ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ሎሚ ኣብዚ ኸባቢኹም ንዘለዉ ሰባት፡ ነዛ ትራክት እዚኣ ነበርክተሎም ኣለና። መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ግብራዊ ጥቕሚ እያ እትገልጽ። እዚኣ ንዓኻ እያ። [ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ እትብል ትራክት ኣበርክተሉ።] ገለ ሰባት፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ስራሐይ ኪሕግዘኒ ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ኣለዎዶ፧’ ኢሎም ይሓስቡ። እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ከም እትብል እሞ ርአ። [መክብብ 3:13 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ ስራሕና ሓጐስ ንኽንረክብ ኪሕግዘና ዚኽእል እተወሰነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ። ከተንብባ ምደለኻዶ፧”
ንቕሑ! ለካቲት
“ንጐረባብትና ነዛ እዋናዊት መጽሔት ንቕሑ! ንኸነርእዮም ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ ንገብር ኣለና። ነዛ ኣገዳሲት ሕቶ እዚኣ ዚኸውን መልሲ ኣለዋ። [ንገበር እታ መጽሔት ኣርእዮ።] ነዚ ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ኣብነት ንዘሎካ ርእይቶ ኽፈልጥ ምደለኹ። [ምሳሌ 29:11 ኣንብብ።] እዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ዚዓዪዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንኣርባዕተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ንዕአን ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዚርከብ ጥቕምን ትገልጽ።”