ሳልሳይ ክፋል
“ክእክበኩም . . . እየ”—ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ተተስፍዩ
ኣትኵሮ፦ ኣብ ትንቢታት ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ተገሊጹ
እስራኤል ተበታቲና እያ ነይራ፣ ሓድነታ ብኽሕደት ፈሪሱ እዩ ነይሩ። ሳዕቤናት ተግባራታ እያ እትዓጽድ ነይራ፣ ንንጹህ ኣምልኾ ኣርኪሳ፡ ንስም ኣምላኽ ከኣ ኣጸሊማ እያ። ኣብ መንጎ እቲ ተስፋ ዜቕብጽ ነገር ግና፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ተስፋ ዜስንቕ ትንቢታት ኪንበ ደረኾ። የሆዋ ብመሳጢ ስእላዊ ቓላትን ብዜፍርህ ራእያትን ገይሩ፡ ንምሩኻት እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ ኺርእዩ ንዚደልዩ ዘበሉ ዅሎም ኣተባብዖም።