እቲ ሕምብርቲ ጥንታዊት ኣቴንስ ዝዀነ ናይ ዕዳጋ ቦታ
እቲ ምሁር ማሕበረሰብ ናይ ኣቴንስ ኣብ ዋዕዋዕ ኢዩ ነይሩ! ኣብዚ ኣብ ናይ ግሪኽ ከተማ ዝርከብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ሓድሽ ነገር ኵሉ ግዜ ይቃላሕ ነበረ። ኣብዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ግን እቲ ኵነታት ኣዝዩ ፍሉይ ነበረ። ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ሽዑ ንሽዑ ኣብታ ከተማ ኣትዩ: “ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ” መሰለ። ‘ንዝረኸቦም’ ከኣ ቁም ነገር ዘለዎ ሓሳባት የካፍሎም ነበረ። እቶም ትዕቢተኛታት ኤጲቁሬዎሳውያንን ጸዋጋት እስጦይኮሳትን ድማ “እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧” ኢሎም ሓተቱ። እዚ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ኣርእስቲ ብግልጺ ክትዕ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ኢዩ። ብዛዕባ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ምምሃር ማለት ግን ካብ ደረት ምሕላፍ ማለት ኢዩ ነይሩ!—ግብሪ ሃዋርያት 17:17, 18
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ኣቴንስ ዕዳጋ ኰይኑ ንመጀመርታ ግዜ ክሰብኽ ከሎ እቶም ደቂ ኣቴንስ ዋዕዋዕ ዝበሉ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ። ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ትንሳኤን ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ይኹን እምበር: ነቶም ሓድሽ ሓሳባት ናይ ምቕባል ባህሊ ዘለዎም ደቂ ኣቴንስ ኣብቲ ዕዳጋ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽ ነገር ምስምዖም ዝደንጸዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣቴንስ ህዝባዊ ኣደባባይ ይግበረላ
እቲ ሓድሽ ዝነበረ ነገር: እቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ባዕሉን ኣብ ሃይማኖታውን መዓልታውን ናብራ ደቂ ኣቴንስ ዝነበሮ ኣገዳሲ ቦታን ኢዩ። እቲ ናይ ኣቴንስ ዕዳጋ ዳርጋ 60 ሄክታር ዝስፍሓቱ ቍልቍል ዝበለ ኰይኑ: ካብ ኣክሮፖሊስ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ኢዩ ዝርከብ። ኣብ መጀመርታ ናይ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ግዜ እቲ መንግስታዊ በዓል ስልጣንን ሓጋግ ሕግን ዝነበረ ሳሎን እተባህለ ወዲ ኣቴንስ እዚ ቦታ እዚ ናይታ ከተማ ህዝባዊ ኣደባባይ ክኸውን ተወሰነ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይቲ ቀጺሉ ዝነበረ ክፍለ-ዘበን ኣብ ኣቴንስ እቲ ንማሕበራዊ ህይወት ዝያዳ ዘጕልሕ ደሞክራሲ ብምምስራቱ ኣዝዩ ብዙሕ ህንጻታት ምህናጽ ተጀመረ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ሓድሽ ምንቅስቓስን ዝያዳ ዕዙዝ ተራን ከም ዝህልዎ ገበሮ።
ሱር ግሲ ናይታ ናይ ዕዳጋ ቦታ ተባሂላ ዘላ ኣ ·ጎ·ራ ʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ምእካብ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናይታ ከተማ ቀንዲ መአከቢ ቦታ ምንባሩ ዝሰማማዕ ኢዩ። እዚ ናይ ዕዳጋ ቦታ: ሕምብርቲ ናይ ማሕበራውን ህዝባውን ህይወት ኰነ። ናይቲ ከተማ ምምሕዳርን ፈራዶን ዝርከበሉ: ቀንዲ ቦታ ናይ ሸመታን ንግድን: ናይ ግሪኽ ድራማ ዝረኣየሉ ትያትር: ናይ ኣትለቲክስ ምርኢት ዝግበረሉ ቦታ: ከምኡውን ምሁራት ምይይጥ ዝገብርሉ ምቹእ ቦታ ኰነ።
ብዛዕባ እቲ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ኣብያተ-መቕደስ: ኣዕኑድ: ሓወልትታት: ንዝኽሪ ተባሂሉ እተሃንጸ ነገራት: ከምኡውን ህዝባዊ ህንጻታት ናይቲ ኣብ ኣቴንስ ዝነበረ ናይ ዕዳጋ ቦታ በብሓደ ክትፈልጦ ምደለኻዶ፧ ንዝሓለፈ ታሪኽ ናይዚ ዕዳጋ እዚ ንምምርማር: ነቲ ኣብዛ ዘመናዊት ከተማ ዘሎ ዋዕዋዕን ድምጽን ንድሕሪት ገዲፍና በቲ ካብ ጸጸር እተሰረሐ መገዲ ገይርና ብማእከል እቲ ናይ እምነ-በረድ ፍርስራስ: እተቐርጸ ኣእማን: ከምኡውን በቲ ጻህያይን ኣትክልቲ መሮርን ዝሸፈኖ ዝፈራረሰ ኣፍ ደገታት ኣቢልና ንሕለፍ።
ኣብያተ-መቕደስ: ቅዱስ ቦታታት: ከምኡውን ዝሕልዉ ኣማልኽቲ
በጻሕቲ ብዙሕ ኣብያተ-መቕደስ: ቅዱስ ቦታታት: ከምኡውን ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ ተባሂሉ እተገብረ ታቦት ምስ ረኣዩ ይምሰጡ ኢዮም። እዚ ዅሉ: ነቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ደድሕሪ ኣክሮፖሊስ ካልኣይ ቀንዲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ከም ዝኸውን ገበሮ። ጥንታዊት ኣቴንስ ኣብ ወርቃዊ መዋእል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ሃይማኖት ኣብ ዝዀነ ይኹን ህዝባዊ ናብራ ኣትዩ ነበረ። እዚ ማለት ድማ እቶም ኣብ መንግስታዊ ክፍልታት ዝሰርሑን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ዝህቡን ሰባት ዘምልኽዎም: “ዝሕልዉ ኣማልኽቲ” ተባሂሎም ዝፍለጡ እተፈላለዩ መለኮታውያን ኣካላት ኣብቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ዝምለኽሉ ታቦት ተዋህቦም።
ካብዚ ህንጻታት እዚ ፍሉጥ ዝነበረ ሓደ ናይ ሂፌስቶስ ቤት-መቕደስ ኢዩ። እታ ኣቴና እተባህለት ኣንስተይቲ ኣምላኽ እውን ምስ ሂፌስቶስ ዝሓበረት ኢያ ነይራ። እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ነቶም ስነ-ጥበበኛታት ሰባት ዝሕልዉ ተባሂሎም ይምለኹ ነበሩ። እቲ ኣብ ከባቢ ናይዚ ቤት መቕደስ እዚ ተዃዒቱ እተረኽበ ናይ ሓጺንን ዕትሮን ስርሓት: እቲ ህንጻ ናይ ሂፌስቶስ ነቶም ብሓዊ ክስራሕ ዘለዎ ነገራት ዘዳልዉ ዝነበሩ ስነ-ጥበባውያን ዝሕሉ ቤት መቕደስ ምዃኑ ኣረጋገጸ። እዚ ብግቡእ እተዓቀበ ቤት መቕደስ እዚ ምናልባት ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ናብቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝበሃል ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ተቐይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን በዚ ኣይኰነን ዝጽዋዕ ዘሎ።
እቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላዊ ኣምላኽ የድልዮ ነይሩ ኢዩ። እዚ ክእለት ዘረባ ይህብ ኢዩ ዝበሃል ሓላዊ ኣምላኽ ዚዩስ ኣጎሮስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብ ክቡር ዝዋግኡ እምነ-በረድ ድማ ምልኩዕ ዝዀነ ታቦት ተሰርሓሉ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 14:11, 12 ኣረኣእይዎ።) እቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ቤት መቕድስ ናይታ ኣደ ኣማልኽቲ ድማ ብዅሉ ጐኑ ንጀጋኑ መዘከሪ ተባሂሉ እተገብረ ፍሉይ ሓወልትታት ኣለዎ።
ካብኡ ቁሩብ ርሕቕ ኢልካ ድማ ንእሽቶ ናይ ኣዮናውያን ዝበሃሉ ዓሌት ቤት መቕደስ ንረክብ። ናይ ጂኦግራፊ ምሁር ፓውሳንያስ: ቤት መቕደስ ናይቲ ኣቦ ዝነበረ ኣፖሎ እተባህለ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ብመሰረት ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ኣፈ-ታሪኽ: ኣፖሎ ነቶም ኣዮን ዝበሃሉ ዓሌት ኣቡኦም ኢዩ: ደቂ ኣቴንስ ድማ ካብዚ ዓሌት እዚ ኢዮም።a ስለዚ ድማ: ብፍላይ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ እተፈላለየ ሕውነታዊ ምትእስሳር ብዝምልከት: ኣፖሎ ነቶም ናይቲ መንግስቲ ኣማሓደርቲ ካብ ዝሕልዉ ኣማልኽቲ ሓደ ኢዩ ነይሩ።
ካብኡ ብወገን ሰሜን ድማ: ኵምራ እምኒ ኖራ ናይቲ ኣብ መፋርቕ ናይ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እተሃንጸ ዝነኣሰ ቤት መቕደስ ንረክብ። ኣብዚ ቤት መቕደስ እዚ ዘዩስን ኣቴና ፋትሬዮስን ኢዮም ዝምለኹ። እዚኣቶም ናይቲ ናይ ኣባሓጎታት ሃይማኖታዊ ሕውነት ቀንዲ ኣማልኽቲ ኢዮም። ናይ ኣቴና ዜግነት ቅድሚ ምውሳድካ ኣብዚ ናይ ኣቦታት ሃይማኖታዊ ሕውነት ኣባል ምዃን ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ። ስግር እቲ ጽርግያ ድማ ተረፍመረፍ ናይቲ መሰውኢ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣማልኽቲ ዝነበረ ኣሎ።
ኣብቲ ካብዚ ብዙሕ ከይረሓቕካ ዘሎ ንዘዩስ ኤሌቴሮይስ እተወፈየ ገበላ ድማ ነዚ ቀንዲ ናይ ግሪኽ ኣምላኽ: ኣብዚ እዋን እዚ ከም ናይ ናጽነትን ድሕነትን ኣምላኽ መጠን ኣኽብሮት ይወሃቦ። እዚ ብቕድሚኡ ዓንድታት ዘለዎ ገበላ ቀስ ኢልካ ብእግሪ እትዛወረሉን ምስ ሰባት እትራኸበሉን ቦታ ብምዃኑ ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ሶቅራጦስ እተባህለ ፍሉጥ ፈላስፋ እውን ምስ ኣዕሩኽቱ ኣብዚ ቦታ እዚ ይራኽብ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝንገረሉ። ኣብዚ ድማ ኮፍ ኢሎም ወይ ቀስ ኢሎም ብእግሪ እናኸዱ ከዕልሉ ይኽእሉ ነበሩ። ነዚ ቦታ እዚ ንምሽላም ዝግበር ወፈያታትን መስዋእትታትን ብቐጥታ ነታ ከተማ ካብ ጸላእታ ንምድሓን ወይ ናጽነታ ንምዕቃብ ምስ ዝግበር ነገራት እተዛመደ ኢዩ። ገለ ኻብዚ ወፈያታትን መስዋእትታትን እዚ ናይቶም ንኣቴንስ ኣብ ምክልኻል ዝሞቱ ተዋጋእቲ ዋልታ ይርከብ።
ጐደና ፓናተንያን
ነቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብማእከሉ ብሰያፍ ሰንጢቕካ ምስ እትሓልፍ ጐደና ፓናተንያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ ጸጸር እተሰርሐ ገፊሕ ጐደና ትረክብ። ስሙን እቲ ፍሉይ መለለይኡን ድማ ካብቲ ፓናተንያን ዝበሃል ሃገራዊ በዓል ናይ ኣቴንስ እተወስደ ኢዩ። እዚ በዓል እዚ ክበዓል ከሎ ነቲ ኣቴና እተባህለት ኣንስተይቲ ኣምላኽ እትኽደኖ ጉልባብ ካብቲ ናይ ዑደት ገዛ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ (ደድሕሪ ማዕጾ ናይታ ከተማ ዘሎ) ኣትሒዞም በዚ ጐደና ፓናተንያን ኣቢሎም ክሳዕ ኣክሮፖሊስ ተሰኪሞምዎ ይኸዱ። እቲ ኣብ ናይ ፓርቴኖን ህንጻ ዘሎ ውቁጥ ስልማት ድማ ነቲ ዕቤትን ክብርን ናይቲ ዝግበር ናይ ዑደት በዓል—እቶም ሰብ ኣፍራስ: እተን ዝቀዳደማ ሰረገላታት: እተን ንመስዋእቲ ዝዀና ከብትን ኣባጊዕን: ነቲ ንመሰውኢ ዝኸውን መሳርሒታት እተሰከሙ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን—ብዓይነ-ሕልና ንኽንርእዮ ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ናይ ዑደት በዓል እዚ በቶም ደቂ ኣቴንስን ኣጋይሾምን ኢዩ ዝበዓል: ነዚ ምእንቲ ክጥዕም ድማ እቶም ነቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ዝነደፉ ነዚ ኣብ ግምት የእትዮምዎ ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ብቕድሚኡ መደያይቦ ዘለዎ ተር ዝበለ ኣዕኑድ ምስቲ ናይ ዑደት በዓል ዝግበረሉ ጐደና ከም ዝሰማማዕ ኰይኑ ብውሕልነት እተሰርሐ ኢዩ። እቲ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ደረጃታት ከኣ ብዙሓት ተዓዘብቲ ኮፍ ከብል ዝኽእል ኢዩ።
‘ጣኦት ዝመልኣ’
ብዙሕ ኣብያተ-መቕደስ: ሓውልትታት: ከምኡውን ቅርስታት ብሓደ ዝርከባ ብምዃና ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ: ብመንፈሱ ምቅጻሉ’ ዘገርም ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 17:16) ጳውሎስ ናብቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ምስ ኣተወ በቲ ዝረኣዮ ነገር ሰንቢዱ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኢዩ። ነቲ ሄርሜስ እተባህለ ኣምላኽ ዘመልክት ናይ ወዲ ተባዕታይ ብልዕቲ ዝመስል ሓወልትታት ኣዝዩ ብዙሕ ብምንባሩ: ናይ ሄርሜስ ገበላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዕኡ ጥራይ ከም ዝሕዝ ተገብረ። ካልእ ስእልታት ናይ ሄርሜስ ዘለዎ ክዳውንቲ ድማ ነቲ ምልክት ናይ ምፍራይን ህይወትን ዝዀነ ስዋስቲካ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ናይታ ናይ ጾታዊ ርክብ ፍቕሪ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ቬኑስ ጀነትሪክስ ከምኡውን ናይቲ ብዙሕ ናይ ወዲ ተባዕታይ ብልዕቲ ዘለዎ መስቀል እተሰከመ ድዮኒሰስ ሓወልቲ እውን ኣሎ። ናይቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ “ቅድስና” ንምምልካት ኣብቲ ብእምኒ እተሓጽረ ጋብላ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝኣተዉ ንምንጻህ “ቅዱስ” ማይ ኣሎ።
ነዚ ከምዚ ዝበለ ውዕዉዕ ሃይማኖታዊ ሃዋሁ ብምርኣይ: እቲ ናይ ጳውሎስ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝነበረ ብቐሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ‘ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ይምህር ከም ዘሎ’ ኢዩ ተፈሊጡ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሕጊ ድማ ‘ዋላ ሓደ ሰብ ዝዀነ ይኹን እተፈልዩ ወይ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ክህልዎ የብሉን፣ ብዕሊ እተፈቕደ እንተዘይኰይኑ ድማ ብብሕቱ ዝዀነ ይኹን ሓደስቲ ኣማልኽቲ ከምልኽ ኣይግባእን’ ዝብል ኢዩ። ስለዚ እቲ ሃዋርያ ንኽሕተት ናብቲ ኣርዮስፋጎስ እንተ ተወስደ ዘገርም ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 17:18, 19
ናይ ምምሕዳር ማእከል
ኣብ ዙርያ ናይቲ ቶሎስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ህንጻ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣቴንስ ኣሎ። እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰበ-ስልጣን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ምእንቲ ክርከቡ ብዙሓት ኣቦ መንበራት ናይታ ከተማ ለይቲ ኣብዚ ህንጻ እዚ ይሓድሩ ነበሩ። ቅቡል ዝዀነ እተፈላለየ ሚዛንን መለክዒታትን ኣብ ቶሎስ ይቕመጥ ነበረ። ኣብቲ ጥቕኡ ኸኣ ንእተፈላለየ ክፍልታት ናይ ምምሕዳር ዘድሊ ህንጻታት ይርከብ። እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ቶሎስ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ናብቲ ከረን ገጹ ኣብ ዝጥምት ህንጻ ኣሎ። ኣብዚ እቶም 500 ዝዀኑ ናይ ኮሚቴ ስራሕ ዝሰርሑ ከምኡውን ንኣኼባ ዝኸውን ሕጋውነት ዘዳልዉ ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣኼባ ይገብሩ።
ካልእ ኣገዳሲ ናይ ምምሕዳር ህንጻ ድማ እቲ ንጉሳዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገበላ ኢዩ። ኣብዚ እቲ ካብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝነበረ ቀንዲ መራሒ ናይ ኣቴንስ—ሓደ ካብቶም ናይታ ከተማ ሰለስተ ቀንዲ ገዛእቲ—ዝረከበሉ ዝነበረ ቦታ ኢዩ። ኣብዚ ኰይኑ ንሃይማኖታውን ሕጋውን ነገራት ዝምልከት ብዙሕ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነታት ይፍጽም። ሶቅራጦስ ብድርቅና ተኸሲሱ ዝኸዶ ቦታ ኣብዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ ኣባሓጎታት ሕጊ ናይ ኣቴንስ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ዘሎ ህንጻ ዝርከብ መንደቕ ተቐሪጹ ነበረ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይ ስልጣኖም ማሕላ ንምፍጻም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ቅድሚ እዚ ህንጻ እዚ ኣብ ዘሎ እምኒ ደው ይብሉ።
ናይ ኣትልስ ገበላ
እቲ ብጽቡቕ ዝዀነ ኵነታት እተዓቀበ ህንጻ ናይቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ እቲ ናይ ኣትልስ ገበላ ኢዩ። ከምቲ እቶም ካብ ቦታታት ናይ ከባቢ ሜዲተራንያን ዝዀነ ካልኦት ደቂ ንጉሳውያን ቤተሰብ ዝገብርዎ ዝነበሩ እቲ (ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.) ናይ ጴርጋሞስ ንጉስ ዝነበረ ኣትልስ እውን ከም መንእሰይ መጠን ኣብ ናይ ኣቴንስ ኣብያተ-ትምህርቲ ኢዩ ተማሂሩ። ኣብ ስልጣን ክድይብ ከሎ: ነታ እተማህረላ ከተማ ነዚ እጹብ ዝዀነ ህያብ—ናይ ኣትልስ ገበላ—ሰሪሑ ወፈየ።
እዚ ናይ ኣትልስ ገበላ እዚ ዘይወግዓዊ ዝዀነ ሕብረትን ዕላልን ንምግባር መጽለሊ ይኸውን ነበረ። እቲ ምድሪ ቤቱን ደረጃታቱን ነቲ ዝግበር ናይ ዑደት በዓል ንምርኣይ ኣዝዩ ምቹእ ኢዩ: ቀስ እናበልካ ብእግሪ እትጓዓዘሉ ፍሉጥ ቦታ ብምንባሩ ድማ ዕዉት ናይ ሸመታ ማእከል ክኸውን ከኣለ። እቲ መንግስቲ ምናልባት ነቲ ድኳናት ነቶም ነጋዶ ኣካርይዎ ነይሩ ይኸውን ኢዩ: በዚ ድማ እቲ ህንጻ ከም ምንጪ ናይ ኣታዊ ኰይኑ የገልግል ነበረ።
ከምቲ መጀመርታ ዝነበሮ ኰይኑ እንደገና ብምዕራዩ: እቲ ናይ ኣትልስ ገበላ ብሉጽ ኣብነት ናይ ጅኦሜትራዊ ንድፊ ኢዩ። እቲ ሓፈሻዊ ኣከፋፍላ ናይቲ ቦታ: ኣብ መንጎ እቲ ታሕተዋይን ላዕለዋይ ዓምድታት ዘሎ ደስ ዘብል ፍልልይ: እቲ ባህ ዘብል ጽላልን ብርሃንን ዘለዎ ቦታታት ከምኡውን ዓይነትን ጽባቐን እቲ ህንጻ እተሰርሓሉ ነገራት ኵሉ ፍሉይ ዝገብሮ ኢዩ። ሰለስተ እተፈላለየ ዓይነት ዓምድታት ማለት ናይ ዶርያውያን: ኣዮናውያን: ከምኡውን ግብጻውያን ስለ ዘለዎ ኵሉ ሓደ ዓይነት ከም ዘይከውን ገበሮ።
ቦታ ባህላዊ ንጥፈታት
ኣብ ኣቴንስ ንብዙሕ ባህልታት ከም መድረኽ ኰይኑ ዘገልገለ ህንጻ እቲ ናይ ትያትር ኣደራሽ ኢዩ። እዚ ህንጻ እዚ ናይ ቪፕሳንዩስ ኣግሪጳ: ሰብኣይ ጓሉ ንሮማዊ ሃጸይ ኣጉስጦስ: ህያብ ኢዩ። እቲ ብቕድሚት ዘሎ ክፋሉ: ብዙሕ ሕብሪ ብዘለዎ እምነ-በረድ እተሸፈነ ኢዩ። እቲ መአከቢ ኣደራሽ ብግምት 1,000 ዝኣክል ኮፍ መበሊታት ዘለዎ ዳርጋ 25 ሜትሮ ዝስፍሓቱ ኰይኑ ኣብ መጀመርታ ዓንዲ ማእከል ብዘይብሉ ናሕሲ እተሸፈነ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ጥንቲ ግዜ እቲ ብድፍረት እተሰርሐ ናሕሲ እዚ ኢዩ! ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ካብቲ ኣብኡ ዝርአ ዝነበረ መዘናግዒታት ምናልባት ምስ ናይቶም ሓቀኛታት ክርስትያን ዝለዓለ ናይ ስነ-ምግባር መለክዒ ዘይሰማማዕ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 5:3-5
ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ተመራመርቲ ሰባት ነቲ ናይ ፓንቴኖስ ቤተ-መጻሕፍቲ በጺሖምዎ ክዀኑ ኣለዎም። እቲ መናድቕ ብኢድ እተጻሕፈ ናይ ፓፒረስን ቈርበትን ጥቕላላት ዝሓዘ ብዙሕ ከብሕታት ነበሮ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ናብ ምዕራብ ኣቢሉ ዝጥምት ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኰይኑ ነቲ ብእግሪ ቀስ ኢልካ ንኽትከይድ: ንኸተንብብ: ወይ ንኸተስተንትን ደስ ዘብል: ኣዕኑድ ዘለዎ: ኣጸድ ክርኢ ይኽእል። ናይቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ክልተ ሕግታት ዝሓዘ እተቐርጸ ጽሑፍ እውን ኣሎ። እዚ ድማ “ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ሒዝካ ንደገ ምውጻእ ኣይፍቀድን ኢዩ” ከምኡውን “[እዚ ቤተ-መጻሕፍቲ] ካብ ቀዳመይቲ ክሳዕ ሻድሸይቲ ሰዓት ክፉት ኢዩ” ዝብል ኢዩ።
እቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኣብዚ እዋን እዚ
ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብናይ ኣመሪካን ስኩል ኦቭ ክላሲካል ስታዲስ ምሉእ ብምሉእ ተዃዒቱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣክሮፖሊስ ብምዕራፍ: ብዛዕባ ጥንታዊት ኣቴንስ ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ክፈልጡ ንዝደልዩ ቱሪስት ደስ ዘብል ቦታ ኢዩ።
ካብቲ ናይ ዕዳጋ ቦታን ኣክሮፖሊስን ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ዘሎ ሞናስትሪካኪ ዝበሃል ሓራጅ ክዳውንቲ ዝሽየጠሉ ቦታ እውን ናብ ካልእ ዘገርም ነገር ዝመርሕ ኢዩ። ነቶም በጻሕቲ ብዛዕባ ናይ ግሪኽ ባህልን ጽውጽዋያትን ስነ-ጥበብን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝግበር ዋጋ ዕዳጋታት ዘገርምን ደስ ዘብልን ሓበሬታ ይህብ። ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ 1,900 ዓመታት ይገብር ነቶም ‘ዝረኸቦም’ ብግልጺ ብስራት እታ መንግስቲ ዝነግሮም ዝነበረ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ተሓጒሶም ከምዚ ክገብሩ እቶም በጻሕቲ ይርእይዎም ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ ኣዮንያን እትብል ስም ካብታ ጃቫን: ንያፌት ወዱ: ንኖህ ድማ ወዲ ወዱ ዝመጸት ኢያ።—ዘፍጥረት 10:1, 2, 4, 5
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ኣቴንስ ዝግበር ንግዲ
እቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናይቶም ምሁራትን ምምሕዳርን ሕምብርቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ናይታ ከተማ ቀዳማይ ናይ ንግዲ ቦታ እውን ኢዩ። ኣቴንስ በቲ ዝነበራ ጽኑዕ ባጤራን ብቕንዕና ናይቶም ነቲ ናይ ንግዲ ልውውጣት ልክዕን ርትዓውን ብዝዀነ መገዲ ከም እተገብረ ንኽርእዩ እተመዘዙ ኣመሓደርታን ፍልጥቲ ማእከል ናይ ንግዲ ኰነት።
ኣቴንስ ወይኒ: ዘይቲ: መዓር: እምነ-በረድ: ከምኡውን ከም ስርሓት ካይላን ሓጻውንን ዝኣመሰለ ናይ ኢንዱስትሪ ውጽኢታት ንወጻኢ ትልእኽ ነበረት። ከም ለውጢ ናይዚ ድማ ስርናይ ብብዝሒ ተምጽእ ነበረት። ኣብ ኣቲካ (ኣብ ከባቢ ኣቴንስ ዘሎ ቦታ) ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝኸውን እኹል ነገራት ስለ ዘይፈሪ: ሕግታት ንግዲ ጽኑዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ፒራዩስ (ናይ ኣቴንስ ወደብ) ዘሎ ዕዳጋ ንድሌት እታ ከተማን ሰራዊትን ንምምላእ ኵሉ ግዜ እኹል ዝዀነ ናይ መግቢ ቀረብ ክህሉ ነበሮ። እቶም ነጋዶ ድማ ኣብ ግዜ ሽግር ምእንቲ ብኽቡር ክሸጥዎ ኢሎም ዘድሊ ነገራት ኣብ መኽዘኖም ከቐምጡ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ ነይሩ።