ዓመታዊ ኣኼባ
4 ጥቅምቲ 1997
ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ: 4 ጥቅምቲ 1997 ኣብ ኒው ጀርሲ: ጀርሲ ሲቲ: 2932 ኬነዲ ቡልቫርድ ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ክግበር ኢዩ። እቶም ኣባላት ጥራይ ዝገብርዎ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ሰዓት 9:15 ቅ.ቐ. ክካየድ ኢዩ: ስዒቡ ሰዓት 10:00 ቅ.ቐ. ድማ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ክግበር ኢዩ።
ኣባላት ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነ ይኹን ናይ ኣድራሻታት ለውጢ እንተድኣ ገይሮም: እቲ ናይ ምልክታ ደብዳበን ናይ መምረጺ ወረቐትን ኣብ ሓምለ ክበጽሖም ምእንቲ ክኽእል ነቲ ቤት ጽሕፈት ከፍልጥዎ ኣለዎም።
እቲ ምስቲ ናይ ዓመታዊ ኣኼባ ምልክታ ዝስደድ ናይ መምረጺ ወረቐት ነቲ ናይ ማሕበር ጸሓፊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደንጐየ ቅድሚ 1 ነሓሰ ምእንቲ ክበጽሖ ተመሊሱ ክለኣኽ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ክህሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምጥቃስ: ነቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ክመልኦን ቀልጢፉ ክመልሶን ኣለዎ። እቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ኣብቲ ኣኼባ ብኣካል ዝርከብ መን ምዃኑ ንምውሳን ዝጠቅም ስለ ዝዀነ: ነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ዝወሃብ ሓበሬታ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።
ነቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ኣኼባን ጸብጻባትን ሓዊስካ: እቲ ፕሮግራም ብምሉኡ ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ወይ ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሑ ክውዳእ ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ። ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም ኣይክህሉን ኢዩ። ውሱን ቦታ ብምህላዉ መእተዊ ብወረቐት ጥራይ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ምስ ካልኦት ኣደራሻት ብተለፎን ናይ ምትሕሓዝ ምድላዋት ኣይክግበርን ኢዩ።