ቀዳማይ ክፋል “ሰማያት ተኸፍተ” ህዝቅኤል 1:1 ኣትኵሮ፦ ብዛዕባ የሆዋ እተራእየ ራእያት ነቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ርእዩ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ሰብ የልቦን። (ዘጸ. 33:20) የሆዋ ግና ንህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡ ዚገልጽ ራእያት ኣርኣዮ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት የሕድረልና፡ ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምምላኽ ክብሪ ኸም ዝዀነ ብዝያዳ ኽንግንዘብ ድማ ይሕግዘና።