‘በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትካ ቅዱስ ኣገልግሎት ምሃብ’
“ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን [በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን “ትሓዓ”] ገይርኩም ኣቕርብዎ።”—ሮሜ 12:1
1, 2. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ከተውዕል ምምሃር ልክዕ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ?
ሓድሽ ቋንቋ ክትማሃር ፈቲንካዶ ትፈልጥ? ፈቲንካ እንተደኣ ኴንካ ከቢድ ስራሕ ምዃኑ ከም እትሰማማዓሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ደሓር ድማ ሓደሽቲ ቃላት ካብ ምምሃር ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ውሕሉል ኣጠቓቕማ ናይ ሓደ ቋንቋ ነቲ ሰዋስው ምምላኽውን ይሓትት ኢዩ። ቃላት ከመይ ኢሎም ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዝተሓሓዙን ምሉእ ሓሳብ ንምቛም ብኸመይ ከም ዝሕወሱን ከተቕልብ ኣሎካ።
2 ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ ክንወስድ ከሎና እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት መሪጽካ ካብ ምጽናዕ ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰዋስው እውን ክንማሃሮ ኣሎና። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝተሓሓዙን ከመይ ኢሎም ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትካ እትጥቀመሎም መምርሒታት ኰይኖም ከገልግሉ ከም ዝኽእሉን ክንርዳእ የድልየና ኢዩ። በዚ ኸኣ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳለና: ፍጹማት’ ክንከውን ንኽእል።—2 ጢሞቴዎስ 3:17
3. ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዛዕባ ንኣምላኽ ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝምልከት እንታይ ለውጢ ኢዩ እተገብረ?
3 ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሕጊ ሙሴ: ተኣማንነት ብዝበለጸ ናብቲ ንጹር ሕግታት ጸኒዕካ ብምልጋብ ኢዩ ክርአ ዝከኣል ዝነበረ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብ33 ከ.ኣ.ዘ.: ኣብቲ ወዱ ዝሞተሉ “መስቀል ሸንኪሩ” ነቲ ሕጊ ደምሰሶ። (ቈሎሴ 2:13, 14) ድሕርዚ: ህዝቢ ኣምላኽ ዘቕርብዎ መስዋእትታትን ዝስዕብዎ ሕግታትን ዝሓዘ ሰፊሕ ዝርዝር ኣይተዋህቡን። ኣብ ክንዳኡ: ‘ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን [በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን ትሓዓ ] ገይርኩም ኣቕርብዎ’ ኢዩ እተባህለሎም። (ሮሜ 12:1) እወ: ክርስትያናት ኣብቲ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ሓሳቦምን ሓይሎምን ንገዛእ ርእሶም ከቕርቡ ኣለዎም። (ማርቆስ 12:30፣ ምስ መዝሙር 110:3 ኣነጻጽሮ።) ግናኸ ‘በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትካ ቅዱስ ኣገልግሎት’ ምቕራብ እንታይ ማለት ኢዩ?
4, 5. በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ገይርና ንየሆዋ ምግልጋል እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ?
4 እታ “ናይ ምስትውዓል ክእለትካ” እትብል ሓረግ ካብታ “ምኽንያታዊ” ወይ “መስተውዓሊ” ዝትርጕማ ሎ·ጊ·ኮስ’ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ ተተርጒማ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኦም ክጥቀምሉ ኢዮም ዝሕተቱ። ክርስትያናት ንውሳኔታቶም ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝቐርብ ብዙሕ ሕግታት ዝስርትዎ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ኢዮም ብጥንቃቐ ክግምግምዎ ዘለዎም። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰዋስው” ወይ እተፈላለየ መምርሒታት ኣብ ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ክርድኡ የድልዮም ኢዩ። ስለዚ: በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ሚዛናዊ ውሳኔታት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።
5 እዚ ግን ክርስትያናት ብዘይ ሕጊ ኢዮም ማለት ድዩ? ፈጺሙ ኣይኰነን። እቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣምልኾ ጣኦት: ጾታዊ ርኽሰት: ቅትለት: ሓሶት: ጥንቆላ: ጌጋ ኣጠቓቕማ ናይ ደም: ከምኡውን ካልእ እተፈላለየ ሓጢኣት ብንጹር ኢዩ ዝኽልክል። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:8) እንተዀነ ግና: ካብቲ ንእስራኤላውያን ዝድለዮም ዝነበረ ንላዕሊ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ምእንቲ ክንማሃሮን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎን ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ቋንቋ: ንምርድኡ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ። ናይ ምስትውዓል ክእለትና ብኸመይ ኢዩ ክዅስኰስ ዝኽእል?
ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትካ ምዅስኳስ
6. ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ?
6 ብቐዳምነት: ህርኩታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን ኣሎና። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኵሉ ግዜ ንሓደ ግድል ዝኸውን መልሲ ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ኢልና ክንጽበ የብልናን። ኣብ ክንዳኡ: ነቲ ፍሉይ ኵነታት ወይ ግድል ዘብርህ እተፈላለየ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምርምር የድልየና ይኸውን። ኣምላኽ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ንምፍላጥ ህርኩት ምርምር ክንገብር ከድልየና ኢዩ። (ምሳሌ 2:3-5) “እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ” ስለ ዝዀነ ርዱኣት ክንከውን እውን የድልየና ኢዩ። (ምሳሌ 1:5) ሓደ ርዱእ ሰብ ንነፍሲ ወከፍ ምኽንያት ናይቲ ጉዳይ ክፈላልዮን ኣብ ንሓድሕዱ ዘለዎ ዝምድና ከኣ ከስተውዕሎን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ኣብ ናይ ስእሊ ግድል ዝግበር ነተን ነጥብታት እናኣላገበ ነታ ምልእቲ ስእሊ ክሰርሓ ይኽእል ማለት ኢዩ።
7. ወለዲ ንመቕጻዕቲ ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ክምርምሩ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም?
7 ንኣብነት: ብዛዕባ ኣቦ ምዃን ዝምልከት ነገር እስከ ንርአ። ምሳሌ 13:24 እቲ ንውሉዱ ዘፍቅሮ ኣቦ “ኣንጊሁ ይቐጽዖ” ይብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ከም ዘላታ እንተደኣ ተወሲዳ: መሪር ንሕስያ ዘይብሉ መቕጻዕቲ ንምሃብ ብምምኽናይ ብጌጋ ክትውዕል ትኽእል ኢያ። ይኹን እምበር: ቈሎሴ 3:21: ሚዛናዊ ዝዀነ ምዕዶ ይህብ:- “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።” ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ዝጥቀምሉን ምስዚ መምርሒ እዚ ዝሰማምዑን ወለዲ “ማህሰይቲ” ክበሃል ዝከኣል ዓይነት መቕጻዕቲ ኣይመርጹን ኢዮም። ንውሉዳቶም ብርህራሀ: ብምስትውዓል: ከምኡውን ብኽብሪ ኢዮም ዝሕዝዎም። (ኤፌሶን 6:4) ስለዚ: ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ይኹን ወይ ኣብ ካልእ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ዝምልከት ጉዳይ: ንዅሉ እቲ ዝተሓሓዝ ምኽንያታት ብምግምጋም ናይ ምስትውዓል ክእለትና ከነዕብዮ ንኽእል ኢና። በዚ መገዲ እዚ: ድሌት ኣምላኽ እንታይ ከም ዝነበረን: ብኸመይ ከም ዝፍጽሞን ንዝብል “ሰዋስው” ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ከነስተውዕሎ ንኽእል።
8. ብዛዕባ መዘናግዒ ዝመጸ ዘይልወጥ: ደረቕ ኣረኣእያታት ከነርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና?
8 ናይ ምስትውዓል ክእለትና ክንኵስኵሰሉ እንኽእል ካልኣይ መገዲ ኸኣ ዘይልወጥ: ደረቕ ዝዀነ ኣረኣእያታት ዘይምጥቃም ኢዩ። ሓደ ዘይዕጸፍ ኣረኣእያ ንናይ ምስትውዓል ክእለትና ዕቤት ይዓግቶ ኢዩ። ንመዘናግዒ ዝምልከት ጉዳይ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ’ ኢዩ ዝብል። (1 ዮሃንስ 5:19) እዚ ግን ብዓለም ዝዳሎ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ: ፊልም: ወይ ናይ ተለቪዥን መደብ ብልሽውን ሰይጣናውን ኢዩ ማለት ድዩ? እዚ ኣረኣእያ እዚ ፈጺሙ ምኽንያታዊ ኣይኰነን። ርግጽ ኢዩ: ገለ ሰባት ተለቪዥን: ፊልም ካብ ምርኣይ: ወይ ዓለማዊ ጽሑፍ ካብ ምንባብ ምቑጣብ ክመርጹ ይኽእሉ ይዀኑ። እዚ መሰሎም ኢዩ: በዚ ኸኣ ክውቀሱ የብሎምን። ይኹን እምበር ንኻልኦት ድማ ከምቲ ናታቶም ዝዀነ ጽኑዕ መትከል ንኽገብሩ ክግድድዎም የብሎምን። ማሕበር ኣብቲ ዕረፍትና ወይ ምዝንጋዕና ብጥበብ እንመርጽ ክንከውን ዘኽእለና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ዝገልጽ ዓንቀጻት ሓቲማ ኣውጺኣ ኢያ። ካብዚ መምርሒ እዚ ምሕላፍ ከምኡውን ናብቲ ዘይስነ–ምግባራዊ ኣተሓሳስባ: ብዝሒ ዓመጻ ወይ ከኣ ናብቲ ኣብ መብዛሕትኡ ናይዛ ዓለም እዚኣ መዘናግዒ ገኒኑ ዘሎ ጥንቆላ ንገዛእ ርእስና ከነቃልዓ ፈጺሙ ጥበባዊ ኣይኰነን። ብሓቂ: ጥበባዊ ምርጫ ናይ መዘናግዒ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩይ ሕልና ምእንቲ ክህልወና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ምጥቃም ዝሓትት ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:31-33
9. “ምሉእ ምርዳእ” እንታይ ማለት ኢዩ?
9 መብዛሕትኡ ናይ ሎሚ መዘናግዒ ብሓቂ ንክርስትያናት ዝሰማማዕ ኣይኰነን።a ስለዚ እምበኣር: ንልብና ‘እከይ ክጸልእ’ ከነለማምዶ ኣሎና: በዚ ኸምዚ ከምቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ‘ናብ ዕብዳን እተለቁ’ ገለ ሰባት ኣይንኸውንን። (መዝሙር 97:10፣ ኤፌሶን 4:17-19) ኣብዞም ነገራት እዚኣቶም ምእንቲ ከነስተውዕል “ፍልጠትን [ምርዳእን ትሓዓ ]” የድልየና ኢዩ። (ፊልጲ 1:9) እታ “ምርዳእ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ረቂቕ ናይ ስነ–ምግባር ምርዳእ” ኢያ እተመልክት። እታ ቓል: ቃል ብቃሉ ንኸም ምርኣይ ዝኣመሰለ ናይ ሰብ ህዋሳት ኢያ እተመልክት። ብሕታዊ ውሳኔ ዘድልዮ መዘናግዒ ወይ ካልእ ነገር ክርከብ ከሎ: ነቲ ብንጹር እተገልጸ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ካልእ ሕብርታት ዝምልከት ጉዳያት እውን ምስትብሃል ምእንቲ ኽንክእል: እቲ ናይ ስነ–ምግባር ስምዒትና ትዅረት ክግበረሉ ኣለዎ። ምስኡ ኸኣ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ክሳዕ ምኽንያታዊ ዘይኰነ ደረት ምጥቃምን ኵሎም ኣሕዋትና ኸኣ ከም ናትና ክገብሩ ካብ ምድፍፋእን ክንርሕቕ ኣሎና።—ፊልጲ 4:5
10. ከምቲ ኣብ መዝሙር 15 ተገሊጹ ዘሎ ንባህርያት የሆዋ ክንርድኦ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና?
10 ናይ ምስትውዓል ክእለትና እንዅስኵሰሉ ሳልሳይ መገዲ ድማ: ንኣተሓሳስባ የሆዋ ምግንዛብን ኣብ ኣልባብና ኸኣ ኣዕሚቝና ብምትካልን ኢዩ። የሆዋ ብቓሉ ገይሩ ባህርያቱን መለክዒታቱን ገሊጹ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር 15: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ድንኳኑ ጋሻ ክኸውን ዝዕድሞ ዓይነት ሰብ ነንብብ ኢና። ከምዚ ዝበለ ሰብ ጽድቂ ዝገብር: ብልቡ ሓቂ ዝዛረብ: መብጽዓኡ ዝሕሉ: ከምኡውን ካብ ካልኦት ስሱዕ ጥቕሚ ዘይደሊ ኢዩ። ነዚ መዝሙር እዚ ከተንብቦ ከሎኻ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ብምባል ሕተት: ‘ነዞም ባህርያት እዚኣቶም አንጸባርቖም ድየ? የሆዋ ኣብ ድንኳኑ ጋሻኡ ክኸውን ምዓደመኒዶ?’ ምስቲ ናይ የሆዋ መገድታትን ኣተሓሳስባን ክንሰማማዕ ከሎና ናይ ምስትውዓል ክእለትና ይሕይል ኢዩ።—ምሳሌ 3:5, 6፣ እብራውያን 5:14
11. ፈሪሳውያን ‘ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ሸለል’ ዝበሉ ብኸመይ ኢዮም?
11 ፈሪሳውያን በዚ መዳይ እዚ ኣዝዮም ሰነፋት ኢዮም ነይሮም። ፈሪሳውያን ነቲ ቅጥዓዊ ኣቃውማ ናይቲ ሕጊ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም: ነቲ ናቱ “ሰዋስው” ግን ከስተውዕልዎ ኣይከኣሉን። ኣእላፍ ዝርዝር ናይቲ ሕጊ በብሓደ ክገልጽዎ ይኽእሉ ኢዮም ነይሮም: ይኹን እምበር ነቲ ብድሕሪ እቲ ሕጊ ዝነበረ ናይ የሆዋ ባህሪ ካብ ምርድኡ ሰነፉ። የሱስ “ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ: ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ” በሎም። (ሉቃስ 11:42) ፈሪሳውያን በቲ ደረቕ ኣተሓሳስባኦምን ተሪር ልቦምን ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ካብ ምጥቃም ሰነፉ። ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሰንበት ሰዊት ምሕዮም በሊዖም ኢሎም ምስ ወቐስዎም: እቲ ተጋራጫዊ ኣተሓሳስባኦም ተጋሂዱ ኢዩ! ጌና ግን ጸኒሖም በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሱስ ክቐትልዎ ክማኸሩ ከለዉ ሕልናኦም ኣይወቐሶምን።—ማቴዎስ 12:1, 2, 14
12. ከም ኣካል መጠን ምስ የሆዋ ክንሰማማዕ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና?
12 ከም ፈሪሳውያን ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ናይ ቃል ኣምላኽ ፍልጠትና ምስ የሆዋ ከም ኣካል መጠን እተሰማማዕና ክንከውን ክሕግዘና ኣለዎ። ነዚ ከመይ ገይርና ክንገብሮ ንኽእል? ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ምስ ኣንበቡ ከምዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣዕሚቖም ብምሕሳብ ተሓጊዞም ኢዮም: ‘እዚ ሓበሬታ እዚ ብዛዕባ የሆዋን ባህርያቱን እንታይ ኢዩ ዝምህረኒ? ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎኒ ርክብ ንባህርያት የሆዋ ብኸመይ ከንጸባርቖ ምኸኣልኩ? ንኸምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ምስትንታን ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና የዕብዮ: “ንኣምላኽ ክንመስሎ” ድማ የኽእለና።—ኤፌሶን 5:1 ትሓዓ
ባሮት ሰብ ዘይኰነስ: ባሮት ኣምላኽን ክርስቶስን
13. ፈሪሳውያን ልክዕ ከም ናይ ሞራል ውልቀ–መለኽቲ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም?
13 ሽማግለታት ነቶም ኣብ ትሕቲ ጕስነቶም ዘለዉ: ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ክጥቀምሉ ከፍቅድሎም ኣለዎም። እቶም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ባሮት ሰብ ኣይኰኑን። ጳውሎስ “ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ: ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 1:10፣ ቈሎሴ 3:23, 24) ብኣንጻር ናይዚ: ፈሪሳውያን እቲ ህዝቢ ካብ ስምረት ኣምላኽ ስምረት ሰብ ክህልወካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክኣምን ኢዮም ዝደልይዎ ነይሮም። (ማቴዎስ 23:2-7፣ ዮሃንስ 12:42, 43) ፈሪሳውያን ንገዛእ ርእሶም ሕግታት ዘቝሙ በቲ ንሳቶም ዝለክዕዎ ገይሮም ድማ ንኻልኦት ዝፈርዱ ናይ ስነ–ምግባር ውልቀ–መለኽቲ ገበርዋ። እቶም ንፈሪሳውያን ዝሰዓቡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኦም ካብ ምጥቃም ሰነፉ: በዚ ኸኣ ባሮት ሰብ ኰኑ።
14, 15. (ሀ) ሽማግለታት መተዓይይቲ እቲ መጓሰ ምዃኖም ከርእዩ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም? (ለ) ሽማግለታት ንሕልና ዝምልከት ጉዳይ ብኸመይ ኢዮም ክሕዝዎ ዘለዎም?
14 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እቲ መጓሰ ተሓታትነቱ ብቐዳምነት ናብኣቶም ከም ዘይኰነ ይፈልጡ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ጸጾሩ ክጸውር ኣለዎ። (ሮሜ 14:4፣ 2 ቈረንቶስ 1:24፣ ገላትያ 6:5) እዚ ግቡእ ኢዩ። ብሓቂ: ኣባላት ናይቲ መጓሰ ስለ ዝቆጻጸርዎም ጥራይ ዝእዘዙ: ባሮት ሰብ ክዀኑ እንተደኣ ዀይኖም: እቶም ሰባት ኣብ ዘይህልውሉኸ እንታይ ክገብሩ ኢዮም? ጳውሎስ ብሰብ ፊልጲ ዝሕጐሰሉ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ: “ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር: ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ: ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተአዘዝኩም: ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ።” ንሳቶም ብሓቂ ባሮት ክርስቶስ ደኣምበር ባሮት ጳውሎስ ኣይነበሩን።—ፊልጲ 2:12
15 ስለዚ እምበኣር: ሽማግለታት ነቶም ኣብ ትሕቲ ጕስነቶም ዘለዉ: ንሕልና ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ኣይውስንሎምን ኢዮም። ነቲ ጉዳይ እቲ ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ይገልጹ: ብድሕሪ እዚ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ውልቀሰባት ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ተጠቒሞም ውሳኔ ክገብሩ የፍቅድሎም። እዚ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ: ይኹን እምበር እቲ ውልቀሰብ ባዕሉ ክጾሮ ዘለዎ ኢዩ።
16. ኣብ እስራኤል ግድላት ንምዕራይ እንታይ ኣገባብ ኢዩ ዝነበረ?
16 የሆዋ ንእስራኤላውያን ንምምራሕ መሳፍንቲ ይጥቀመሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ “በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ: ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ” ይብለና። (መሳፍንቲ 21:25) ይኹን እምበር: የሆዋ ህዝቡ መምርሒ ዝረኽብሉ ኣገባብ ሂቡ ነይሩ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ንሕቶታትን ግድላትን ብሱል መልሲ ክህቡ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሰባት ነይሮምዋ ኢዮም። ብተወሳኺ: ሌዋውያን ካህናት ነቲ ህዝቢ ሕግታት ኣምላኽ ብምምሃር ንሰናይ ግብሪ ሓይሊ ብምዃን ይዓዩ ነይሮም ኢዮም። ፍልይ ዝበለ ኣጸጋሚ ጉዳያት ክለዓል ከሎ: እቲ ሊቀ ካህን ብኡሪምን ቱሚምን ገይሩ ካብ ኣምላኽ ምኽሪ ክረክብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እታ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ትህብ:- “እቲ ካብዚ ምድላዋት እዚ ዝጥቀም: ፍልጠት ሕጊ ኣምላኽ ረኺቡ ኣብ ግብሪ ኸኣ ዘውዕሎ ውልቀሰብ: ንሕልናኡ ጥዑይ ዝዀነ መምርሒ ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕዳይ ‘እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ምግባሩ’ ሕማቕ ኣየስዕበሉን ነይሩ ማለት ኢዩ። የሆዋ ነቶም ህዝቢ ፍቓደኛ ወይ ዘይፍቓደኛ ኣመለኻኽታን መገድን ከርእዩ ኣፍቀደሎም።”—ጥራዝ 2: ገጽ 162-3b
17. ሽማግለታት ብናቶም ዘይኰነስ ብናይ ኣምላኽ መለክዒታት ከም ዝመኽሩ ከርእዩ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም?
17 ናይ ጉባኤ ሽማግለታት: ልክዕ ከምቶም እስራኤላውያን መሳፍንትን ካህናትን ንግድላት ዝምልከት ብስለት ዘለዎ ሓገዝን ጠቓሚ ምኽርን ኢዮም ዝህቡ። ሓድሓደ ግዜ: ‘ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን ይገንሑ: ይቐጽዑ: ይምዕዱ’ እውን ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ነዚ ዝገብርዎ ኸኣ ብናቶም ዘይኰነስ ብናይ ኣምላኽ መለክዒታት ገይሮም ኢዮም። ሽማግለታት ኣርኣያ ክዀኑን ኣብ ልቢ ክበጽሑ ኸኣ ክጽዕሩንሲ ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ኰን ኢዩ!
18. ሽማግለታት ብፍላይ ኣብ ልቢ ክበጽሑ ኣስላጢ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?
18 ልቢ “ሞተር” ናይ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ኢዩ። ስለዚ ኢዩ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወት ካብኡ ኢያ እትፍልፍል” ዝብል። (ምሳሌ 4:23) እቶም ንኣልባብ ዘለዓዕሉ ሽማግለታት: ኹሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝከኣሎም ዘበለ ንምግባር ከም ዝድረኹ ኪፈልጡ ኢዮም። ወትሩ ብኻልኦት ምድፍፋእ ዘድልዮም ዘይኰነስ: ባዕሎም ጀመርቲ ክዀኑ ኢዮም። የሆዋ ተገዲድካ ምእዛዝ ኣይደልን ኢዩ። ካብ ብፍቕሪ ዝመልአ ልቢ ዝመጽእ ምእዛዝ ኢዩ ዝደሊ። ሽማግለታት ነቶም ኣብቲ መጓሰ ዘለዉ ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ከዕብዩ ብምሕጋዝ: ከምዚ ዝበለ ብልቢ እተደረኸ ኣገልግሎት ከተባብዑ ይኽእሉ ኢዮም።
“ሓሳብ ክርስቶስ” ምዅስኳስ
19, 20. ሓሳብ ክርስቶስ ክንኵስኵስ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?
19 ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ: ሕግታት ኣምላኽ ምፍላጥ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ምስትውዓል ሀበኒ እሞ: ንሕግኻ ኽሕልዎ: ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ” ኢሉ ለመነ። (መዝሙር 119:34) የሆዋ ኣብ ቃሉ “ሓሳብ ክርስቶስ” ገሊጹ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:16) የሱስ ከም ሓደ ንየሆዋ በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቱ ዘገልገለ ሰብ መጠን: ኣርኣያ ሓዲጉልና ኢዩ። ንሕግታትን መምርሒታትን ኣምላኽ ተረዲኡ ብዘይ ጉድለት ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኢዩ። ነቲ ናቱ ኣብነት ብምጽናዕ: ‘ምግፍሑን ምንውሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክንክእል: እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክንፈልጣ’ ኢና። (ኤፌሶን 3:17-19) እወ: እቲ ብዛዕባ የሱስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርናዮ ናይ ኣእምሮ ፍልጠት ካብ ምህላው ንላዕሊ ኢዩ፣ የሆዋ እንታይ ከም ዝመስል እቲ ልክዕ ስእሊ ኢዩ ዝህበና።—ዮሃንስ 14:9, 10
20 ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከሎና: የሆዋ ኣብ ነገራት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ክንርዳእን ኣብ ሚዛናዊ ውሳኔታት ክንበጽሕን ንኽእል ኢና። እዚ ጻዕሪ ክሓትት ኢዩ። ንባህርያትን መለክዒታትን የሆዋ ኣድቂቕና ብምምርማር ህርኩታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን ኣሎና። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሓድሽ ሰዋስው ኢና እንማሃር ዘሎና። ይኹን እምበር: እቶም ከምኡ ዝገብሩ: ነቲ ‘ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን [በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን ትሓዓ ] መስዋእቲ ገይርኩም ኣቕርብዎ’ ዝብል ምዕዶ ጳውሎስ ይስዕቡ ኣለዉ ማለት ኢዩ።—ሮሜ 12:1
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዚ ጋኔናዊ: ስእለ–ጽዩፍ: ወይ ጨካን ትሕዝቶ ዘለዎ መዘናግዒ ከምኡውን እቲ ክርስትያናት ክቕበልዎ ዘይክእሉ ግብረ–ፍኑው ወይ ዘይጽኑዕ ኣረኣእያታት ዘመሓላልፍ ናይ ስድራቤት መዘናግዒ ተባሂሉ ዝፍለጥ እውን ዘርሕቕ ኢዩ።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እትሓትመ።
እንታይ ተማሂርካ?
◻ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ንኣምላኽ ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝምልከት እንታይ ለውጢ ኢዩ እተገብረ?
◻ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ብኸመይ ኢና ክንኵስኵሶ እንኽእል?
◻ ሽማግለታት ነቶም ኣብቲ መጓሰ ዘለዉ ባሮት ኣምላኽን ክርስቶስን ምእንቲ ክዀኑ ከመይ ገይሮም ኢዮም ክሕግዝዎም ዝኽእሉ?
◻ ስለምንታይ ኢና “ሓሳብ ክርስቶስ” ክንኵስኵስ ዘሎና?
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ኻልኦት ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ክጥቀምሉ ይሕግዙ