ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/10 ገጽ 1
  • ዓይንኻ ጥዕይቲ ድያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓይንኻ ጥዕይቲ ድያ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኻ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ቀሊል ናብራ ምንባር ንኣምላኽ ክንውድሶ ይሕግዘና
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 6/10 ገጽ 1

ዓይንኻ ጥዕይቲ ድያ፧

1. ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

1 ኣዒንትና ትዅረት ዚገብረሉ ነገራት ንተግባራትና ይጸልዎ እዩ። እተን የሱስ፡ “ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን” ኢሉ እተዛረበን ቃላት፡ ምስ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዚሰማምዓ ዀን እየን! (ማቴ. 6:22) ዓይንና ብመንፈሳዊ መዳይ “ጥዕይቲ” እንተ ዀይና፡ ኣብ ሓደ ዕላማ፡ ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ጥራይ ዘተኰረት እያ እትኸውን። ብዘይካዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንደሊ፡ ካብ ኣገልግሎትና ኺዓናቕፈና ዚኽእል ዘየድሊ ስጋዊ ነገራት ወይ ንጥፈታት ከኣ ንኸነወግድ ትሕግዝና እያ።

2. ንኣመለኻኽታና ኺጸልዎ ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧ እንታይ ግን ኪሕግዘና ይኽእል፧

2 ኣድላይነት ርእስኻ ምምርማር፦ እቲ መራኸቢ ብዙሓን ብመወዓውዒ ኣቢለን ከም ዜድልየና ዚገልጻኦ ነገራት ወይ እቲ ኻልኦት ሰባት ዘለዎም ነገራት ንኣመለኻኽታና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ጕልበትን ዚሓትት ነገር ቅድሚ ምግባርካ ወይ ምዕዳግካ፡ ‘እዚ ነቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ዜመሓይሽ ድዩ ወይስ ዚዓናቕፍ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ብምሕታት፡ ወጻኢታትካ ‘ምጽብጻብ’ ጠቓሚ እዩ። (ሉቃ. 14:28፣ ፊል. 1:9-11) ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ምእንቲ ኽንዓምም፡ ናብራና ቐሊል ክንገብር እንኽእለሉ መገድታት በብግዜኡ ምሕሳብ ጥበባዊ እዩ።—2 ቈረ. 13:5፣ ኤፌ. 5:10።

3. ካብቲ ሓንቲ ሓብቲ ቐሊል ናብራ ንምንባር ዝገበረቶ ምትዕርራይ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

3 ሓንቲ ሓብቲ ፈላሚት ኣብ ዝዀነትሉ እዋን፡ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ሰሪሓ ዜድልያ ነገራት ከተማልእ ትኽእል እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሓ ኽትቅጽል ግን ወሰነት። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን፡ “ዋላ ሓደ ሰብ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ኣይክእልን። ዜድልየኒ ዘበለ ንምምላእ ዚብህጎ ነገራት መስዋእቲ ኽገብር ኣሎኒ። ስጋዊ ነገራት በላዪ ምዃኑ፡ ንኽረኽቦ ኢለ ዝገብሮ ጻዕሪ ኸኣ ትርፉ ድኻም ከም ዝዀነ ተረዳእኩ” በለት። ቀሊል ናብራ ኽትነብርን ስራሓ ኽትቅይርን ኵነታታ ስለ ዝፈቐደላ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ክትቅጽል ከኣለት።

4. ሎሚ ጥዕይቲ ዓይኒ ኽትህልወና ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ዘለናሉ ግዜ ህጹጽ ብምዃኑ፡ ጥዕይቲ ዓይኒ ኽትህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ ብዝሓለፈት መጠን፡ ናብቲ እዚ ስርዓት እዚ ዜብቅዓሉን እታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም እትጅምረሉን እዋን ብዝያዳ እናቐረብና ኢና እንኸይድ። (1 ቈረ. 7:29, 31) ስለዚ፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምትኳር፡ ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ኸነድሕን ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 4:16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ