ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/02 ገጽ 8
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ ፕሮግራም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ ፕሮግራም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣሕዋትካ እመኖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 10/02 ገጽ 8

ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ ፕሮግራም

1 ኣብዛ ምርግጋእ ዘይብላ ዓለም ካብ እምነትና ፈልከት ከይበልና ንምንባር: ኣብ የሆዋ ኽንምዕቈብ ኣሎና። እዚ ብግብሪ ኽንፍጽሞ ኸሎና እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ንናይ ብሕትናን ስድራቤትናን ህይወት ብኸመይ ይትንክፎ፧ ነቲ ኻብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝመጸና ጽልዋ ንኽንቃወሞ ዝሕግዝናኸ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብ 2003 ዓመት ኣገልግሎት ዝካየድ ናይ ወረዳ ኣኼባ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽምልሰልና ኢዩ። ቀንዲ ኣርእስቱ “ብየሆዋ ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር” ዝብል ኢዩ።​—⁠መዝ. 37:⁠3

2 ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኣብ ግዜ ጸበባ ጥራይ ኣይኰነን ክርአ ዘለዎ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እውን ጽልዋ ኽገብረልና ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብቲ “ኵሉ ግዜ ብየሆዋ ተወከሉ” ዘርእስቱ መኽፈቲ ዝርርብ ተንጸባሪቑ ኢዩ። (መዝ. 62:⁠8) እቲ ኣርባዕተ ኽፍሊ ዘለዎ “ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ምንጽብራቕ” ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ዕዉት ሓዳር ንምምስራት: ኣብ ስድራቤት ዘጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ: ከምኡውን ብስጋ ዘድልየና ነገራት ንምምላእ ዝሕግዘና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እንረክብን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎን ክሕብረና ኢዩ።

3 እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብዛዕባ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎና ኣረኣእያ ብምጥዋይ ነቲ ዘድልን ዘየድልን ምፍላይ ከም ዘጸግመና ኽትገብር ትጽዕር ኢያ። (ኢሳ. 5:⁠20) እቲ “ካብ ከንቱነት ህይወት ተጠንቀቑ” ከምኡውን “ካብ እከይ ርሓቑ: ገበርቲ ሰናይ ድማ ኹኑ” ዘርእስቱ ዝርርባት ነቲ ልዑል ስርዓታት የሆዋ ንምስዓብ ቈራጽነት ንኽንገብር ከበራትዓና ኢዩ።​—⁠ኣሞ. 5:⁠14

4 የሆዋ ኣብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ጥፍኣት ከምጽእ ከሎ: ኣገልገልቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽውከሉ ኸድልዮም ኢዩ። እዚ ድማ “ካብዚ ናይዛ ዓለም ጭንቂ እንድሕነሉ እዋን ቀሪቡ” ኣብ ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክጐልሕ ኢዩ። ድሕሪኡ “ንመንግስቲ ኣምላኽ እትበቅዕ ዲኻ፧” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘለዎ ኽፍሊ ገዛእ ርእስና ንኽንምርምር ጻውዒት ክቐርበልና ኢዩ። እቲ ኣኼባ “ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ተወከሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ኽዛዘም ኢዩ።

5 ናይ ጥምቀት ዝርርብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓብዪ ኣኼባ ፍሉይ ቈላሕታ ይወሃቦ ኢዩ። ክጥመቑ ዝደልዩ ዘበሉ እቲ ዘድሊ ምድላዋት ምእንቲ ኽግበረሎም ብቕልጡፍ ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኽነግሩ ይግባእ።

6 ኣብዚ ምርግጋእ ዘይብሉ እዋን: የሆዋ ጥራይ ኢዩ ናይ ሓቂ ምንጪ ምትእምማንን ርግኣትን ክዀነና ዝኽእል። (መዝ. 118:⁠8, 9) እምበኣር ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብምክፋል ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ነደልድል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ