ኣብ ጥቅምቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ዲኻ፧
1 ኣብ ጥቅምቲ ዚዕደል ጽሑፋት፡ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን እዩ። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት፡ በታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ጌርና ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምሮም ጻዕሪ ኽንገብርን መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧
2 ነታ ትራክት ብኸመይ ከም እንጥቀመላ፦ ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “እተን ዝሓደግኩልካ መጽሔታት፡ ኵሉ ዓይነት ድሕረ-ባይታን ሃይማኖትን ንዘለዎም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርምሩ የተባብዓ እየን። [ነቲ ብዓል ቤት ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ሂብና፡ ናብቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ሕቶታት ነመልክት።] ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዜዕግብ መገዲ መልሲ ዚህበሉ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ። ካብዘን ሕቶታት እዚኣተን፡ ነየኖት ሓሲብካለን ትፈልጥ፧” እቲ ብዓል ቤት ዚህበና ምላሽ ምስ ሰማዕና፡ ኣብታ ትራክት ዚርከብ ንሓንቲ ኻብተን ሕቶታቱ ዚኸውን መልሲ ብሓባር ነንብቦ፣ ሓንቲ ኻብተን ኣብኡ ዘለዋ ጥቕስታት እውን ነንብበሉ። ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ብዙሕ ነገራት ከም ዚምህር ድሕሪ ምግላጽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንሃቦ። ቀጺልና፡ ካብቲ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ነየነይቲ ምዕራፍ ከም ዚሓሪ ምስ ፈለጥና፡ በተን ኣብ መእተዊ እታ ምዕራፍ ዘለዋ ሕጡብ ጽሑፋት ክንመያየጥ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ናብቲ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ትራክት እተመያየጥናሉ ጕዳይ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ዚርከበሉ ቦታ ኽንግንጽል ንኽእል ኢና። ገለ ኻብቲ ሽዑ ኽንጥቀመሉ እንኽእል መወከሲታት እንሆ፦
● ኣምላኽ ብሓቂዶ ይሓልየልና እዩ፧ (ገጽ 9-11፡ ሕ.ጽ. 6-10)
● ውግእን መከራን ዜብቅዓሉ ግዜ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ (ገጽ 12፡ ሕ.ጽ. 12-13)
● ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ (ገጽ 59-61፡ ሕ.ጽ. 7-8)
● ምዉታት ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ፧ (ገጽ 71፡ ሕ.ጽ. 13-15)
● ጸሎተይ ብኣምላኽ ንኺስምዓለይ ብኸመይ ክጽሊ እኽእል፧ (ገጽ 166-167፡ ሕ.ጽ. 5-8)
● ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ሓጐስ ክረክብ እኽእል፧ (ገጽ 9፡ ሕ.ጽ. 4-5)
3 ኣብ መፈለምታ ተመላሊስካ ምብጻሕ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርና መጽናዕቲ ንኸነጀምር ወይ ንኸነርኢ ዅነታት እንተ ዘይፈቒዱልና፡ ካልእ ግዜ ተመሊስና ምይይጥና ንምቕጻል ቈጸራ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እቲ ሰብ እንተ ደልዩ ኸኣ፡ ነታ መጽሓፍ ቅድሚ ምልላይና፡ በታ ትራክት ጌርና ኣብ እተፈላለየ ምብጻሓት ብዛዕባ እተፈላለየ ሕቶታት ክንመያየጥ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ኣብ ጥቅምቲ ነዛ ጠቓሚት ትራክት እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ‘ንሓቂ ኺፈልጥዋ’ ንምሕጋዝን ብግቡእ ንጠቐመላ።—ዮሃ. 8:31, 32።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. ኣብ ጥቅምቲ ዚዕደል ጽሑፋት እንታይ እዩ፧
2. መጽሔታት ንእተቐበለና ሰብ ተመሊስና ኣብ እንበጽሓሉ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር፡ ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
3. ከከም ኵነታቱ ኣቀራርባና ኽንቀያይር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧