ከም እትሕጐስ ዚገብረካ እንታይ እዩ፧
1. ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ከም እንሕጐስ ዚገብረና እንታይ እዩ፧
1 ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ወፍሪ ኣገልግሎቶም ኪህቡ ኺሕተቱ ኸለዉ፡ ብወገንካ ኸም እትሕጐስ ዚገብረካ እንታይ እዩ፧ እቶም 130 ሰዓት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዚህቡ ፍሉያት ፈለምቲ ዀኑ እቶም 15፡ 30፡ ወይ 45 ደቒቕ ጸብጻብ ኣገልግሎት ኪህቡ እተፈቕደሎም ኣስፋሕቲ፡ ኰታስ ኵላትና በቲ ብምሉእ ነፍስና ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ክንሕጐስ ይግባእ።—መዝ. 100:2።
2. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 የሆዋ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ብምዃኑ፡ ብሉጽ ነገራት ኢና ኽንህቦ ዘሎና። (ሚል. 1:6) በታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና፡ ፍቓዱ ንኽንገብር ህይወትና ወፊና ኢና። ስለዚ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ መዓልቲ ወይ ከኣ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ወርሒ፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኻብ ግዜናን ክእለትናን ሓይልናን “በዅራት” ከም ዝሃብና ንተኣማመን እንተ ዄንና፡ ብውልቅና ኸም እንሕጐስ ዚገብረና ነገር ኣሎና ማለት እዩ። (ምሳ. 3:9) ብኣንጻሩ ግና፡ ሕልናና ዚኸስሰና እንተ ዀይኑ፡ ንኸነመሓይሽ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።—ሮሜ 2:15።
3. ንገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ከነነጻጽራ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
3 “ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ”፦ ንገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ወይ ከኣ ምስቲ ዝያዳ ሓይሊ ኸሎና ዝነበርናዮ ዅነታት ከነነጻጽራ ጥበባዊ ኣይኰነን። ኵነታት ይቕየር እዩ። ክእለት ከኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንጽጽር ናብ ውድድር ወይ ከኣ “ኣይረብሕን እየ” ናብ ዚብል ስምዒት እዩ ዚመርሕ። (ገላ. 5:26፣ 6:4) የሱስ ኣየነጻጽርን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ዓቕሙ ንዝገበረ ሰብ ይንእዶ ነበረ።—ማር. 14:6-9።
4. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ መክሊት ዝሃቦ ምሳሌ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧
4 ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ እተን መክሊት፡ እቶም ዓየይቲ ነፍሲ ወከፎም “ከከም ዓቕሞም” እዮም መክሊት ተቐቢሎም። (ማቴ. 25:15) እቲ ጐይታ ተመሊሱ፡ ብዛዕባ ንጥፈታቶም ጸብጻብ ኪህብዎ ምስ ሓተቶም፡ እቶም ዓቕሞምን ኵነታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ተጊሆም ዝዓየዩ ዓየይቲ ተናእዱ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኦም ከኣ ኣተዉ። (ማቴ. 25:21, 23) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተጊህና ንዓዪ እንተ ዄንና፡ መለኮታዊ ሞገስ ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከም እንሕጐስ ዚገብረና ምኽንያት ከኣ ኪህልወና እዩ።