ዕርክነታዊ ዕላል ኣብ ልቢ ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ
1 ዕላል “ኣፍኣዊ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ” ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ንኻልኦት ሰባት ዘተሓሳስቦም ኣርእስቲ ገይርካ ዕርክነታዊ ዕላል ምጅማር ንተገዳስነቶም ክማርኽ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኣልባቦም ንኸነብጽሖ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንሰባት ስብከት ኣብ ክንዲ ምሃብ ኣብ ዕርክነታውን ዘየዋጥርን ዕላል ከም ዝሳተፉ ምግባር ኣዝዩ ኣስላጢ ምዃኑ ተመክሮ የርኢ ኢዩ።
2 ዕርክነታዊ ዕላል ብኸመይ ከም ዝጅመር:- ምስ ካልኦት ሰባት ከተዕልል ምኽኣል ማለት ናይ ሓሳባትን ቅዱስ ጽሑፋትን ዘደንጹ ኣሰራርዓ ከነቕርብ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ብቐሊሉ እቲ ካልእ ሰብ ኣብቲ ዕላል ምሳና ከም ዝሕወስ ምግባሩ ማለት ኢዩ። ንኣብነት: ምስቲ ኣብ ጥቓ ገዛና ዘሎ ጐረቤትና ዕርክነታዊ ዕላል ክንገብር ከሎና ፍዅስ ዝበለ ድኣምበር ተሪር ኣይኰነን። ነቲ ዝገልጾ ሓሳባት ብባህርያዊ መገዲ ንምልሰሉ ድኣምበር ብዛዕባ እቲ ቐጺልና እንብሎ ቃላት ኣይንሓስብን ኢና። ነቲ ዝዛረቦ ዘሎ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይ ምሳና ዕላል ክቕጽል ከተባብዖ ይኽእል ኢዩ። ንኻልኦት ክንምስክረሎም ከሎና ድማ ከምዚ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።
3 ከም ገበን: ናይ መንእሰያት ግድል: ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጕዳያት: ኵነታት ዓለም ወይ ድማ ኵነታት ኣየር እውን ከይተረፈ: ዕርክነታዊ ዕላላት ንምጅማር ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። ንህይወት ሰባት ብቐጥታ ዝትንክፍ ኣርእስትታት ተገዳስነቶም ኣብ ምልዕዓል ኣዝዩ ኣስላጢ ኢዩ። ሓንሳእ ዕላል ምስ ተጀመረ: ቀስ ኢልና ናብ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና።
4 ፍዅስ ዝበለ ዕላል ምዕላል ማለት ኣቐዲምካ ምድላው ኣየድልዮን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣቐዲምካ ምድላው የድሊ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዘይተዓጻጸፍ ወይ ድማ ምስቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ነገር ዘይዋሃሃድ ዕላል ከስዕብ ዝኽእል: ተሪር ኣገባብ ምስራዕ ወይ ስብከት ምሽምዳድ ኣየድልን ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 9:20-23 ኣረኣእዮ።) ሓደ ካብቲ ንምድላው ዝበለጸ መገዲ ዝኸውን: ካብኡ ተበጊስካ ዕላልካ ምስፋሕ ዝብል ዕላማ ብምሓዝ ሓደ ወይ ክልተ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት ምምራጽ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ምምርማር ዝርከብ ኣርእስትታት ምድጋሙ ነዚ ከም ዝሕግዝ ርግጽ ኢዩ።
5 ንዕርክነታዊ ዕላል ዝኸውን ኣድላዪ ባህርያት:- ምስ ካልኦት ከነዕልል ከሎና ፍሽሕዋትን ቅኑዓትን ክንከውን ኣሎና። ፍሽኽታን ሕጕስ ትርኢትን ነዚ ባህርያት እዚ ንምንጽብራቕ ይሕግዝ ኢዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ እቲ ዝበለጸ መልእኽቲ ኢዩ ዘሎና፣ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ድማ ኣዝዩ ዝማርኽ ኢዩ። እቲ ኣብኣቶም ዘርኣናዮ ተገዳስነት ብስራት ከነካፍሎም ኢልና ካብ ቅኑዕ ባህጊ ዝገበርናዮ ምዃኑ እንተድኣ ተረዲእዎም: ክሰምዑና ክድረኹ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ቈረ. 2:17
6 ኣብ ዕላል ምስታፍ ባህ ዘብል ተመክሮ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ: ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ከነቕርብ ከሎና ሕያዎትን ብልሓተኛታትን ክንከውን ኣሎና። (ገላ. 5:22፣ ቈሎ. 4:6) ነቶም ኣብቲ ዕላል ዘለዉ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ጦብላሕታ ክንገድፈሎም ንጽዓር። በዚ መገዲ እዚ: ኣብ መጀመርታ እኳ ኣብ ልቡ ንምብጻሕ ዕዉታት እንተ ዘይኰንና: ካልእ ግዜ ሓደ ምስክር ምስኡ ከዕልል ከሎ ዝያዳ ተቐባሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
7 ዕርክነታዊ ዕላል ክትጅምር ምኽኣል ውጽኢት ምልከት ናይ ሓደ ሕልኽልኽ ዝበለ ስብከት ኣይኰነን። ብቐሊሉ ብዛዕባ ንሓደ ሰብ ዘተሓሳስቦ ኣርእስቲ ተገዳስነት ናይ ምልዕዓል ጕዳይ ኢዩ። ሓንሳእ ኣቐዲምና ምስ ተዳሎና: ንሰባት ኣብ ዕርክነታዊ ዕላላት ከነሳትፎም ድሉዋት ክንከውን ኢና። ነቲ ናይታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ በረኸታት ዝሓቘፈ ኣሎ ዝበሃል ዝበለጸ ዜና ብምምቓል: ኣብ ኣልባብ እቶም እንረኽቦም ሰባት ክንበጽሕ ንጽዓር።—2 ጴጥ. 3:13