ንዓይነ ስዉራን ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ሓግዞም
1. የሱስ ንዓይነ ስዉራን ከም ዚርሕርሓሎም ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
1 የሱስ ዝሞተሉ ግዜ ሒደት መዓልታት ምስ ተረፎ፡ ካብ ከተማ ያሪኮ ነቒሉ ይወጽእ ነበረ። ሽዑ ኽልተ ዕዉራን ለመንቲ ዓው ኢሎም፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” በሉ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ኸቢድ ፈተናታት ይሓስብ እኳ እንተ ነበረ፡ ደው ኢሉ ነቶም ሰባት ጸውዖም፡ ኣሕወዮም ከኣ። (ማቴ. 20:29-34) ንሕናኸ ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ርሕራሐ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧
2. ጋህዲ ኣብ ዝዀነ ቦታታት ንዝረኸብናዮ ዓይነ ስዉር ብኸመይ ክንምስክረሉ ንኽእል፧
2 ሓግዞም፦ ጋህዲ ኣብ ዝዀነ ቦታታት ሓደ ዓይነ ስዉር እንተ ኣጓኒፉካ፡ መጀመርታ ተላለዮ እሞ ኽትሕግዞ ፈትን። ሰባት ንዓይነ ስዉራን መብዛሕትኡ ግዜ ስለ ዚብለጹሎም፡ እቲ ሰብ ኣብ ፈለማ ኺጠራጠር ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ሓቂ ምሕዝነታዊ ኣቀራርባኻን ልባዊ ተገዳስነትካን ፍዅስ ከም ዚብሎ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ዑረት እተፈላለየ ደረጃ ኸም ዘለዎን እቲ እንህቦ ሓገዝ ከኣ በቲ ደረጃ እቲ ኺውሰን ከም ዚኽእልን ክንርስዕ የብልናን። ነቲ ሰብ ምስ ሓገዝካዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምህር ተዋፊርካ ኸም ዘለኻ ኽትጠቕሰሉ ትኽእል ትኸውን። ሓንቲ ጥቕሲ ኸተንብበሉ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ መዝሙር 146:8 ወይ ኢሳይያስ 35:5, 6 ከተንብበሉ ትኽእል ኢኻ። ብረይል ኬንብብ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ንኺፈልጥ ኪሕግዞ ዚኽእል ሕታማት ብረይል ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሕተቶ። ካብ jw.org ብኣውድዮ እተዳለወ ሕታማት ንኺረክብ እውን ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ኮምፕዩተር እንተ ኣልይዎ እሞ፡ ኮምፕዩተሩ ኣብ ስክሪን ንእተጻሕፈ ኼንብብ ዚኽእል ፕሮግራም እንተ ኣልይዋ፡ ነቲ ኣብ jw.org ዘሎ እተሓትመ ዓንቀጻትን ነቲ ብRTF (Rich Text Format) ኪራገፍ ዚኽእል ሕታማትን ምስ ዝረኽቦ ኼማስወሉ ይኽእል እዩ።—“ንሓደ ዓይነ ስዉር ክትሕግዞ ኸለኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
3. ኣብ ክልና ንዘለዉ ዓይነ ስዉራን ብኸመይ ከነናድዮም ንኽእል፧
3 ንዓይነ ስዉራን ድለዮም፦ ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓይነ ስዉራን ኣይንረክብን ኢና። ከመይሲ፡ መብዛሕትኦም ዓይነ ስዉራን ንዘይፈልጥዎ ሰብ ማዕጾ ኸፊቶም ከዘራርብዎ ይኸብዶም እዩ። ስለዚ፡ ንዓይነ ስዉራን ‘ደሊና’ ምስክርነት ክንህቦም ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። (ማቴ. 10:11) ካብ መሳርሕትኻ ወይ ካብ መማህርትኻ ዓይነ ስዉር ኣሎዶ፧ ተበግሶ ወሲድካ ኣዘራርቦ። ኣብ ክልኻ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራን እንተ ኣልዮም፡ ንገለ ኻብቲ ብብረይል እተዳለወ ሕታማትና ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ኪቕመጥ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሕተተ። ዓይነ ስዉር ኣባል ስድራ ቤት ዘለዎ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ክልኻ ንዓይነ ስዉርን ወይ ከኣ ዓይነ ስዉራን ኣብ ዚቕመጡሉ ኣባይቲ ዚሕግዛ ውድባት ኣለዋዶ፧ ንኣባል ስድራ ቤቱ፡ ነቲ ተቐባል ኣጋይሽ፡ ወይ ከኣ ነቲ ዳይረክተር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓይነ ስዉራን ኪሕግዙ ኸም ዚደልዩ ገለጸሉ። ብብረይል እተዳለወ ጽሑፋት ወይ ከኣ ብኣውድዮ እተዳለወ ሕታማት ከተምጽኣሉ ከም እትኽእል ከኣ ሓብሮ። ኣምላኽ ንዑረት ንሓዋሩ ኼወግዶ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘተስፉ ድማ ኣርእዮ። ነታ ብዛዕባ ተመክሮ ሓደ ብብረይል እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካቡ እተጠቕመ ዓይነ ስዉር እትገልጽ “ዊዝ ኣውት ኢት ኣይ ዉድ ፊል ሎስት” (ብዘይ ብእኡ፡ ከም ዝጠፋእኩ ምተሰምዓኒ ነይሩ) ዘርእስታ ቪድዮ ኻብ jw.org ከተርእዮ እውን ትደሊ ትኸውን። ዕላማ መምጽኢኻ ምግላጽካ፡ ምስ ዓይነ ስዉራን ንኽትራኸብ መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።
4. ተመክሮ ጃኔት እንታይ እዩ ዚምህረና፧
4 ጃኔት ዝስማ ዓይነ ስዉር፡ ናብ ሓደ ዓይነ ስዉራን ዚነብሩሉ ትካል ክትበጽሕ ከደት። ምስ ሓንቲ ጐርዞ ኸኣ ዝርርብ ጀመረት። ነታ ጐርዞ ድማ፡ “የሱስ ንዅሎም ዓይነ ስዉራን እንታይ ኪገብረሎም ከም ዚኽእል ምእንቲ ኼርኢ፡ ዓይነ ስዉራን ኣሕውዩ እዩ” በለታ። ሓቢረን ንራእይ 21:3, 4 ምስ ኣንበባኣ ኸኣ፡ ጃኔት እዚ ተስፋ እዚ ብመንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ገለጸት። እታ ሰበይቲ ስቕ በለት እሞ ጸኒሓ፡ “እዚ ኻብ ዓይነ ስዉር ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን እየ። መብዛሕትኦም ዚርእዩ ሰባት፡ ዕዉራን ዚዖሩ ንሳቶም ወይ ከኣ ኣባሓጎታቶም ገለ ነገር ብምግባሮም ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ” በለት። ጃኔት ከኣ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ካብ ኢንተርነት ብቐሊሉ እትረኽበሉ መገዲ ብኢ-መይል ለኣኸትላ። ሕጂ ብሓንሳእ ኰይነን ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዓ ኣለዋ።
5. ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንዓይነ ስዉራን ከነሕውዮም ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ከም እንግደሰሎም ነርኢ እንተ ዄንና እንታይ በረኸት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
5 ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ንሰባት ካብ ዑረቶም ከነሕውዮም ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ነቶም ቃል ብቓሉ ኣዒንቶም ዝዓወሩ ሓዊስካ ንዅሎም እቶም ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ሓሳቦም ዘዖሮም ሰባት ግና ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ንኺርድኡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 4:4) የሱስ ነቶም ኣብ ጥቓ ያሪኮ ዝነበሩ ኽልተ ሰባት ዘሕወዮም፡ ስለ ‘ዝደንገጸሎም’ እዩ። (ማቴ. 20:34) ንሕና እውን ንዓይነ ስዉራን ከምኡ ዝኣመሰለ ተገዳስነት ነርእዮም እንተ ዄንና፡ ንገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዑረት ንሓዋሩ ኼጥፍኦ መዲቡ ዘሎ የሆዋ ንኽንምህሮም መሰል ክንረክብ ንኽእል ኢና።