ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ
ኣብዘን ናይ መወዳእታ መዓልትታት እዛ ብልሽውቲ ኣረጊት ዓለም: መንፈሳዊ ኽዳውንትና ኽንእርንብን ክርስትያናዊ መንነትና ኽንዕቅብን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ራእ. 16:15) ስለዚ እምበኣር: እቲ ናይ 2006 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ “ሓድሽ ሰብነት ልበሱ” ዚብል ኣርእስቲ ኺወሃቦ ግቡእ እዩ።—ቈሎ. 3:10
ቀዳመይቲ መዓልቲ:- እቲ “ሓድሽ ሰብነት ብብዙሕ መዳይ ምንጽብራቕ” ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ ዓውደ-መጽናዕቲ: ሓድሽ ሰብነት ምልባስ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ኼጕልሓልና እዩ። ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ “ብግቡእ ንምስትንታን ርእስኹም ኣላምዱ” ከምኡውን “ሓድሽ ሰብነት ኪቐርጽ ዚኽእል ትምህርቲ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ኽልተ መደረታት እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽትምለስ እያ።
ካልኣይቲ መዓልቲ:- ኣብቲ “መልሓስ ጠቢባን ምጥራይ” ዘርእስቱ ኻልኣይ ዓውደ-መጽናዕቲ: ሓድሽ ሰብነት ኣብ ኣጠቓቕማ ልሳንና ብኸመይ ከም ዚጸልወና ኺግለጽ እዩ። እቲ “ነቲ እኩይ ትስዕርዎዶ ኣለኹም፧” ዚብል ኣርእስቲ ሒዙ ዚቐርብ ህዝባዊ መደረ: ንውዲታት ሰይጣን ንቑሕ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኼጕልሓልና እዩ። እቲ “ርእስኹም ካብ ርኽሰት ዓለም ሓልዉ” ከምኡውን “ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ምሕዳሱ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ኽልተ መደረታት: ምስ ጽድቃዊ መገድታት ኣምላኽ ዚጋጮ ባህርያትን ጠባያትን ከነወግድ ከምኡውን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ጸኒዕና ኽንቅጽል ኪሕግዘና እዩ።
ነዚ መተባብዒታት እዚ ተቐቢልና ሓድሽ ሰብነት ክንለብስሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንህንጠ!