ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/04 ገጽ 6
  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ወረዳ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ዓበይቲ ኣኼባታት ደጊምና ንምምርማር እተገብረ ሓድሽ ምድላው
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 10/04 ገጽ 6

ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ

እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ኣብ 2005 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ዚድህስስን ድሕሪ ምውድኡ ድማ ደጊሙ ዜመያይጥን እዩ። እታ “ዓበይቲ ኣኼባታት ደጊምካ ንምምርማር እተገብረ ሓድሽ ምድላው” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 9 ናይዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ ዓንቀጽ: እዚ ድግማ እዚ ብኸመይ ከም ዚውሰድ ትሕብረና እያ። ንዅሉ እዚ ኣብዚ ድግማ ዘሎ ሕቶታት ንምሕታት ግዜ ምእንቲ ኽትረክብ: ነቲ እተዋህበካ ግዜ ብግቡእ ኣመቓርሓዮ። እዚ ድግማ እዚ ነቲ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝቐረበ ትምህርትታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ዜጕልሕ ኪኸውን ኣለዎ።

ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣኼባ

1. ንየሆዋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (“ድምጺ የሆዋ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧”)

2. ስድራቤታት ጽቡቕ መደብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪህልወን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (“እተን ንቓል ኣምላኽ ኣቓልቦአን ከይተሰርቀ ዚሰምዓ ስድራቤታት”)

3. ኣብዚ ወረዳ እዚ ዘለዉ ኣሕዋት ብኸመይ እዮም ንዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዚጥቀምሉ፧ (“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ”)

4. ካብቲ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 3ን 4ን ዚርከብ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ሎሚ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚዛረበና ዘሎ፧ (“ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ጽን ኢልና ምስማዕና ዕቝባ ይዀነና”)

5. ካብቲ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ብኸመይ ተጠቒምኩም፧ (“ህይወትካ ምውፋይን ጥምቀትን”)

ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ

6. ካብቲ የሱስ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘሐለፎ ተመክሮ እንታይ ከነስተውዕል ንኽእል: ኣብዚ ወረዳ እዚ ዘለዉ መንእሰያትከ ነዚ ዜንጸባርቕዎ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (“መንእሰያትና ቓል ኣምላኽ ጽን ኢሎም ምስ ዚሰምዑ ብኸመይ እዮም ኪዕጠቑ ዚኽእሉ፧”)

7. ወለዲ ንሕጻናትን ንነኣሽቱ ደቆምን መገድታት የሆዋ ኺምህሩ ዚጅምሩሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (“እቶም ንኣምላኽ ዚሰምዕዎን ካብኡ ዚመሃሩን ቈልዑ”)

8. ኣብ ከመይ ዝበሉ ኣገደስቲ መዳያት ኢና ንየሆዋ: ንየሱስ: ከምኡውን ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ዚግብኣና፧ (ማቴ. 24:45) ከምዚ ምግባር ኣድላዪ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (“ኣምላኽ ንዚህበና መምርሒ ወርትግ ነቕልበሉ”)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ