ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ሰነ ገጽ 7
  • ካብ መፈንጠራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ መፈንጠራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቕ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ኢንተርነት ኣዕሩኽካ መን እዮም፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ እዩ ዚጸልወኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—1ይ ክፋል፦ ንውሉደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽፈቕደሉዶ፧
    ንስድራ ቤት
  • ላዕለዋይ ብዓል መዚ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣጠንቂቑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ሰነ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ መፈንጠራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቕ

የሱስ ንኣእማን ናብ እንጌራ ምልዋጥ ይኣቢ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ናውቲ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ጐዳኢ ወይ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ወሲኖም እዮም። ካልኦት ክርስትያናት ድማ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ንምርኻብ ይጥቀሙሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ንማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነቲ ዘሎና ጽቡቕ ስምን ንመንፈሳውነትናን ብዚጐድእ ጥበባዊ ዘይኰነ መገዲ ኽንጥቀመሉ እዩ ዚደልየና። ልክዕ ከም የሱስ ነቲ መፈንጠራታት ኣለሊና ምእንቲ ኸነወግዶ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ሉቃ 4:4, 8, 12።

ከነወግዶ ዘሎና መፈንጠራታት፦

  • መጠኑ ዝሓለፈ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ሰዓታት ምጥፋእ፡ ነቲ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ክንጥቀመሉ እንኽእል ዝነበርና ኽቡር ግዜና ኼባኽነልና ይኽእል እዩ

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌ 5:15, 16፣ ፊል 1:10

  • ዜተሓታትት ነገራት ምርኣይ። ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ምርኣይ ውሉፋት ስእለ ጽዩፍ ኪገብረናን ናብ ምንዝርና ኺመርሓናን ይኽእል እዩ። ከሓድቲ ኣብ ኢንተርነት ዚጽሕፍዎ ጽሑፋት ምንባብ ወይ ኣብ ወብ ሳይቶም ምርኣይ፡ እምነት ሓደ ሰብ ኬጥፍእ ይኽእል እዩ

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴ 5:28፣ ፊል 4:8

  • ዘይግቡእ ርእይቶታት ወይ ስእልታት ምልጣፍ። ልቢ ጐራሕ ስለ ዝዀነ ሓደ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይግቡእ ርእይቶታት ወይ ስእልታት ንምልጣፍ ኪፍተን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ምግባር ነቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ኬበላሽወሉ ወይ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 14:13፣ ኤፌ 4:29

ነታ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት ብኸመይ ከም እተወግዶ ርአ፦

ሓደ ሰራቒ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ተጠቒሙ ሓደ ብዓል ቤት ንዕረፍቲ ናብ ርሑቕ ቦታ ኸም ዝኸደ ይፈልጥ
ሓደ ኣስራሒ፡ ስራሕ ኪቝጸር ዝመጸ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንዝለጠፎ ዘይግቡእ ነገር ይርኢ
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዕሉግ ኣዘራርባ ይዛረቡ
ምሉእ ለይቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ዝሓደረ ሓደ መንእሰይ ንግሆ ኻብ ድቃሱ ምትንሳእ ይኣብዮ
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ