ሓምሻይ ክፋል
“ኣነ . . . ኣብ መንጎኦም ክነብር እየ”—ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ተመሊሱ
ኣትኵሮ፦ መዳያት እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስን እዚ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዚህቦ ትምህርትን
የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤልን ንሃዋርያ ዮሃንስን፡ ኣጸቢቑ ዚመሳሰል ራእያት ሂብዎም እዩ። ገሊኡ መዳያት እቲ ራእያት፡ ኣገዳሲ ትምህርትታት ይህበና እዩ። እዚ ኸኣ ሕጂ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኸነምልኾ የኽእለና፣ ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ እተመሓድራ ገነት ድማ ህይወት ከመይ ከም ዚመስል ሓበሬታ ይህበና።