ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 15/8 ገጽ 3-7
  • የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ትሕቲ ጭቈና
  • ንጽልዋታት ክሕደት ኪቃልዑ ኸለዉ
  • ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኺፍጽሙ ኸለዉ
  • የሆዋ ንእሙናቱ ይሕልዎም
  • ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እታ መንግስቲ ተኸፋፈለት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 15/8 ገጽ 3-7

የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን

“[የሆዋ] ነቶም እሙናት ሕዝቡ ኸኣ ኣይኃድጎምን እዩ፥ ንዘለዓለም ይሕልዎም።”—መዝ. 37:28 ትርጕም 1990

1, 2. (ሀ) ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ዘጋጠመ እንታይ ምዕባለታት እዩ ንተኣማንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝፈተነ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ምንታይ ሰለስተ ዅነታት እዩ ንእሙናቱ ዝሓለዎም፧

እዋኑ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ኪኸውን ከሎ: ኣገልገልቲ የሆዋ ውሳነ ኺገብሩሉ ዝነበሮም እዋን እዩ። እታ ሃገር ነቶም ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዚርከቡ ነገዳት ናጽነቶም ብምሃብ ካብ ውግእ ሓድሕድ ንስክላ እያ ኣምሊጣ። እቲ ሓድሽ ዝነገሰ የሮብዓም ዚበሃል ንጉሶም: ስልጣኑ ምእንቲ ኼጽንዕ: ሓድሽ ሃገራዊ ሃይማኖት ብምቛም ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ተገዛእቱ ምሉእ ዘይጕዱል ተኣማንነቶም ኪህብዎ ሓተቶም። እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ይገብሩ ይዀኑ፧ ነቲ ዜምልኽዎ ኣምላኽ እሙናት ደዀን ይዀኑ፧ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኸምኡ ገበሩ: የሆዋ ድማ ንጽህናኦም ሓልዮም ኪመላለሱ ኸለዉ ኻብ ክፉእ ይሕልዎም ነበረ።—1 ነገ. 12:1-33፣ 2 ዜና 11:13, 14

2 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ሕጂ እውን ይፍተን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ኢሉ የጠንቅቐና። እሞኸ ‘ብእምነት ጸኒዕና ኽንቃወሞ’ ንኽእል ዲና፧ (1 ጴጥ. 5:8, 9) ኣብ ከባቢ እቲ ንጉስ የሮብዓም ብ997 ቅ.ክ. ዝገበሮ ስነ-ስርዓት ጽምብል ዘጋጠመ ፍጻመታት ንመርምር: ካብኡ እንታይ ከም እንመሃር ድማ ንርአ። ኣብቲ ወሳኒ እዋን እቲ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ይጭቈኑ ነበሩ። ብዘይካዚ: ነቲ ኽሕደት ኬሕድረሎም ዚኽእል ጽልዋ ተቓሊዖም ነበሩ። እዚ ድማ እተዋህቦም ከቢድ ዕዮ ኣብ ዚፍጽሙሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ዜጋጥሞም ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ እተጠቕሰ ዅነታት: የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓደጎምን፣ ሎሚ እውን ኣይሓድጎምን እዩ።—መዝ. 37:28

ኣብ ትሕቲ ጭቈና

3. ግዝኣት ንጉስ ዳዊት ጨቋኒ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧

3 ፈለማ: የሮብዓም ዝነገሰሉ ዅነታት እስከ ንርአ። ምሳሌ 29:2 “ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና: ህዝቢ የስቈርቍር” ትብል። ንጉስ ዳዊት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ነጊሱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ህዝቢ ኣየስቈርቍርን እዩ ነይሩ። ዳዊት ፍጹም እኳ እንተ ዘይነበረ: ንኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ: ብእኡ እውን ይውከል ነበረ። ግዝኣት ዳዊት ጨቋኒ ኣይነበረን። የሆዋ ንዳዊት: “ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን: ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ” ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ።—2 ሳሙ. 7:16

4. እቲ ብግዜ ግዝኣት ሰሎሞን እተረኽበ በረኸት ኣብ ምንታይ ዚምርኰስ ነበረ፧

4 ኣብ ፈለማ ግዝኣት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ብዙሕ ሰላምን ብልጽግናን ስለ ዝነበሮ: ነቲ ኣብ መጻኢ ክርስቶስ የሱስ ዚገዝኣሉ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ጽላሎት ኰይኑ ኼገልግል ይኽእል ነበረ። (መዝ. 72:1, 17) ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ ሓደ ኻብቶም 12 ነገድ እስራኤል ንኺዓሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: እቲ ሰሎሞንን ተገዛእቱን ዚረኽብዎ ዝነበሩ በረኸት ኣብ ኵነት እተመርኰሰ ነበረ። የሆዋ ኣቐዲሙ ንሰሎሞን: “ብሕጋጋተይ እንተ ኸድካ: ፍርድታተይ ከኣ እንተ ገበርካ: ንዅሉ ትእዛዛተይውን ክትከደሉ እንተ ሐሎኻዮ: እቲ ነቦኻ ዳዊት እተዛረብክዎ ቓለይ ምሳኻ ኸጽንዖ እየ። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ክነብር እየ: ንህዝበይ እስራኤል ከኣ ኣይሐድጎን እየ” ኢሉ ነጊርዎ ነይሩ።—1 ነገ. 6:11-13

5, 6. ሰሎሞን ንኣምላኽ ዘይእሙን ብምዃኑ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧

5 ሰሎሞን ብግዜ እርግናኡ ንየሆዋ ዘይእሙን ኰነ: ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ድማ ተጸምደ። (1 ነገ. 11:4-6) በብቝሩብ ሕግታት የሆዋ ምሕላው ኣቋረጸ: ጨቋኒ እናዀነ ድማ ከደ። እዚ ዅነታት እዚ እናገደደ ብምኻዱ: ድሕሪ ሞቱ እቶም ህዝቢ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ ወዱ ሮብዓም ብዛዕባኡ መረረኦም ገለጹሉ: ጾሮም ኬፍኵሰሎም ድማ ሓተትዎ። (1 ነገ. 12:4) ሰሎሞን ዘይእሙን ኪኸውን ምስ ጀመረ: የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ: “እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን: ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ . . . ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ: ተቘጥዖ” ይብለና። የሆዋ ንሰሎሞን: “እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ: ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎኻዮ: ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ” በሎ።—1 ነገ. 11:9-11

7. የሆዋ ንሰሎሞን እኳ እንተ ነጸጎ: ንእሙናቱ ግን ብኸመይ እዩ ሓልዩሎም፧

7 ድሕሪኡ የሆዋ ንነብዪ ኣሒያ ልኢኹ ንሓደ ኻብ ጭቈና ዜድሕን ሰብ ከም ዚቕባእ ገበረ። እቲ መድሓኒ ኸኣ የሮብዓም ዚበሃል ኣብ መንግስቲ ሰሎሞን ዚዓዪ ዝነበረ ኽኢላ ሰብኣይ ነበረ። የሆዋ ነቲ ንዳዊት ዝኣተወሉ ኺዳን መንግስቲ እሙን ኰይኑ እኳ እንተ ቐጸለ: እቶም 12 ነገድ ኣብ ክልተ መንግስቲ ኺምቀሉ ግን ፈቐደ። ዓሰርተ ነገድ ንየሮብዓም ተዋህቦ: ክልተ ነገድ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝነበረ ንጉስ ሮብዓም ቀጸለ። (1 ነገ. 11:29-37፣ 12:16, 17, 21) የሆዋ ንየሮብዓም: “ኪኸውን ድማ እዩ: ዝአዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ: ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝዀነ እንተ ገበርካ: ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዘተይን ሕጋጋተይን እንተ ሐሎኻ: ምሳኻ ክኸውን እየ: ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ: ንኣኻ ኸኣ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ: እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ” በሎ። (1 ነገ. 11:38) የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ስጕምቲ ወሰደ: ካብ ጭቈናኦም ድማ ዕረፍቲ ኣምጸኣሎም።

8. ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚጭቈኑ ዘለዉ፧

8 ሎሚ እውን ብዙሕ ጭቈናን ግፍዕን እዩ ዘሎ። መክብብ 8:9 “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ትብል። ስስዐ ዝመልኦ ንግድን ብልሹው ግዝኣትን ንቝጠባ ኼውድቖ ይኽእል እዩ። ብዙሕ ግዜ መራሕቲ መንግስትን ንግድን ሃይማኖትን ሕማቕ ስነ-ምግባራዊ ኣብነት እዮም ዚሓድጉ። ስለዚ: ሎሚ ዘለዉ ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት: ከምቲ ጻድቕ ሎጥ ‘ብኣበሳን ብርኹስ ናብራን’ እዞም ብልሹዋት ሰባት ‘ይሳቐዩ’ እዮም። (2 ጴጥ. 2:7) ኣብ ልዕሊ እዚ: ብስርዓታት ኣምላኽ ክንመላለስ ክንጽዕር ከለና: ኣደዳ እቲ ዕቡያት ገዛእቲ ዜውርድዎ መስጐጕቲ ንኸውን ኢና።—2 ጢሞ. 3:1-5, 12

9. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን እንታይ ስጕምቲ እዩ ድሮ ዝወሰደ፧ (ለ) የሱስ ወትሩ ንኣምላኽ እሙን ከም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 ይኹን እምበር: የሆዋ ንእሙናቱ ኸም ዘይሓድጎም: ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቶም ብልሹዋት ገዛእቲ ዓለም ንምትካእ ወሲድዎ ዘሎ ስጕምትታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ክርስቶስ የሱስ ዝንጉሳ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ድሮ ቘይማ ኣላ። የሱስ ክርስቶስ ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ንዚኸውን እዋን ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኺገዝእ ጸኒሑ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቶም ንስም ኣምላኽ ዚፈርሁ ምሉእ ዕረፍቲ ኼምጽኣሎም እዩ። (ራእይ 11:15-18 ኣንብብ።) ክሳዕ ሞት ንኣምላኽ እሙን ምዃኑ ድሮ ኣመስኪሩ እዩ። ከም ሰሎሞን: ንተገዛእቱ ኣይኬጕህዮምን እዩ።—እብ. 7:26፣ 1 ጴጥ. 2:6

10. (ሀ) ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ለ) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

10 መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጭቈና መወዳእታ እትገብር ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ንየሆዋ ኣምላኽን ንመንግስቱን እሙናት ክንከውን ኣሎና። ኣብታ መንግስቱ ምሉእ ብምሉእ ምስ እንተኣማመን: ግፍዒ ዓለም ክሒድና: ንሰናይ ግብሪ ብቕንኣት ንስዕብ። (ቲቶ. 2:12-14) ኣብዛ ዓለም ብዘይ ነውሪ ኽንመላለስ ንጽዕር። (2 ጴጥ. 3:14) ሕጂ ዝዀነ ይኹን ፈተናታት የጋጥመና ብዘየገድስ: የሆዋ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት ከም ዜዕቍበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 97:10 ኣንብብ።) ብዘይካዚ: መዝሙር 116:15 እውን: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ” ኢላ ተረጋግጸልና። የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣዝዮም ክቡራት ገይሩ ስለ ዚርእዮም: ብደረጃ ጕጅለ ኺጠፍኡ ኣይፈቅድን እዩ።

ንጽልዋታት ክሕደት ኪቃልዑ ኸለዉ

11. የሮብዓም ዘይእሙን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣገዛዝኣ ንጉስ የሮብዓም ንህዝቢ ኣምላኽ እተወሰነ ዕረፍቲ ኼምጽኣሎም ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግን: ተግባራቱ ነቲ ንኣምላኽ ዝነበሮም ተኣማንነት ዚፍትን እዩ ነይሩ። የሮብዓም በቲ እተዋህቦ ኽብርን ንግስናን ብዘይምዕጋቡ: ስልጣኑ ዜጽንዓሉ መገድታት ኬናዲ ጀመረ። “እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኪስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበ: ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም: ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ እሞ: ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም” ኢሉ ሓሰበ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ክልተ ምራኹት ወርቂ ዘተኰረ ሓድሽ ሃይማኖት ኣቘመ። “ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል ኣንበሮ: ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ። እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኺሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ: እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ። ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ: ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ: ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ።” ሕሉፍ ሓሊፉ “ንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎም: ኪዐጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።”—1 ነገ. 12:26-33

12. የሮብዓም ኣምልኾ ምራኽ ምስ ኣቘመ: ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝነበሩ ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት እንታይ ገበሩ፧

12 እቶም ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝነበሩ እሙናት እንታይ እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧ እቶም ኣብተን ኣብ ውሽጢ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ዚርከባ ኸተማታት ዚነብሩ ዝነበሩ ሌዋውያን: ከምቶም እሙናት ኣቦታቶም ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰዱ። (ዘጸ. 32:26-28፣ ዘሁ. 35:6-8፣ ዘዳ. 33:8, 9) ርስቶም ሓዲጎም ንስድራ ቤቶም ሒዞም ናብ ደቡብ ገጾም ናብ ይሁዳ ገዓዙ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ብዘይ ዕንቅፋት ምምላኽ ቀጸሉ። (2 ዜና 11:13, 14) ንግዜኡ ኣብ ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ኻልኦት እስራኤላውያን እውን: ናብ ዓዶም ኣብ ክንዲ ዚምለሱ ንሓዋሩ ኣብኡ ኪቕመጡ ወሰኑ። (2 ዜና 10:17) ካብቶም እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝዀኑ ድሒሮም ዚውለዱ ወለዶታት እውን ነቲ ኣምልኾ ምራኽ ሓዲጎም ናብ ይሁዳ ኺምለሱ ምእንቲ ኪኽእሉ: የሆዋ ነቲ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚወስድ መገዲ ኽፉት ከም ዚኸውን ገበሮ።—2 ዜና 15:9-15

13. ኣብዚ ግዜና ጽልዋታት ከሓድቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ፈቲንዎም፧

13 ሎሚ እውን ከሓድትን ንሳቶም ዜሕድርዎ ጽልዋን ንህዝቢ ኣምላኽ ስግኣት ይፈጥረሎም እዩ። ገሊኦም ገዛእቲ ናይ ርእሶም ሃገራዊ ሃይማኖት ኬቝሙ ፈቲኖም እዮም: ንተገዛእቶም እውን ኪቕበልዎ ጸቕጢ ይገብሩሎም እዮም። ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያንን ካልኦት ዕቡያትን እቲ መንፈሳዊ ኽህነት ከም ዚግብኦም ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ዜቝሙ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጥራይ እዮም ዚርከቡ።—1 ጴጥ. 2:9፣ ራእ. 14:1-5

14. ንሓሳባት ከሓድቲ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህበሉ ዘሎና፧

14 ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ከምቶም ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበሩ እሙናት ሌዋውያን: በቲ ኸሓድቲ ዚነዝሕዎ ሓሳባት ኣይታለሉን እዮም። ቅቡኣትን ክርስትያናት ብጾቶምን ንሓሳባት ከሓድቲ ብቕልጡፍ የርሕቕዎን ይነጽግዎን እዮም። (ሮሜ 16:17 ኣንብብ።) ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ንስልጣናት መንግስቲ ብታሕጓስ እንግዛእ: ኣብ ዓለማዊ ግጭታት ከኣ ገለልትነትና እንሕሉ እኳ እንተ ዀንና: ተኣማንነትና ግን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንህብ። (ዮሃ. 18:36፣ ሮሜ 13:1-8) ነቶም ንኣምላኽ ነገልግል ኢና እናበሉ ብግብሮም ግን ዚንዕቅዎ ኣይንቕበሎምን ኢና።—ቲቶ. 1:16

15. ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እሙናት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኻብታ እክይቲ ዓለም ወጺኦም ናብቲ ንሱ ዝፈጠሮ መንፈሳዊ ገነት ኪኣትዉ መገዲ ኸፊቱሎም ኣሎ። (2 ቈረ. 12:1-4) ንሕና እውን ምስጋና ብዝመልአ ኣልባብ ምስቲ “ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ጠቢቕና ንመላለስ ኢና። ክርስቶስ ነዚ ባርያ እዚ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” እዩ ሸይምዎ። (ማቴ. 24:45-47) ስለዚ: ገሊኡ እቲ ባርያ ዝሓዞ መርገጽ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኣና: ንኽንነጽጎ ወይ ናብ ናይ ሰይጣን ዓለም ንኽንምለስ ምኽንያት ኣይኰነናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ብተኣማንነት ተደሪኽና ብትሕትና እናተመላለስና የሆዋ ነቲ ነገር ክሳዕ ዜነጽሮ ብትዕግስቲ ንጽበ ኢና።

ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኺፍጽሙ ኸለዉ

16. ሓደ ኻብ ይሁዳ እተላእከ ነብዪ እንታይ ዕዮ እዩ እተዋህቦ፧

16 የሆዋ ንየሮብዓም በቲ ናይ ክሕደት መገዱ ዀኒንዎ እዩ። የሮብዓም ኣብ መሰውኢኡ ኣብ ዚዓጥነሉ ዝነበረ እዋን: የሆዋ ዝለኣኾ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ናብ ሰሜን ገጹ ናብ ቤት-ኤል ከይዱ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቀረበ። እቲ ነብዪ ንየሮብዓም ከቢድ ፍርዲ ዝሓዘ መልእኽቲ ኼብጽሓሉ ነበሮ። እዚ በዳሂ ዕዮ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ።—1 ነገ. 13:1-3

17. የሆዋ ንልኡኹ ዘዕቈቦ ብኸመይ እዩ፧

17 የሮብዓም: ፍርዲ ኣምላኽ ምስ ሰምዐ: ኣዝዩ ተቘጥዐ። ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ: “ሐዝዎ” ኢሉ ጨደረ። ኰይኑ ግን: እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም: ብኡንብኡ “እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ . . . ነቐጸት እሞ ናብኡ ኺመልሳ ኣይከአለን። . . . እቲ መሰውኢ ነቕዔ: እቲ ሓመዅስቲውን ፋሕ በለ።” የሮብዓም እታ ዝነቐጸት ኢዱ ምእንቲ ኽትምለሰሉ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተማህሊሉ ምእንታኡ ኺልምነሉ ነቲ ነብዪ ኺሓቶ ተገደደ። እቲ ነብዪ ኸምኡ ገበረ: ኢድ እቲ ንጉስ ድማ ሓወየት። በዚ ኸምዚ የሆዋ ንልኡኹ ኻብ ጕድኣት ኣዕቈቦ።—1 ነገ. 13:4-6

18. ንየሆዋ ብዘይ ፍርሂ ቕዱስ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ኸለና: ንሱ ብኸመይ እዩ ዚሕልወና፧

18 ብተኣማንነት ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክንጽመድ ከለና: ሓድሓደ ግዜ ሰባት ኣይቅበሉናን: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጻረሩና እዮም። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ይኹን እምበር: ከይነጽጉና ዚብል ፍርሂ: ነቲ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ኬዳኽሞ ኽንፈቅድ የብልናን። ከምቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ብግዜ የሮብዓም ዝነበረ ነብዪ: ንየሆዋ “ብተኣማንነት” (NW) ከምኡውን “ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና።”a (ሉቃ. 1:74, 75) ሎሚ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ጣልቃ ኺኣቱ ዘይንጽበዮ እኳ እንተ ዀንና: ሕጂ እውን ከም መሰኻኽሩ መጠን ብመንፈስ ቅዱሱን ብመላእኽቱን ኣቢሉ ይሕልወናን ይድግፈናን ኣሎ። (ዮሃንስ 14:15-17፣ ራእይ 14:6 ኣንብብ።) ኣምላኽ ነቶም ንቓሉ ብዘይ ፍርሂ ዚዛረቡ ኸቶ ኣይሓድጎምን እዩ።—ፊል. 1:14, 28

የሆዋ ንእሙናቱ ይሕልዎም

19, 20. (ሀ) የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድገና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ሕቶታት ክንመያየጥ ኢና፧

19 የሆዋ “እሙን” ኣምላኽና እዩ። (ራእ. 15:4 NW፣ 16:5 NW) “ብዅሉ መገዱ ጻድቕ [“እሙን:” NW] እዩ።” (መዝ. 145:17) መጽሓፍ ቅዱስ እውን: “ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ [“እሙናቱ:” NW] ኸኣ ኪሕልዋ [እዩ]” ይብለና። (ምሳ. 2:8) እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ኣገልገልቱ: ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ: ሓሳባት ከሓድቲ ኼጓንፎም ከሎ: ወይ ከቢድ ዕዮ ኺፍጽሙ ኸለዉ: የሆዋ ኸም ዚመርሖምን ከም ዚድግፎምን ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

20 ሕጂ ብውልቅና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓስበሉ ኣሎና:- ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ንኣምላኽ ዘሎኒ ተኣማንነት ሓልየ ንክቕጽል ዚሕግዘኒ እንታይ እዩ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ: ንኣምላኽ ዘሎኒ ተኣማንነት ብኸመይ ከደልድሎ እኽእል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ነብዪ ትእዛዝ የሆዋ ምሕላው እንተ ቐጺሉ ወይ እንተ ዘይቀጺሉ: ከምኡውን ድሕሪኡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገራት: ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ንእሙናቱ ኣብ ትሕቲ ጭቈና ኸም ዘይሓድጎም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ከሓድቲ ወይ ንሳቶም ዚነዝሕዎ ሓሳባት ኬጓንፈና ኸሎ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

• የሆዋ ንእሙናቱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኪጽመዱ ኸለዉ ብኸመይ ይሕልዎም፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሰሜናዊት መንግስቲ (የሮብዓም)

ዳን

ሴኬም

ቤት-ኤል

ደቡባዊት መንግስቲ(ሮብዓም)

የሩሳሌም

[ስእሊ]

የሮብዓም ኣምልኾ ምራኽ ምስ ኣተኣታተወ: የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓደጎምን

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሰሎሞንን ተገዛእቱን ዝረኸብዎ በረኸት ኣብ ኵነት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ