ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ግንቦት ገጽ 3
  • ንርእስኻ፡ ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርካ ርኣያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንርእስኻ፡ ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርካ ርኣያ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንፍቕሪ የሆዋ ተቐበሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ግንቦት ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ንርእስኻ፡ ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርካ ርኣያ

‘የሆዋ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።’ (መዝ 149:4) ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያትናን ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ሰባት ክንከውን ከም እንኽእልን ይርኢ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ይኸብደና ይኸውን። ብምኽንያት እቲ ኻልኦት ንዓና ዚሕዝሉ መገዲ ዘይንረብሕ ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትና ነተኵር እንተ ዄንና፡ የሆዋ ብሓቂ ዜፍቅረና እንተ ዀይኑ ንጠራጠር ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

የሆዋ፡ ሰባት ኪርእይዎ ዘይክእሉ ነገራት ኪርኢ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (1ሳሙ 16:7) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ኻብቲ ንሕና ንርእስና እንርእያ ንላዕሊ እዩ ዚርእያ። እቲ ዜሕጕስ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚርእየና ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ንኣምለኽቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም ዚገልጽ ጥቕስታትን ጸብጻባትን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ነዚ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።

ነታ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ንልብካ ኣእምኖ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ምሳሌ እቲ ጐያዪን ኣቦኡን፡ የሆዋ ንዓና ብዛዕባ ዚርእየሉ መገዲ እንታይ ይምህረና፧

  • ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ንምዕራይ ኣዳላዪ ስጉምትታት እንተ ወሲዱ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ንልቡ ኼእምኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—1ዮሃ 3:19, 20

  • እቲ ሓው፡ ዛንታ ዳዊትን ዮሳፋጥን ምንባቡን ምስትንታኑን ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

እዚ ዚስዕብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ . . .

ካልኦት ብኸመይ ይርእዩና ብዘየገድስ የሆዋ ኸም ዜፍቕረና የረጋግጸልና

  • ሄኖክ (ዘፍ 5:24፣ እብ 11:5፣ ይሁ 14, 15)

  • ሃና (1ሳሙ 1:1–2:11, 18-21, 26)

የሆዋ ንዚንስሑ ኣበስቲ ብሓቂ ይቕረ ኸም ዚብለሎም የረጋግጸልና

  • ምናሴ (2ዜና 33:1-7, 12, 13)

  • ጳውሎስ (1ጢሞ 1:12-16)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ