ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 65
  • እታ መንግስቲ ተኸፋፈለት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ መንግስቲ ተኸፋፈለት
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 65

ዛንታ 65

እታ መንግስቲ ተኸፋፈለት

እዚ ሰብኣይ ክዳኑ ዝቘራርጽ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ የሆዋ ከምኡ ክገብር ስለ ዝነገሮ ኢዩ። እዚ ሰብኣይ ኣሒያ እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ኢዩ። ነብዪ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ፧ ሓደ ነገር ከይተፈጸመ ኸሎ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝነግሮ ሰብ ኢዩ።

ኣሒያ ኣብዚ ንየሮብዓም ኢዩ ዝዛረቦ ዘሎ። የሮብዓም ሰሎሞን ኣብ ናይ ህንጻ ዕዮ ዝመዘዞ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ኣሒያ ንየሮብዓም ኣብ መገዲ ምስ ረኸቦ: ኣሒያ ዘገርም ነገር ገበረ። እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ኣውጺኡ ናብ 12 ቈራረጾ። ንየሮብዓም ከኣ ‘10 ቝራጽ ንዓኻ ውሰድ’ በሎ። ኣሒያ ንየሮብዓም 10 ቝራጽ ዝሃቦ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

ኣሒያ ኸኣ የሆዋ ነታ መንግስቲ ካብ ሰሎሞን ከም ዝወስዳ ገለጸሉ። የሆዋ 10 ነገድ ንየሮብዓም ከም ዝህቦ ነገሮ። እዚ ኸኣ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክልተ ነገድ ጥራይ ክተርፍኦ ኢየን ማለት ኢዩ።

ሰሎሞን እቲ ኣሒያ ንየሮብዓም ዝበሎ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ። ንየሮብዓም ከኣ ክቐትሎ ፈተነ። የሮብዓም ግን ናብ ግብጺ ሃደመ። ድሕሪ ገለ ግዜ ሰሎሞን ሞተ። 40 ዓመታት ገዝአ: ድሕሪኡ ግን ወዱ ሮብዓም ንጉስ ኰነ። የሮብዓም ኣብ ግብጺ ኰይኑ ሰሎሞን ከም ዝሞተ ሰምዐ እሞ: ናብ እስራኤል ተመልሰ።

ሮብዓም ሕያዋይ ንጉስ ኣይነበረን። ነቶም ህዝቢ ካብ ኣቡኡ ሰሎሞን ንላዕሊ ሕሱም ኰኖም። የሮብዓምን ካልኦት ሰባትን ናብ ንጉስ ሮብዓም ከዱ እሞ ኣብቶም ሰባት ሕያውነት ከርኢ ሓተትዎ። ሮብዓም ግን ኣይሰምዐን። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ካብ ቅደም ብዝያዳ ሕሱም ኰነ። ስለዚ እቶም ሰባት ንየሮብዓም ኣብቶም 10 ነገድ ንጉስ ገበርዎ: እቶም ክልተ ነገድ ብንያምን ይሁዳን ግን: ንሮብዓም ንጉሶም ገበርዎ።

የሮብዓም ህዝቡ ኣብ የሩሳሌም ከይዶም ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ከምልኹ ኣይደለዮምን። ስለዚ ክልተ ብወርቂ እተሰርሓ ምራኽ ኣዳለወ እሞ: ነቶም ኣብቲ ናይ 10 ነገድ ግዝኣት ዝነበሩ ሰባት ከም ዘምልኽዎ ገበረ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ እታ ምድሪ ብገበንን ዓመጻን መልአት።

ኣብታ ክልተ ነገድ ዘለዋ መንግስቲ እውን ሽግር ኣጋጠመ። ሮብዓም ንጉስ ምስ ኰነ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዘይመልእ ግዜ: ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ክዋጋእ መጸ። ካብ ቤት መቕደስ የሆዋ ኸኣ ብዙሕ ሃብቲ ወሰደ። ስለዚ እታ ቤት መቕደስ ከምቲ እተሰርሓቶ ኰይና ዝጸንሐት ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

1 ነገስት 11:⁠26⁠-​43፣ 12:⁠1⁠-​33፣ 14:⁠21⁠-​31

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ