ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 7 ገጽ 24
  • ግምቢ ባቤል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግምቢ ባቤል
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ነዊሕ ግምቢ ይሰርሑ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ቋንቋታትና ኻብ “ግምቢ ባቤል” ድዩ መጺኡ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣስማቶም ተፈላጥነት ኣይረኸበን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 7 ገጽ 24
የሆዋ ቛንቋ ሰባት ምስ ደባለቐ፡ ኣብ ግምቢ ባቤል ብሓደ ኺሰርሑ ኣይከኣሉን

ትምህርቲ 7

ግምቢ ባቤል

ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ደቂ ኖህን ኣንስቶምን ብዙሓት ውሉዳት ወለዱ። ሰባት ከኣ እናበዝሑ ኸዱ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ድማ፡ ናብ እተፈላለየ ኽፋላት ምድሪ ኺብተኑ ጀመሩ።

ገሊኦም ሰባት ግና ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ‘ከተማ ንስራሕ እሞ ኣብዚ ንኹን። ክሳብ ሰማይ ዚበጽሕ ነዊሕ ግምቢ ንስራሕ። ፍሉጣት ከኣ ኽንከውን ኢና’ በሉ።

የሆዋ በቲ እቶም ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ ንዕዮኦም ኣቋረጾ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧ ብሃንደበት በብዓይነቱ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ገበሮም። ንሓድሕዶም ኪራዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ሓደግዎ። እታ ዚሃንጽዋ ዝነበሩ ኸተማ ድማ ባቤል፡ ማለት “ድብልቕልቕ” ተባህለት። ስለዚ፡ ሰባት ካብቲ ቦታ ግዒዞም ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺነብሩ ጀመሩ። ኣብቲ ሓድሽ ቦታታት ግና ሕማቕ ነገር ምግባር ኣይሓደጉን። ግናኸ፡ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ነይሮምዶ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እዚ ኽንምሃር ኢና።

“ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪልዕል እዩ።”—ሉቃስ 18:14

ሕቶታት፦ እቶም ኣብ ባቤል ዝነበሩ ሰባት እንታይ እዮም ገይሮም፧ የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ንዕዮኦም ኣቋሪጽዎ፧

ዘፍጥረት 11:1-9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ