ ክንገልጸሉ ንኽእል፧ (4) እቲ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ እንተ ገሊጹ፡ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ (5) ትራክት፡ ብሮሹር፡ ወይ መጽሔት ንእተቐበለ ሰብ ተመሊስና ኽንበጽሖ ኸለና፡ ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከነላልዮ እንኽእል መዓስን ብኸመይን ኢና፧ (6) ነቲ ሰብ እንደገና ኣብ ቤት እንተ ዘይረኺብናዮ፡ ንተገዳስነቱ ብኸመይ ከነለዓዕሎ ንኽእል፧ (7) ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ነቶም ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣስፋሕቲ ብኸመይ ከነሰልጥኖም ንኽእል፧
15 ደቒቕ፦ “ከም እትሕጐስ ዚገብረካ እንታይ እዩ፧” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ኵሎም ጸብጻብ ወፍሪ ኣገልግሎቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኺህቡ ኣተባብዓዮም። ካብ መጽሓፍ እትወደበ፡ ካብ ገጽ 88-90 ምስዚ ዚኸይድ ነጥብታት ጥቐስ።
መዝሙር 9ን ጸሎትን