ናይ ወረዳ ኣኼባ ድግማ
እዚ ጽሑፍ እዚ እቲ ናይ 2006 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ናይ ወረዳ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውዳኡን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ዚውሰድ እዩ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኸምቲ ኣብ ናይ መስከረም 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 ተገሊጹ ዘሎ ነዚ ዚኸውን ምድላው ኪገብር ኣለዎ። እዚ ድግማ እዚ ኺውሰድ ከሎ: ነቲ ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዝቐረበ ትምህርትታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ብምትኳር ኵሉ ሕቶታት ኪሕተት ኣለዎ።
ቀዳመይቲ መዓልቲ
1. ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ እንኽእል ብኸመይ ኢና: ነዚ ኽንዕቅቦ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧
2. ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ዕዮ ስብከት ዘለዎም ግደ ዜስፍሑ ብኸመይ እዮም፧
3. ንርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድራ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
4. ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶም ሓድሽ ሰብነት ከም ዝለበሱ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
5. ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ብተኣማንነት ደገፍና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6. ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓድሽ ሰብነት ከም ዝለበስና ኸነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
7. ግቡእ ምስትንታን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታንከ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
8. ኣብ ትሕቲ ኢድ የሆዋ ምእዙዛት ኪገብረና ዚኽእል ባህርያት እንታይ እዩ፧
ካልኣይቲ መዓልቲ
9. ንልሳንና ብግቡእ ክንጥቀመላ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
10. ምስ መሳርሕትና: መማህርትና: ከምኡውን ምስ ካልኦት ሰባት ዚሃንጽ ዘረባ ምዝራብ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧
11. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኣብ እንገብሮ ርክብ: ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 4:25-32 ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12. ንልሳንና ብግቡእ ክንጥቀመላ ዚሕግዘና ኣዝዩ ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧
13. ነቲ እኩይ ምእንቲ ኽንስዕሮ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
14. ኣብ ከመይ ዝበለ መዳያት ኢና ንርእስና ኻብ ርኽሰት ዓለም ክንሕልዋ ኽንጽዕር ዘሎና፧
15. ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ከነሐድስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ከምዚ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
16. ካብቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ ዝቐረበ ትምህርቲ: ነየናይ ኢኻ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ መዲብካ ዘለኻ፧