ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 45 ገጽ 110-ገጽ 111 ሕ.ጽ. 2
  • ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ መንግስቲ ተኸፋፈለት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሆዋ ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 45 ገጽ 110-ገጽ 111 ሕ.ጽ. 2
ኣሒያ ንኽዳኑ ኣብ ቅድሚ የሮብዓም ኣብ 12 ቝራጽ ይቘራርጾ

ትምህርቲ 45

ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት

ክሳዕ እቲ ሰሎሞን ንየሆዋ ዜምልኸሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ሰላም ነበረ። ሰሎሞን ግና ካብ ካልኦት ሃገራት ብዙሓት ኣንስቲ ተመርዓወ። እተን ኣንስቱ ድማ ኣምለኽቲ ጣኦት እየን ነይረን። በብቝሩብ ድማ ሰሎሞን ተቐየረ፣ ጣኦታት እውን ኬምልኽ ጀመረ። የሆዋ ኸኣ በዚ ተቘጥዐ። ንሰሎሞን ድማ፡ ‘እስራኤል ካብ ስድራ ቤትካ ኽትቅደድ፡ ኣብ ክልተ እውን ክትምቀል እያ። እቲ ዓብዪ ኽፋል ንጊልያኻ ኽህቦ እየ፣ ስድራ ቤትካ ድማ ንእሽቶ ኽፋል ጥራይ ኪገዝኡ እዮም’ በሎ።

የሆዋ ነዚ ውሳነኡ ብኻልእ መገዲ እውን ንጹር ገበረ። የሮብዓም ዚብሃል ጊልያ ሰሎሞን ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣሒያ ምስ ዚብሃል ነብዪ ተራኸበ። ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኽዳኑ ኣብ 12 ቝራጽ ቀደዶ እሞ፡ ንየሮብዓም፡ ‘የሆዋ ንመንግስቲ እስራኤል ካብ ስድራ ቤት ሰሎሞን ወሲዱ ኣብ ክልተ ኺመቕላ እዩ። ንስኻ ድማ ኣብ ዓሰርተ ነገዳት ንጉስ ስለ እትኸውን፡ ዓሰርተ ቝራጽ ውሰድ’ በሎ። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ። ስለዚ፡ የሮብዓም ናብ ግብጺ ሃደመ። ጸኒሑ ኸኣ ሰሎሞን ሞተ፣ ወዱ ሮብዓም እውን ነገሰ። ሽዑ፡ የሮብዓም ካብ ስግኣት ናጻ ስለ ዝዀነ፡ ናብ እስራኤል ተመልሰ።

ብዙሓት እስራኤላውያን ነቲ የሮብዓም ዘቘሞ ምራኽ ወርቂ መስዋእቲ የቕርቡሉ

ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ንሮብዓም፡ ‘ነዞም ህዝቢ ጽቡቕ ጌርካ እንተ ሒዝካዮም፡ ንዓኻ እሙናት ኪዀኑ እዮም’ በልዎ። መንእሰያት ኣዕሩኹ ግና፡ ‘ነቶም ህዝቢ ተሪር ክትኰኖም ኣሎካ። ከቢድ ዕዮ እውን ኣዕይዮም’ በልዎ። ሮብዓም ከኣ ነቲ እቶም መንእሰያት ዝሃብዎ ምኽሪ ሰዓበ። ነቶም ህዝቢ እውን ሕሱም ኰነ፣ ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ኻብኡ ዓለዉ። ንየሮብዓም ድማ ኣብቶም ዓሰርተ ነገዳት ኣንገስዎ። እታ መንግስቲ ድማ መንግስቲ እስራኤል ተባህለት። እቶም ዝተረፉ ኽልተ ነገዳት ዘቘምዋ መንግስቲ ኸኣ፡ መንግስቲ ይሁዳ ተባህለት። እቶም ህዝባ እውን ንሮብዓም እሙናት ኰይኖም ቀጸሉ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም 12 ነገዳት እስራኤል ተመቕሉ።

የሮብዓም ንህዝቡ ናብታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሮብዓም ዝነበረት የሩሳሌም ከይዶም ኬምልኹ ኣይደለየን። ስለምንታይ ከም ዘይደለየስ ትፈልጥዶ፧ እቶም ህዝቢ ኸይግልበጥዎ እሞ ንሮብዓም ከይድግፉ ስለ ዝፈርሀ እዩ። ስለዚ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ፣ ነቶም ህዝቡ ኸኣ፡ ‘የሩሳሌም ክትርሕቀኩም እያ። ኣብዚ ኸተምልኹ ትኽእሉ ኢኹም’ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ነቶም ምራኹት ወርቂ ኼምልኹ ጀመሩ፣ ንየሆዋ እውን ረስዕዎ።

“ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ርክብ ኣለዎ፧ . . . ወይስ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧”—2 ቈረንቶስ 6:14, 15

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እያ እስራኤል ተመቒላ፧ ንጉስ ሮብዓምን ንጉስ የሮብዓምን እንታይ ሕማቕ ነገራት እዮም ገይሮም፧

1 ነገስት 11:1-13, 26-43፣ 12:1-33

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ