ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
እዚ ጽሑፍ እዚ እቲ ኣብ ናይ 2006 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ አኼባ ቕድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውዳኡን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ዚውሰድ እዩ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኸምቲ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 ተገሊጹ ዘሎ ነዚ ዚኸውን ምድላው ኪገብር ኣለዎ። እዚ ድግማ እዚ ኺውሰድ ከሎ: ነቲ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝቐረበ ትምህርትታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ብምትኳር ኵሉ ሕቶታት ኪሕተት ኣለዎ።
ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣኼባ
1. ጥዕይቲ ዓይኒ ምህላው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ሎሚ ጥዕይቲ ዓይኒ ኽትህልወካ ኣጸጋሚ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧ (“ጥዕይቲ ዓይኒ ኽትህልወኩም ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧”)
2. ጥዕይቲ ዓይኒ ምስ እትህልወና እንባረኽ ብኸመይ ኢና፧ (“ጥዕይቲ ዓይኒ ብምሓዝ በረኸት ዕጸዱ”)
3. እቲ ብዙሓት ሰባት ልሙድ ንጥፈታት ገይሮም ዚርእይዎ እንታይ ሓዳጋ እዩ ዘለዎ፧ (“ኣብዛ እክይቲ ዓለም ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኹም”)
ናይ ድሕሪ ቐትሪ መደብ
4. ወለዲ ይኹኑ ኻልኦት: ንመንእሰያት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምእንቲ ኼተኵሩ ብኸመይ ኬተባብዕዎም ይኽእሉ፧ (“ፍላጻኦም ኣጥዕዮም ዚሕዙ ወለዲ” ከምኡውን “ንመንፈሳዊ ሸቶታት ዚመጣጠሩ መንእሰያት”)
5. (ሀ) ከም ውልቀ ሰብ (ለ) ከም ስድራቤታት (ሐ) ከም ጉባኤ መጠን ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ማዕረ ኽንስጕም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ማዕረ ኣብ ምስጓም ኣተኵሩ”)