ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መስከረም ገጽ 15
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣምላኻዊ ጥበብ ኪረኽቡ ሓግዝዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣምላኻዊ ጥበብ ኪረኽቡ ሓግዝዎም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ደቅኻ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ንምሕጋዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • “ዘንቀዱ” ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መስከረም ገጽ 15
ሓንቲ ሓብቲ ንደቃ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ሓሳብ ኪህቡን ኪከታተሉን ትሕግዞም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣምላኻዊ ጥበብ ኪረኽቡ ሓግዝዎም

ወለዲ፡ ደቆም ኣምላኻዊ ጥበብ ምእንቲ ኺረኽቡ ዚሕግዙሉ ሓደ ብሉጽ መገዲ፡ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪጥቀሙ ብምግባር እዩ። መንእሰያት ዚርእይዎ፡ ዚሰምዕዎ፡ ኣብ ኣኼባታት ዚህብዎ ሓሳባት ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡን ናይ ቀረባ ፈተውቱ ኪዀኑን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (ዘዳ 31:12, 13) ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ኻብ ኣኼባታት ብዝያዳ ምእንቲ ኺጥቀም፡ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

  • ኣብ ኣኼባታት ብኣካል ክትእከብ ልባዊ ጻዕሪ ግበር።—መዝ 22:22

  • ቅድሚ ኣኼባን ድሕር ኣኼባን ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ግዜ ኣሕልፍ።—እብ 10:25

  • ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ፡ ኣብ ጉባኤ ዚጽናዕ ዲጂታዊ ወይ ብወረቐት እተሓትመ ሕታም ከም ዘለዎ ኣረጋግጽ

  • ንውሉድካ ብናይ ርእሱ ኣበሃህላ ሓሳብ ኪህብ ኣዳልዎ።—ማቴ 21:15, 16

  • ብዛዕባ ኣኼባታትን ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ዚርከብ ትምህርትን ብኣወንታ ተዛረብ

  • ንደቅኻ ኣብ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪካፈሉን ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኼዕልሉን ሓግዞም

ንደቅኻ ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ምሕጋዝ ብዙሕ ጻዕሪ ኺሓትት ይኽእል እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ዓቕምኻ ዚጽንቅቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ኢሳ 40:29።

ነታ ከም ወላዲ መጠን፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ብርታዐኡን ተወከል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ንዛክን ንሊያን ሓይሎም ኪጽንቀቕ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧

  • ወለዲ ብርታዐ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

  • ዛክን ሊያን ሓገዝ ንምርካብ በየናይ መገዲ እዮም ኣብ የሆዋ ተወኪሎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ