ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ
“ሎሚ ኣብዚ ኸባቢ ንዘለዉ ሰባት፡ ነዛ ትራክት እዚኣ ነበርክተሎም ኣለና። [ነቲ ብዓል ቤት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ትራክት ሃቦ፣ ድሕሪኡ ኣብቲ ገበር ንዘሎ ሕቶታት ሕተቶ። ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ዘሎ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእዮ እሞ፡ ግዜ ምስ ረኸበ ነታ ትራክት ንኼንብባ ኣተባብዓዮ።] ሓያሎ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ኸም ዚህብ ኣይፈልጡን እዮም። [ኣብ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ እታ ግምቢ ዘብዐኛ ንዘሎ ሕቶታት ኣርእዮ።] እዛ መጽሔት፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ብኸመይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኽትረኽቦ ኸም እትኽእል ትገልጽ እያ።”
ንቕሑ! ሚያዝያ
“ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራ ቤታት ዚርእይዎ ለውጢ ይጭነቑ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ሎሚ ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ እንገብር ዘሎና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ወለዲ እዮም ንደቆም ዚእዝዙ ነይሮም፣ ሕጂ ግና ኣብ ገሊኡ ኣባይቲ ውሉዳት ንወለዶም ዚእዝዙ እዩ ዚመስል። ሎሚ ዘለዉ ወለዲ፡ ከምቲ ዚድለ ገይሮም ንውሉዳቶም ዚቐጽዑዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መቕጻዕቲ ኣገዳሲ እዩ። [ምሳሌ 29:17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳት ብዛዕባ ምቕጻዕ እንታይ ሚዛናዊ መምርሒ ኸም ዚህብ ትገልጽ።”