ነታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ ምጽናዕ
1 ልክዕ 30 ሓምለ ኣብ እትጅምር ሰሙን: ነታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍና ኽንወስዳ ኽንጅምር ኢና። ንህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ክርስቶስ ክንምርምርሲ ኽንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እታ መጽሓፍ ቅድሚ ሕጂ ኻብ ዘጽናዕናዮ መጻሕፍቲ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ስለ እተዳለወት: ሒደት መምርሒ ምሃብ ሓጋዚ ኢዩ።
2 ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ መደብ: ዝርዝር ናይቲ ዝውሰድ ምዕራፋት ክህልዎ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ምዕራፋት ኢዩ ዝውሰድ። ምዕራፍ 35: 111 ከምኡውን ምዕራፍ 116 ንውሕ ዝበላ ስለ ዝዀና ነፍሲ ወከፈን ኣብ ከክልተ መጽናዕቲ ክኽፈላ ኢየን። ሓደ ብቑዕ ሓው ንሓንቲ ምልእቲ ምዕራፍ (ወይ ምዕራፍ 35: 111 ከምኡውን ምዕራፍ 116 ክውሰድ ከሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ብምሉኡ) ድሕሪ ምንባቡ እቲ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ: ነቲ ምስቲ እተነበ ምዕራፍ ወይ ክፍሊ ዝሰማማዕ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዝርከብ ሕቶታት ይሓትት። ኣብቲ ምዕራፍ ዘሎ መልሲ ናይቲ ሕቶታት ኵሉ ግዜ ብመስርዕ ኢዩ ዝርከብ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዝወሃብ ቀንዲ ሓሳባት ዝሓዘ ሕጽር ዝበለ መልሲ ኣብቲ ዝጽናዕ ዘሎ ትምህርቲ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ።
3 ድሕርዚ: ግዜ ከም ዘፍቀዶ ኣብ መወዳእታ እቲ ምዕራፍ ዘሎ ዅሉ ጥቕስታት ክንበብ ኣለዎ። እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ኣብ ንባብ ግደ ምእንቲ ኽህልዎም እቲ ንውሕ ዝበለ ጥቕስታት መቓቒልካ ከም ዝንበብ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እቲ እተነበ ጥቕሲ ሓሳባት ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝመርሕ ሓው ዘዳለዎ እተወሰነ ሕቶታት እቲ ጥቕስታት ምስቲ ኣብቲ መጽሓፍ ጐሊሑ ዘሎ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ዝገልጽ ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ንምሃብ ዝሕግዝ ኢዩ። እቲ ዝቐርብ ሕቶታትን ዝወሃብ ሓሳባትን ብምሉኡ ነቶም ተኣከብቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ናብራ ህይወቱ: ከምኡውን ኣብ ትምህርትታቱ ንኸተኵሩ ዝሕግዞም ክኸውን ኣለዎ።
4 መጽሓፍ ዝዓበየ ሰብኣይ ንናብራ ህይወት የሱስ ብመስርዕ እቲ እተፈጸመሉ ግዜ ኢያ እተቕርቦ። ንፍጻመታትን እተፈጸመሉ ቦታን ኣብ ኣእምሮና ምስኣል ንኽንዝክሮ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝሕግዝ። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ውቁብ ስእልታት ኣብ ግምት እናእተኻ: ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይታ መጽሓፍ ደድሕሪ እቲ ናይ መእተዊ ሓሳባት ተሳኢሉ ዘሎ ካርታ ኣዘውቲርካ ምንጽጻር ኣይትረስዕ።
5 መእተዊ ናይታ መጽሓፍ ኣብ መጀመርታ ናይታ ሰሙን ክጽናዕ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ዅሉ ሕጡብ ጽሑፋት ምስ ተነበ: እቲ መራሒ ነቲ እተዳለወሉ ሕቶታት ይሓትት። እዚ ናይ መእተዊ ሓሳባት እዚ ነቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝውሰድ መጽናዕትታት ዘዳሉ ኢዩ። እቲ ጽሑፍ ብግቡእ ንኽጽናዕ ብዓብዪኡ ኣብ ምድላው ናይቶም ተኣከብቲ ኢዩ ዝምርኰስ። ብፍላይ እቲ መራሒ ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ ተኣከብቲ ምስቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ጽቡቕ ገይሮም ንኽላለዩ ምእንቲ ኽሕግዞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብግቡእ ክዳሎ የድሊ።